1 ዜና መዋእል 22:1-19

  • ዳዊት ነታ ቤተ መቕደስ ዝገበሮ ምድላዋት (1-5)

  • ዳዊት ንሰሎሞን መምርሒ ሃቦ (6-16)

  • መሳፍንቲ ንሰሎሞን ኪሕግዝዎ ትእዛዝ ተዋህቦም (17-19)

22  ዳዊት ድማ፡ “እዚኣ ቤት የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እያ፣ እዚ ኸኣ ንእስራኤል ንዚሓርር መስዋእቲ መሰውኢ ይኹን” በለ።+  ዳዊት ድማ፡ እቶም ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝነበሩ ጓኖት ኪእከቡ ኣዘዘ፣+ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምህናጽ ዚኸውን ኣእማን ኪወቕሩን ኪቐርጹን መደቦም።+  ዳዊት ከኣ ንመዓጹ ኣፍ ደገታት ንዚኸውን መሳምርን ንመቐርቀርን ብዙሕ ሓጺን፡ ከምኡ እውን ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኺምዘን ዘይተኻእለ ነሓሲ ኣዳለወ፣+  ሲዶናውያንን+ ጢሮሳውያንን+ ብዙሕ ኣዕጫው ቄድሮስ+ ኣምጺኦምሉ ነበሩ እሞ፡ ኣዕጫው ቄድሮስ እውን ቍጽሪ ዘይብሉ ኣዳለወ።  ዳዊት ድማ፡ “ሰሎሞን ወደይ ንእሽቶን ዘይምኩርን* እዩ፣+ እታ ንየሆዋ እትህነጸሉ ቤት ግና ዝናኣን ጽባቐኣን+ ኣብ ኵለን ሃገራት ክትፍለጥሲ፡+ ኣዝያ ዓባይ ክትከውን ኣለዋ።+ ስለዚ፡ ከዳልወሉ እየ” በለ። ዳዊት ከኣ ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ነገር ኣዳለወ።  ንወዱ ሰሎሞን ጸዊዑ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሃንጸሉ ኣዘዞ።  ዳዊት ከኣ ንወዱ ሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “ኣነስ ንስም የሆዋ ኣምላኸይ ቤት ክሃንጽ ብልበይ ተመንየ ነይረ።+  ግናኸ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጺኡኒ፦ ‘ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፡ ዓበይቲ ውግእ ድማ ተዋጊእካ ኢኻ። ንስኻ ኣብ ቅድመይ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ ኢኻ እሞ፡ ንስመይ ቤት ኣይክትሃንጽን ኢኻ።+  እንሆ፡ ናይ ሰላም* ሰብ ዝዀነ ወዲ ኺውለደልካ እዩ፣+ ኣነ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ኵሎም ጸላእቱ ዕረፍቲ ኽህቦ እየ፣+ ስሙስ ሰሎሞን*+ ኪብሃል እዩ፣ ብዘመኑ ድማ ኣብ እስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ።+ 10  ንሱ ንስመይ ቤት ኪሃንጽ እዩ።+ ንሱ ወደይ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ እውን ኣቦኡ ክኸውን እየ።+ ዝፋን ንግስናኡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።’+ 11  “ሕጂ ድማ ወደየ፡ የሆዋ ምሳኻ ይኹን፡ ይቕናዕካ እውን፣ ከምቲ ብዛዕባኻ እተዛረቦ ኸኣ፡ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ህነጽ።+ 12  ሓንትስ ሕጊ የሆዋ ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትሕሉ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስልጣን ኪህበካ ኸሎ፡ ምስትውዓልን ኣእምሮን ይሃብካ።+ 13  ሽዑ፡ እቲ የሆዋ ንሙሴ፡ ንእስራኤል ኪህቦ ዝኣዘዞ ስርዓታትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻ፡+ ኪቐንዓካ እዩ።+ ትባዕን በርትዕን። ኣይትፍራህን ኣይትሸበርን።+ 14  እንሆ፡ ኣነ ብኽንደይ መከራ ንቤት የሆዋ ዚኸውን 100,000 ታለንት* ወርቅን 1,000,000 ታለንት ብሩርን፡ ከምኡ ድማ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኺምዘን ዘይከኣል ነሓስን ሓጺንን ኣዳልየ ኣለኹ፣+ ኣዕጫውን ኣእማንን እውን ኣዳልየ ኣለኹ፣+ ንስኻ ኸኣ ክትውስኸሉ ኢኻ። 15  ብዙሓት ዓየይቲ፡ ማለት ወቐርቲ እምንን ነደቕትን+ ጸረብትን ኵሎም ዓይነት ክኢላታት ዓየይትን+ ምሳኻ ኣለዉ። 16  እቲ ወርቅን ብሩርን ነሓስን ሓጺንን ከኣ ቍጽሪ የብሉን።+ ተንስእ እሞ ስራሕ፡ የሆዋ ድማ ምሳኻ ይኹን።”+ 17  ዳዊት ከኣ ንዅሎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ንወዱ ሰሎሞን ኪሕግዝዎ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 18  “የሆዋ ኣምላኽኩምዶ ምሳኻትኩም የሎን፧ ኣብ ዙርያኹምከ ዕረፍቲዶ ኣይሃበኩምን፧ ንነበርቲ እዛ ምድርስ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ ኣሎ፡ እዛ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቡን ተገዚኣ እያ። 19  ሕጂ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ክትደልይዎ ብዅሉ ልብኹምን ነፍስኹምን* ቍረጹ፣+ ታቦት ኪዳን የሆዋን ቅዱስ ኣቕሑ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናብታ ንስም የሆዋ እትህነጽ ቤት ምእንቲ ኺመጽእ ከኣ፡+ ምህናጽ መቕደስ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጀምሩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ተነቃፍን።”
“ሰላም” ካብ ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።
ቃ.ቃ.፡ “ዕረፍቲ።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።