1 ዜና መዋእል 3:1-24

  • ደቂ ዳዊት (1-9)

  • ሓረግ መንግስቲ ዳዊት (10-24)

3  እቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን እተወልዱሉ ኣወዳት፡ እዚኣቶም እዮም፦+ በዅሪ፡ ካብ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን፣+ ካልኣይ፡ ካብ ኣቢጋይል+ እታ ቀርሜሎሳዊት እተወልደ ዳንኤል፣  ሳልሳይ፡ ኣቤሴሎም+ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ ንጉስ ጌሹር፣ ራብዓይ፡ ኣዶንያ+ ወዲ ሓጊት፣  ሓምሻይ፡ ካብ ኣቢጣል እተወልደ ሸፋጥያ፣ ሻድሻይ፡ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዪትርዓም።  ሽዱሽቲኦም ኣብ ኬብሮን ተወልዱሉ፣ ኣብኣ ኸኣ 7 ዓመትን 6 ወርሕን ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 33 ዓመት ነገሰ።+  እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ እዚኣቶም እዮም፦+ ሺምዓን ሾባብን ናታንን+ ሰሎሞንን+ እዮም፣ ኣደ ኣርባዕቲኦም ከኣ ባትሴባ+ ጓል ዓሚኤል እያ።  እቶም ትሽዓተ ኻልኦት ድማ፡ ይብሓርን ኤሊሻማዕን ኤሊፈለጥን  ኖጋን ነፈግን ያፊዓን  ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን።  እዚኣቶም ኵላቶም፡ ብዘይ እቶም ደቂ ኣንስቲ ወሰን፡ ደቂ ዳዊት እዮም፣ ታማር+ ከኣ ሓብቶም እያ። 10  ወዲ ሰሎሞን፡ ሮብዓም+ እዩ፣ ኣብያ+ ወዱ፡ ኣሳ+ ወዱ፡ ዮሳፋጥ+ ወዱ፡ 11  ዮራም+ ወዱ፡ ኣሓዝያ+ ወዱ፡ ዮኣስ+ ወዱ፡ 12  ኣማስያ+ ወዱ፡ ዓዛርያ+ ወዱ፡ ዮታም+ ወዱ፡ 13  ኣሓዝ+ ወዱ፡ ህዝቅያስ+ ወዱ፡ ምናሴ+ ወዱ፡ 14  ኣሞን+ ወዱ፡ ዮስያስ+ ወዱ። 15  ደቂ ዮስያስ፡ በዅሪ ዮሓናን፡ ካልኣይ ዮያቂም፡+ ሳልሳይ ጼዴቅያስ፡+ ራብዓይ ሻሉም እዮም። 16  ደቂ ዮያቂም፡ የኮንያ+ ወዱን ጼዴቅያስ ወዱን እዮም። 17  ደቂ የኮንያ እቲ እሱር፡ ሸኣልቲኤልን 18  ማልኪራምን ጰዳያን ሸንኣጻርን የቃምያን ሆሻማዕን ነዳብያን እዮም። 19  ደቂ ጰዳያ፡ ዘሩባቤልን+ ሺምዒን እዮም፣ ደቂ ዘሩባቤል፡ መሹላምን ሓናንያን እዮም፡ (ሸሎሚት ከኣ ሓብቶም እያ)፣ 20  እቶም ሓሙሽተ ኻልኦት ድማ፡ ሓሹባን ኦሄልን በረክያን ሓሳድያን ዩሻብ-ሔሰድን እዮም። 21  ደቂ ሓናንያ ኸኣ፡ ጰላጥያን የሻዕያን እዮም፣ ወዲ* የሻዕያ፡ ረፋያ እዩ፣ ወዲ* ረፋያ፡ ኣርናን እዩ፣ ወዲ* ኣርናን፡ ኦብድያ እዩ፣ ወዲ* ኦብድያ፡ ሸካንያ እዩ፣ 22  ደቂ ሸካንያ ድማ፡ ሸማዕያ፡ ደቂ ሸማዕያ ኸኣ፡ ሓጡሽን ይግኣልን ባርያሕን ነዓርያን ሻፋጥን፡ ኵሉ ዅሎም ሽዱሽተ እዮም። 23  ደቂ ነዓርያ፡ ኤልዮዔናይን ሕዝቅያን ዓዝሪቃምን፡ ሰለስተ እዮም። 24  ደቂ ኤልዮዔናይ፡ ሆዳውያን ኤልያሺብን ጰላያን ዓቁብን ዮሓናንን ደላያን ዓናኒን፡ ሸውዓተ እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ደቂ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ።”