1 ዜና መዋእል 6:1-81

  • ደቂ ሌዊ (1-30)

  • ዘመርቲ ቤተ መቕደስ (31-47)

  • ደቂ ኣሮን (48-53)

  • ሰፈራት ሌዋውያን (54-81)

6  ደቂ ሌዊ፡+ ጌርሾንን ቀሃትን+ መራሪን+ እዮም።  ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ይጽሃርን+ ኬብሮንን ዑዚኤልን+ እዮም።  ደቂ ዓምራም፡+ ኣሮንን+ ሙሴን+ ሚርያምን+ እዮም። ደቂ ኣሮን፡ ናዳብን ኣቢሁን+ ኣልኣዛርን+ ኢታማርን+ እዮም።  ኣልኣዛር ንፊንሃስ+ ወለደ፣ ፊንሃስ ንኣቢሹዓ ወለደ።  ኣቢሹዓ ንቡቂ ወለደ፣ ቡቂ ንዑዚ ወለደ።  ዑዚ ንዜራሕያ ወለደ፣ ዜራሕያ ንመራዮት ወለደ።  መራዮት ንኣማርያ ወለደ፣ ኣማርያ ንኣሒጡብ+ ወለደ።  ኣሒጡብ ንጻዶቅ+ ወለደ፣ ጻዶቅ ንኣሒማዓጽ+ ወለደ።  ኣሒማዓጽ ንዓዛርያ ወለደ፣ ዓዛርያ ንዮሓናን ወለደ። 10  ዮሓናን ንዓዛርያ ወለደ። ንሱ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ዝሃነጻ ቤት፡ ካህን ነበረ። 11  ዓዛርያ ንኣማርያ ወለደ፣ ኣማርያ ንኣሒጡብ ወለደ። 12  ኣሒጡብ ንጻዶቅ+ ወለደ፣ ጻዶቅ ንሻሉም ወለደ። 13  ሻሉም ንሒልቅያ+ ወለደ፣ ሒልቅያ ንዓዛርያ ወለደ። 14  ዓዛርያ ንሰራያ+ ወለደ፣ ሰራያ ንየሆጻዳቅ+ ወለደ። 15  የሆጻዳቅ ከኣ የሆዋ ብኢድ ነቡካድነጻር ገይሩ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ማሪኹ ኺወስደን ከሎ፡ ተማሪኹ ኸደ። 16  ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን* ቀሃትን መራሪን እዮም። 17  ስማት ደቂ ጌርሾም እዚ እዩ፦ ሊብኒን ሺምዒን።+ 18  ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ይጽሃርን ኬብሮንን ዑዚኤልን እዮም።+ 19  ደቂ መራሪ፡ ማሕሊን ሙሺን እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦+ 20  ካብ ጌርሾም፡+ ሊብኒ ወዱ፡ ያሓት ወዱ፡ ዚማ ወዱ፡ 21  ዮኣሕ ወዱ፡ ዒዶ ወዱ፡ ዜራሕ ወዱ፡ የኣትራይ ወዱ። 22  ደቂ ቀሃት እዚኣቶም እዮም፦ ኣሚናዳብ ወዱ፡ ቆራሕ+ ወዱ፡ ኣሲር ወዱ፡ 23  ኤልቃና ድማ ወዱ፡ ኤብያሳፍ+ ከኣ ወዱ፡ ኣሲር ወዱ፡ 24  ታሓት ወዱ፡ ኡርኤል ወዱ፡ ዑዝያ ወዱ፡ ሻኡል ወዱ። 25  ደቂ ኤልቃና፡ ዓማሳይን ኣሒሞትን እዮም። 26  ብዛዕባ ኤልቃና ድማ፡ ደቂ ኤልቃና እዚኣቶም እዮም፦ ጾፋይ ወዱ፡ ናሓት ወዱ፡ 27  ኤልያብ ወዱ፡ የሮሓም ወዱ፡ ኤልቃና+ ወዱ። 28  ደቂ ሳሙኤል፡+ እቲ በዅሪ ዮኤልን እቲ ኻልኣይ ኣብያን እዮም።+ 29  ደቂ መራሪ እዚኣቶም እዮም፦ ማሕሊ፡+ ሊብኒ ወዱ፡ ሺምዒ ወዱ፡ ዑዛ ወዱ፡ 30  ሺምዓ ወዱ፡ ሓጊያ ወዱ፡ ዓሳያ ወዱ። 31  እቲ ታቦት ኣብ ቤት የሆዋ ምስ ዓረፈ፡ እቶም ዳዊት ኣብኡ መዝሙር ኪመርሑ ዝሸሞም እዚኣቶም እዮም።+ 32  ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ቤት የሆዋ ኽሳዕ ዚሃንጽ ከኣ፡+ ኣብቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ናይ ምዝማር ሓላፍነት ነበሮም፣ ከምቲ እተሰርዓሎም ድማ፡ ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ ነበሩ።+ 33  እቶም ምስ ደቆም ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ቀሃታውያን፡ ሄማን+ እቲ ዘማሪ፡ ወዲ ዮኤል፡+ ወዲ ሳሙኤል፡ 34  ወዲ ኤልቃና፡+ ወዲ የሮሓም፡ ወዲ ኤሊኤል፡ ወዲ ቶዓሕ፡ 35  ወዲ ጹፍ፡ ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ማሓት፡ ወዲ ዓማሳይ፡ 36  ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ዓዛርያ፡ ወዲ ጸፎንያስ፡ 37  ወዲ ታሓት፡ ወዲ ኣሲር፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡ 38  ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቀሃት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል። 39  ሓዉ ኣሳፍ+ ብየማኑ ቘይሙ ነበረ፣ ኣሳፍ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ሺምዓ፡ 40  ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ ባዓሴያ፡ ወዲ ማልክያ፡ 41  ወዲ ኤትኒ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ወዲ ዓዳያ፡ 42  ወዲ ኤታን፡ ወዲ ዚማ፡ ወዲ ሺምዒ፡ 43  ወዲ ያሓት፡ ወዲ ጌርሾም፡ ወዲ ሌዊ። 44  ደቂ መራሪ+ እቶም ኣሕዋቶም ብጸጋም ነበሩ፣ ኤታን+ ወዲ ቂሺ፡ ወዲ ዓብዲ፡ ወዲ ማሉክ፡ 45  ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ኣማስያ፡ ወዲ ሒልቅያ፡ 46  ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ባኒ፡ ወዲ ሸመር፡ 47  ወዲ ማሕሊ፡ ወዲ ሙሺ፡ ወዲ መራሪ፡ ወዲ ሌዊ። 48  እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ድማ ንዅሉ ኣገልግሎት እቲ ማሕደር፡ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተሸሙ።*+ 49  ኣሮንን ደቁን+ ከኣ ከምቲ ሙሴ ጊልያ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ንእስራኤል ንምትዕራቕ፡+ ምስቲ ቕዱስ ቅዱሳን እተተሓሓዘ ነገራት ብምዕያይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን+ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ዕጣንን+ ይዓጥኑ ነበሩ። 50  ደቂ ኣሮን እዚኣቶም እዮም፦+ ኣልኣዛር+ ወዱ፡ ፊንሃስ ወዱ፡ ኣቢሹዓ ወዱ፡ 51  ቡቂ ወዱ፡ ዑዚ ወዱ፡ ዜራሕያ ወዱ፡ 52  መራዮት ወዱ፡ ኣማርያ ወዱ፡ ኣሒጡብ+ ወዱ፡ 53   ጻዶቅ+ ወዱ፡ ኣሒማዓጽ ወዱ። 54  በብሰፈሮም* ኣብ ዓዓዶም ዚነብሩሉ ዝነበሩ ቦታ እዚ እዩ፦ ንደቂ ኣሮን ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን፡ ቀዳማይ ዕጫ በጺሕዎም እዩ እሞ፡ 55  ኬብሮን+ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ መጓሰዪታት ሃብዎም። 56  ግራውቲ እታ ኸተማን ሰፈራታን ግና ንካሌብ+ ወዲ የፉነ ሃብዎ። 57   ንደቂ ኣሮን ዝሃብዎም ድማ እተን ከተማታት* ዕቝባ፡+ ኬብሮን፡+ ከምኡ ኸኣ ሊብና+ ምስ መጓሰዪታታ፡ ያቲር፡+ ኤሽትሞዓ ምስ መጓሰዪታታ፡+ 58  ሒለን ምስ መጓሰዪታታ፡ ደቢር+ ምስ መጓሰዪታታ፡ 59  ዓሻን+ ምስ መጓሰዪታታ፡ ቤት-ሸመሽ+ ምስ መጓሰዪታታ፣ 60  ካብ ነገድ ብንያም ድማ፡ ጌባዕ+ ምስ መጓሰዪታታ፡ ዓለመት ምስ መጓሰዪታታ፡ ዓናቶት+ ምስ መጓሰዪታታ እየን። ኵለን እተን ንዓሌታቶም ዚዀና ኸተማታት፡ 13 ኸተማ ነበራ።+ 61  ነቶም ዝተረፉ ቀሃታውያን ከኣ፡ ካብ ዓሌት እቲ ነገድ፡ ካብ ፍርቂ ነገድ፡ ካብ ፍርቂ ምናሴ፡ ብዕጫ ዓሰርተ ኸተማ መደቡሎም።+ 62  ንጌርሾማውያን ድማ ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳንን 13 ኸተማ መደቡሎም።+ 63  ንመራራውያን ከኣ በብዓሌታቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕጫ 12 ኸተማ መደቡሎም።+ 64  በዚ ኸምዚ፡ እስራኤላውያን ንሌዋውያን እዘን ከተማታት ምስ መጓሰዪታተን ሃብዎም።+ 65  ብተወሳኺ፡ ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦንን ካብ ነገድ ብንያምን እዘን ብስመን እተረቝሓ ኸተማታት ብዕጫ መደቡሎም። 66  ገሊኦም ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን ድማ ካብ ነገድ ኤፍሬም፡ ዓዶም ዚዀና ኸተማታት ነበራኦም።+ 67  እተን ዝሃብዎም ከኣ እተን ከተማታት* ዕቝባ፡ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘላ ሴኬም+ ምስ መጓሰዪታታ፡ ከምኡ ድማ ጌዘር+ ምስ መጓሰዪታታ፡ 68  ዮቅመዓም ምስ መጓሰዪታታ፡ ቤት-ሖሮን+ ምስ መጓሰዪታታ፡ 69  ኣያሎን+ ምስ መጓሰዪታታ፡ ጋት-ሪሞን+ ምስ መጓሰዪታታ፣ 70  ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴ ኸኣ ነቶም ዝተረፉ ዓሌታት ቀሃታውያን፡ ዓኔር ምስ መጓሰዪታታን ቢልዓም ምስ መጓሰዪታታን እየን። 71  ንጌርሾማውያን ድማ ካብ ዓሌት ፍርቂ ነገድ ምናሴ፡ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን+ ምስ መጓሰዪታታን ዓሽታሮት ምስ መጓሰዪታታን፣+ 72  ካብ ነገድ ይሳኮር ከኣ፡ ቀደሽ ምስ መጓሰዪታታን ዳብራት+ ምስ መጓሰዪታታን+ 73  ራሞት ምስ መጓሰዪታታን ዓኔም ምስ መጓሰዪታታን፣ 74  ካብ ነገድ ኣሴር ድማ፡ ማሻል ምስ መጓሰዪታታን ዓብዶን ምስ መጓሰዪታታን+ 75  ሑቆቅ ምስ መጓሰዪታታን ሬሖብ+ ምስ መጓሰዪታታን፣ 76  ካብ ነገድ ንፍታሌም ከኣ፡ እታ ኣብ ገሊላ+ ዘላ ቀደሽ+ ምስ መጓሰዪታታን ሓሞን ምስ መጓሰዪታታን ቂርያታዪም ምስ መጓሰዪታታን መደቡሎም። 77  ነቶም ዝተረፉ መራራውያን ድማ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን፡+ ሪሞኖ ምስ መጓሰዪታታን ታቦር ምስ መጓሰዪታታን መደቡሎም፣ 78  ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ ኸኣ፡ ካብ ነገድ ሮቤል፡ እታ ኣብ በረኻ ዘላ ቤጸር ምስ መጓሰዪታታን ያሃጽ+ ምስ መጓሰዪታታን 79  ቀደሞት+ ምስ መጓሰዪታታን ሜፋዓት ምስ መጓሰዪታታን ተዋህባኦም፣ 80  ካብ ነገድ ጋድ ድማ፡ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ራሞት ምስ መጓሰዪታታን ማሓናዪም+ ምስ መጓሰዪታታን 81  ሔስቦን+ ምስ መጓሰዪታታን ያዕዜር+ ምስ መጓሰዪታታን ተዋህባኦም።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ፍ. 1፡ ጌርሾን ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ቃ.ቃ.፡ “ተዋህቡ።”
ወይ፡ “በብእተዃነየ ሰፈራቶም።”
ወይ፡ ምስ እያ 21:13 ብምስምማዕ፡ “እታ ኸተማ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ ምስ እያ 21:21 ብምስምማዕ፡ “እታ ኸተማ” ኪኸውን ይኽእል።