1 ዮሃንስ 1:1-10
1 ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ ብኣዒንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውና እውን ዘረምሰሳኦ ቓል ህይወት ንነግረኩም ኣለና።+
2 (እወ፡ ህይወት ተጋሂዳ እያ፣ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረትን ንዓና እተጋህደትን ናይ ዘለኣለም ህይወት+ ከኣ ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክረልኩምን+ ንነግረኩምን ኣለና።)
3 ንስኻትኩም እውን ምሳና ሕብረት* ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣለና።+ እዚ ሕብረትና እውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ።+
4 ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣለና።
5 እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፡ ንዓኻትኩም እውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ እዚኣ እያ፦ ኣምላኽ ብርሃን እዩ፣+ ኣብኡ ኸኣ ጸልማት ከቶ የልቦን።
6 “ምስኡ ሕብረት ኣሎና” ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላሊስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂ እውን ኣይንገብርን ኢና ዘለና።+
7 ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላሊስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ወዱ እውን ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ።+
8 “ሓጢኣት የብልናን” እንተ ኢልና፡ ንርእስና ነስሕታ ኣለና፡+ እታ ሓቂ እውን ኣባና የላን።
9 ሓጢኣትና እንተ ተናዚዝና፡ ንሓጢኣትና ኺሓድገልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ እውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።+
10 “ኣይሓጣእናን” እንተ ኢልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ ኣለና፡ ቃሉ እውን ኣባና የሎን።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ግደ።”