1 ዜና መዋእል 27:1-34

  • ንንጉስ ዜገልግሉ ሰበ ስልጣን (1-34)

27  ቍጽሪ እቶም እስራኤላውያን፡ እቶም ርእስታት ማይ ቤታትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን+ እቶም ኣብ ኵሉ ኣዋርሕ ዓመት ወርሒ ወርሒ እናመጹን እናኸዱን ኣብ ኵሉ ነገር እቲ ኽፍልታት ንንጉስ ዜገልግሉ ዝነበሩ ኣሕሉቖምን እዚ እዩ፣+ ኣብ ከክፍሊ ኸኣ 24,000 ነበሩ።  ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ያሾበዓም+ ወዲ ዛብዲኤል ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።  ካብ ደቂ ፋሬስ፡+ ንሱ ርእሲ ዅሎም ኣሕሉቕ እቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኼገልግሉ እተመደቡ ነበረ።  ኣብ ልዕሊ እቲ ኽፍሊ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ዶዳይ+ እቲ ኣሖሓዊ+ ምስ ክፍሉ ነበረ፣ ሚቅሎት ከኣ መራሒ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።  ሓለቓ እቲ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ ኼገልግል እተመደበ ሳልሳይ ጕጅለ፡ በናያ+ ወዲ የሆያዳ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።  እዚ በናያ እዚ፡ እቲ ኻብቶም ሰላሳን ኣብ ልዕሊ እቶም ሰላሳን ዝነበረ ጅግና እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ኽፍሉ ኸኣ፡ ወዱ ዓሚዛባድ ነበረ።  እቲ ራብዓይ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ዓሳሄል+ ሓው ዮኣብ+ ነበረ፣ ወዱ ዘባድያ ድማ ድሕሪኡ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ኸኣ 24,000 ነበሩ።  እቲ ሓምሻይ ሓለቓ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ሻምሁት እቲ ይዝራሓዊ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ።  እቲ ሻድሻይ ናይታ ሻድሸይቲ ወርሒ፡ ዒራ+ ወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ+ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ኸኣ 24,000 ነበሩ። 10  እቲ ሻውዓይ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ሔለጽ+ እቲ ጰሎናዊ ኻብ ኤፍሬማውያን ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ። 11  እቲ ሻምናይ ናይታ ሻምነይቲ ወርሒ፡ ሲብካይ+ እቲ ሑሻታዊ ኻብ ዜራሓውያን+ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ኸኣ 24,000 ነበሩ። 12  እቲ ታሽዓይ ናይታ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ኣቢ-ዔዘር+ እቲ ዓናቶታዊ+ ኻብ ብንያማውያን ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ። 13  እቲ ዓስራይ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ማሃራይ+ እቲ ነጦፋታዊ ኻብ ዜራሓውያን+ ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ኸኣ 24,000 ነበሩ። 14  እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ናይታ መበል 11 ወርሒ፡ በናያ+ እቲ ጲርዓቶናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ድማ 24,000 ነበሩ። 15  እቲ መበል 12 ናይታ መበል 12 ወርሒ፡ ሔልዳይ እቲ ነጦፋታዊ ኻብ ዖትኒኤል ነበረ፣ ኣብ ክፍሉ ኸኣ 24,000 ነበሩ። 16  መራሕቲ ነገዳት እስራኤል ድማ እዚኣቶም ነበሩ፦ ካብ ሮቤላውያን፡ ኤልዔዘር ወዲ ዚክሪ መራሒ ነበረ፣ ካብ ስምኦናውያን፡ ሸፋጥያ ወዲ ማዓካ፣ 17  ካብ ሌዊ፡ ሓሻብያ ወዲ ቄሙኤል፣ ካብ ኣሮን፡ ጻዶቅ፣ 18  ካብ ይሁዳ፡ ኤሊሁ+ ሓደ ኻብ ኣሕዋት ዳዊት፣ ካብ ይሳኮር፡ ዖምሪ ወዲ ሚካኤል፣ 19  ካብ ዛብሎን፡ ዪሽማዕ ወዲ ኦብድያ፣ ካብ ንፍታሌም፡ የሪሞት ወዲ ዓዝሪኤል፣ 20  ካብ ኤፍሬማውያን፡ ሆሼዓ ወዲ ዓዛዝያ፣ ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ፡ ዮኤል ወዲ ጰዳያ፣ 21  ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ኣብ ጊልዓድ፡ ዒዶ ወዲ ዘካርያስ፣ ካብ ብንያም፡ ያዓሺኤል ወዲ ኣብኔር፣+ 22  ካብ ዳን፡ ዓዛርኤል ወዲ የሮሓም። እዚኣቶም መሳፍንቲ ነገዳት እስራኤል ነበሩ። 23  የሆዋ ንእስራኤል ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ከም ዜብዝሖም ኣተስፍይዎም ስለ ዝነበረ፡ ዳዊት ነቶም ደቂ 20 ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ኣይቈጸሮምን።+ 24  ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ኪቘጽር ጀሚሩስ፡ ኣይወድኦን፣ ብሰሪ እዚ ድማ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል መጸ፣*+ እቲ ቝጽሪ ኸኣ ኣብ ጸብጻብ ታሪኽ ዘመን ንጉስ ዳዊት ኣይኣተወን። 25  ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ንጉስ፡+ ዓዝማዌት ወዲ ዓዲኤል ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሮርን ኣብ ከተማታትን ኣብ ኣቝሻትን ኣብ ግምብታትን ዝነበረ ማዕከናት* ድማ፡ ዮናታን ወዲ ዑዝያ ነበረ። 26  ኣብ ልዕሊ እቶም ንምድሪ ዚሓርሱ ሓረስቶት ከኣ፡ ዔዝሪ ወዲ ከሉብ ነበረ። 27  ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፡ ሺምዒ እቲ ራማታዊ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ንማዕከናት ወይኒ ዚኸውን እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ዛብዲ እቲ ሺፍማዊ ነበረ። 28  ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ኣውልዕን ኣብ ሼፈላ+ ዝነበረ ኣእዋም ሳግላን+ ድማ፡ በዓል-ሓናን እቲ ጌደራዊ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ ማዕከናት ዘይቲ ኸኣ፡ ዮኣስ ነበረ። 29  ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ሳሮን+ ዚበልዓ ዝነበራ ኸብቲ ድማ፡ ሺጥራይ እቲ ሳሮናዊ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ጐላጕል ስንጭሮ* ዝነበራ ኸብቲ ኸኣ፡ ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ነበረ። 30  ኣብ ልዕሊ እተን ኣግማል ድማ፡ ኦቢል እቲ እስማኤላዊ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ እተን ኣእዱግ ከኣ፡ የሕድያ እቲ ሜሮኖታዊ ነበረ። 31  ኣብ ልዕሊ እተን ጤለ በጊዕ ድማ፡ ያዚዝ እቲ ሃግራዊ ነበረ። ኵሎም እዚኣቶም ኣሕሉቕ ጥሪት ንጉስ ዳዊት ነበሩ። 32  ዮናታን+ ወዲ ሓዉ ንዳዊት፡ ኣማኻሪ ነበረ፣ ንሱ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብኣይን ጸሓፍን ነበረ፣ የሒኤል ወዲ ሓክሞኒ ኸኣ ንደቂ ንጉስ ይኣሊ ነበረ።+ 33  ኣሒቶፌል+ ድማ ኣማኻሪ ንጉስ ነበረ፣ ሑሻይ+ እቲ ኣርካዊ ኸኣ፡ ፈታው* ንጉስ ነበረ። 34  ድሕሪ ኣሒቶፌል ድማ፡ የሆያዳ ወዲ በናያን+ ኣብያታርን+ ነበሩ፣ ዮኣብ+ ከኣ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ እስራኤል ቍጥዓ ዀነ።”
ወይ፡ “መዛግብቲ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐላጕል።”
ወይ፡ “ኣማኒ።”