1 ዜና መዋእል 26:1-32

  • ክፍልታት እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ (1-19)

  • ተሓዝቲ መዛግብትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን (20-32)

26  ክፍልታት እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ+ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ካብ ቆራሓውያን፡ መሸለምያ+ ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ።  መሸለምያ ኸኣ ደቂ ነበርዎ፦ እቲ በዅሪ ዘካርያስ፡ እቲ ኻልኣይ የዲዓኤል፡ እቲ ሳልሳይ ዘባድያ፡ እቲ ራብዓይ የትኒኤል፡  እቲ ሓምሻይ ዔላም፡ እቲ ሻድሻይ ዮሓናን፡ እቲ ሻውዓይ ኤልይሆ-ዔናይ።  ዖቤድ-ኤዶም ድማ ደቂ ነበርዎ፦ እቲ በዅሪ ሸማዕያ፡ እቲ ኻልኣይ የሆዛባድ፡ እቲ ሳልሳይ ዮኣሕ፡ እቲ ራብዓይ ሳካር፡ እቲ ሓምሻይ ናትናኤል፡  እቲ ሻድሻይ ዓሚኤል፡ እቲ ሻውዓይ ይሳኮር፡ እቲ ሻምናይ ጰዑለታይ፣ ኣምላኽሲ ባሪኽዎ ነበረ።  ንወዱ ሸማዕያ ኸኣ፡ ኣወዳት ተወልዱሉ፣ ንሳቶም ክኢላታት ሓያላት ነበሩ እሞ፡ ኣሕሉቕ ማይ ቤታቶም ኰኑ።  ደቂ ሸማዕያ፦ ዖትኒን ረፋኤልን ዖቤድን ኤልዛባድን፣ ኣሕዋቱ ኤሊሁን ሰማክያን እውን ክኢላታት ነበሩ።  ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዖቤድ-ኤዶም እዮም፣ ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን፡ ንኣገልግሎት ብቑዓት ክኢላታት ሰባት፡ 62 ናይ ዖቤድ-ኤዶም ነበሩ።  መሸለምያ+ ድማ ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ፡ 18 ክኢላታት ሰባት። 10  ሖሳ ኻብ ደቂ መራሪ ኸኣ ደቂ ነበርዎ። ሺምሪ ርእሲ ነበረ፣ ንሱ በዅሪ እኳ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣቦኡ ርእሲ ገይሩ ሸሞ፣ 11  እቲ ኻልኣይ ሒልቅያ፡ እቲ ሳልሳይ ጠባልያ፡ እቲ ራብዓይ ዘካርያስ። ኵሎም ደቅን ኣሕዋትን ሖሳ 13 ነበሩ። 12  ካብዞም ክፍልታት ሓለውቲ ኣፍ ደገ፡ እቲ ርእሲ ኸምቶም ኣሕዋቱ ኣብ ቤት የሆዋ ኼገልግል ሓላፍነት ነበሮ። 13  ስለዚ፡ ንእሽቶ ዀነ ዓብዪ ብማዕረ፡ በብማይ ቤቶም፡ ንኣፍ ደገታት ዕጫ ኣውደቑ።+ 14  እቲ ናይ ምብራቕ ዕጫ ኸኣ ናብ ሸለምያ ወደቐ። ነቲ ኣስተውዓሊ ኣማኻሪ ዝነበረ ዘካርያስ ወዱ ዕጫ ኣውደቑሉ፣ ዕጫኡ ድማ ብሰሜን ወጸ። 15  ዖቤድ-ኤዶም ከኣ ብደቡብ ወጸሉ፣ ደቁ+ ድማ ኣብቲ ማዕከናት ተመደቡ። 16  ሹጲምን ሖሳን+ ድማ ጕጅለ ሓለዋ ኣብ ጐድኒ ጕጅለ ሓለዋ ኪዀኑ፡ ብምዕራብ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ሻለክት፡ ኣብቲ ንዓቐብ ዚድይብ ጐደና ወጸሎም። 17  ብምብራቕ ሽዱሽተ ሌዋውያን ነበሩ፣ ብሰሜን ነንመዓልቲ ኣርባዕተ ነበሩ፣ ብደቡብ ነንመዓልቲ ኣርባዕተ ነበሩ፣ ኣብቲ ማዕከናት+ ከኣ ክልተ ብኽልተ ነበሩ፣ 18  ኣብቲ ብምዕራብ ዝነበረ ወገፈ፡ ኣብቲ ጐደና+ ኣርባዕተ፡ ኣብቲ ወገፈ ድማ ክልተ ነበሩ። 19  እቶም ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ካብ ደቂ መራራውያንን ዝነበሩ ኽፍልታት ሓለውቲ ኣፍ ደገ እዚኣቶም እዮም። 20  ካብ ሌዋውያን ከኣ፡ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ* ነገራትን ሓላፍነት ነበሮ።+ 21  ደቂ ላዕዳን፦ ደቂ ጌርሾናውያን ናይ ላዕዳን፡ ማለት ርእስታት ማይ ቤታት ናይ ላዕዳን እቲ ጌርሾናዊ፡ የሒኤሊ፡+ 22  ደቂ የሒኤሊ ድማ፡ ዜታምን ሓዉ ዮኤልን። ንሳቶም ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት የሆዋ+ ሓላፍነት ነበሮም። 23  ካብ ዓምራማውያንን ይጽሃራውያንን ኬብሮናውያንን ዑዚኤላውያንን፡+ 24  ሸቡኤል ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕከናት ሓላፍነት ዝነበሮ መራሒ ነበረ። 25  እቶም ካብ ኤልዔዘር+ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኸኣ፡ ረሓብያ+ ወዱ፡ የሻዕያ ወዱ፡ ዮራም ወዱ፡ ዚክሪ ወዱ፡ ሸሎሞት ወዱ። 26  እዚ ሸሎሞት እዝን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዅሉ መዛግብቲ እቲ ንጉስ ዳዊትን+ ርእስታት ማይ ቤታትን+ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሰራዊትን ዝቐደስዎ እተቐደሰ ነገራት ሓላፍነት ነበሮም።+ 27  ንሳቶም ካብ ውግእን+ ካብ ምርኮን+ ንመተዓራረዪ ቤት የሆዋ ቐዲሶም ነበሩ፣ 28  ኵሉ እቲ ሳሙኤል እቲ ረኣይን+ ሳኦል ወዲ ቂስን ኣብኔር+ ወዲ ኔርን ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያን+ ዝቐደስዎ እውን ከምኡ። ዝዀነ ሰብ ዝቐደሶ ዘበለ፡ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ሸሎሚትን ኣሕዋቱን ነበረ። 29  ካብ ይጽሃራውያን፡+ ከናንያን ደቁን ኣብ ናይ ግዳም ምምሕዳራዊ ዕዮ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣሕሉቕን ፈራዶን+ ኪዀኑ ተመደቡ። 30  ካብ ኬብሮናውያን፡+ ሓሻብያን ኣሕዋቱን፡ 1,700 ክኢላታት ሰብኡት፡ ንዅሉ ዕዮ የሆዋን ንዅሉ ኣገልግሎት ንጉስን ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር እቲ ብምዕራብ ዮርዳኖስ ዘሎ ዞባ እስራኤል ነበሩ። 31  ካብ ኬብሮናውያን፡ የሪያ+ ብትውልዲ ማይ ቤታቶም ርእሲ ኬብሮናውያን ነበረ። ኣብ መበል 40 ዓመት ንግስና ዳዊት+ ተደልዩ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ኣብ ያዕዜር+ ኣብ ጊልዓድ ክኢላታት ሓያላት ተረኽቡ። 32  ኣሕዋቱ ኸኣ 2,700 ዝቝጽሮም ክኢላታት ሰብኡት፡ ርእስታት ማይ ቤታት ነበሩ። ንጉስ ዳዊት ድማ፡ ኣብ ኵሉ ነገር እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ነገር ንጉስን፡ ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናስያውያንን መደቦም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እተወፈየ።”