1 ዜና መዋእል 21:1-30
21 ሰይጣን* ከኣ ኣንጻር እስራኤል ተንስአ እሞ፡ ንዳዊት፡ ንእስራኤል ኪቘጽሮ ኣለዓዓሎ።+
2 ዳዊት ድማ ንዮኣብን+ ንኣሕሉቕ ህዝብን፡ “ኪዱ፡ ንእስራኤል ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳብ ዳን+ ቍጸርዎ እሞ፡ ቍጽሮም ምእንቲ ኽፈልጥ ንገሩኒ” በሎም።
3 ዮኣብ ግና፡ “የሆዋ ነቲ ህዝቢ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ! ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ኵሎም ገላዉ ጐይታይ ደይኰኑን፧ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ከምዚ ኺገብር ደልዩ፧ ስለምንታይከ ንእስራኤል ምኽንያት በደል ዚኸውን፧” በሎ።
4 ቃል ንጉስ ግና ንዮኣብ ሰዓሮ። ዮኣብ ከኣ ወጺኡ፡ ናብ ብዘላ እስራኤል ከደ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።+
5 ዮኣብ ድማ ቍጽሪ እቶም እተመዝገቡ ህዝቢ ንዳዊት ሃቦ። ኵሎም እስራኤል ከኣ ሰይፊ እተዓጥቁ 1,100,000 ሰባት ኰኑ፣ ይሁዳ ድማ ሰይፊ እተዓጥቁ 470,000 ሰባት ኰኑ።+
6 ዮኣብ ንቓል ንጉስ ፈንፊንዎ ስለ ዝነበረ ግና፡+ ሌዊን ብንያምን ኣብ መንጎኦም ኣይተመዝገቡን።+
7 እዚ ነገር እዚ ግና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣዝዩ ኣጕሃዮ እሞ፡ ንእስራኤል ወቕዖ።
8 ዳዊት ከኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “እዚ ብምግባረይ ብዙሕ በዲለ እየ።+ ብዙሕ ከኣ ዓሽየ እየ እሞ፡+ ሕጂ ድማ በጃኻ ንስሕተት ጊልያኻ ይቕረ በል” በሎ።+
9 የሆዋ ኸኣ ንጋድ+ እቲ ናይ ዳዊት ብዓል ራእይ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦
10 “ኪድ እሞ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰለስተ ኣማራጺ እህበካ ኣለኹ። ኣብ ልዕሌኻ ኸምጽኦስ፡ ሓዲኡ ሕረ።”’”
11 ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እትደልዮ ሕረ፦
12 ኣብ ምድርኻ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ኪኸውን፡+ ወይስ ሰይፊ ጸላእትኻ እናኣርከበካ ሰለስተ ወርሒ ብተጻረርትኻ ኽትኵስተር፡+ ወይስ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ኵላ ሃገር እስራኤል እናኣጥፍአ+ ሰለስተ መዓልቲ ሰይፊ የሆዋ፡ ማለት ኣብዛ ምድሪ ለበዳ ኪኸውን።’+ ሕጂ ኸኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እንታይ ኢለ ኸም ዝምልሰሉ ሕሰብ” በሎ።
13 ዳዊት ከኣ ንጋድ፡ “ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ። ግናኸ፡ ምሕረቱ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ ኣብ ኢድ የሆዋ ደኣ እውደቕ እምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይውደቕ”+ በሎ።
14 ሽዑ፡ የሆዋ ናብ እስራኤል ለበዳ ሰደደ፣+ ካብ እስራኤል ድማ 70,000 ሰባት ወደቑ።+
15 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ መልኣኽ ሰደደላ፣ ንሱ ኼጥፍኣ ምስ በለ ግና፡ የሆዋ ነዚ ርእዩ በቲ መዓት ተጣዕሰ፣*+ ነቲ ዜጥፍእ መልኣኽ ድማ፡ “ይኣክል!+ ሕጂ ኢድካ ኣውርዳ” በሎ። መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርናን+ እቲ ይቡሳዊ+ ደው ኢሉ ነበረ።
16 ዳዊት ኣዒንቱ ምስ ኣልዓለ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብ መንጎ ምድርን ሰማያትን ደው ኢሉ፡ ኣብ ኢዱ ዝሓዛ እተመልሐት ሰይፊ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ዘርጊሑ ረኣየ።+ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ድማ ማቕ ተኸዲኖም+ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ።+
17 ዳዊት ከኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “እቲ ህዝቢ ኪቝጸር ዝበልኩስ ኣነ ደይኰንኩን፧ ኣነ እየ ሓጢአ፡ ኣነ እየ በዲለ፣+ እዘን ኣባጊዕ እዚአን ግና እንታይ ገይረን፧ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ኢድካ ኣንጻረይን ኣንጻር ቤት ኣቦይን ትኹን፣ እዚ መቕዘፍቲ እዚ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኣይተምጽእ” በሎ።+
18 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ንጋድ፡+ ንዳዊት ደዪቡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ንየሆዋ መሰውኢ ኬቕውም ኪነግሮ ነገሮ።+
19 ዳዊት ድማ ከም ቃል እቲ ብስም የሆዋ እተዛረበ ጋድ፡ ደየበ።
20 ኦርናን ከኣ ግልጽ ኢሉ ነቲ መልኣኽ ረኣዮ፣ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቁ ድማ ተሓብኡ። ኦርናን ከኣ ስርናይ የኽይድ ነበረ።
21 ዳዊት ናብኡ ምስ መጸ፡ ኦርናን ጠሚቱ ንዳዊት ረኣዮ እሞ ብኡብኡ ኻብቲ ዓውዲ ወጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
22 ዳዊት ከኣ ንኦርናን፡ “ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ምእንቲ ኽሰርሓሉስ፡ ቦታ እዚ ዓውዲ ሽጠለይ።* እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝመጸ መቕዘፍቲ ደው ምእንቲ ኺብል፡ ብምሉእ ዋጋ ሽጠለይ” በሎ።+
23 ኦርናን ግና ንዳዊት፡ “ንዓኻ ውሰዶ፣ ጐይታይ ንጉስ ጽቡቕ ዝመሰሎ* ድማ ይግበር። እንሆ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚዀኑ ኸብቲ፡ ንዕንጨይቲ ዚኸውን መኼዲ፡+ ንመስዋእቲ እኽሊ ዚኸውን ከኣ ስርናይ እህብ ኣለኹ። ኵሉ ሂበ ኣለኹ” በሎ።
24 ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርናን፡ “ኣይፋልን፡ ንየሆዋ ዝህቦስ ናትካ ዝዀነ ኣይወስድን ወይ ዋጋ ብዘይከፈልኩሉስ ዚሓርር መስዋእቲ ኣየቕርብን እየ እሞ፡ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ኽዕድጎ ኣሎኒ” በሎ።+
25 ዳዊት ድማ ንኦርናን፡ ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን 600 ሲቃል* ወርቂ ሃቦ።
26 ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን እውን ኣቕረበ፣ ናብ የሆዋ ድማ ተማህለለ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ኻብ ሰማያት ብሓዊ መለሰሉ።+
27 የሆዋ ድማ ነቲ መልኣኽ፡ ሰይፉ ናብ ሰገባኣ ኺመልሳ ኣዘዞ።+
28 በታ ግዜ እቲኣ፡ ዳዊት፡ የሆዋ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ኸም ዝመለሰሉ ምስ ረኣየ፡ ኣብኡ ይስውእ ነበረ።
29 እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ማሕደር የሆዋን እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዚርከብ በሪኽ ነበረ።+
30 ዳዊት ግና ብምኽንያት እታ ሰይፊ መልኣኽ የሆዋ ስለ እተሸበረ፡ ንኣምላኽ ምኽሪ ኺሓትቶ ኢሉ ናብ ቅድሚኡ ኪኸይድ ኣይከኣለን።