1 ዮሃንስ 3:1-24
3 ውሉዳት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንብሃል፡+ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እሞ ርኣዩ!+ ከምኡ ድማ ኢና። ስለዚ ኸኣ፡ ዓለም ንዕኡ ስለ ዘይፈለጠቶ፡+ ንዓና እውን ኣይትፈልጠናን እያ።+
2 ፍቑራተየ፡ ሕጂ ውሉዳት ኣምላኽ ኢና፣+ እንታይ ከም እንኸውን ግና ገና ኣይተጋህደን።+ ንሱ ምስ ተጋህደ፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንዕኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።
3 ከምቲ ንሱ ንጹህ ዝዀነ፡ እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ንርእሱ የንጽህ እዩ።+
4 ብሓጢኣት ዚመላለስ ዘበለ ዅሉ፡ ብጥሕሰት ሕጊ እዩ ዚመላለስ፣ ሓጢኣት ከኣ ጥሕሰት ሕጊ እዩ።
5 ንሱ ሓጢኣት ኬርሕቕ ኢሉ ኸም እተጋህደ እውን ትፈልጡ ኢኹም፣+ ኣብኡ ድማ ሓጢኣት የልቦን።
6 ምስኡ ብሓድነት ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ብሓጢኣት ኣይመላለስን እዩ፣+ ብሓጢኣት ዚመላለስ ዘበለ ግና ኣይረኣዮን፡ ኣይፈለጦን እውን።
7 ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም፣ ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ብጽድቂ ዚመላለስ ጻድቕ እዩ።
8 ድያብሎስ ካብ መጀመርታ* ኣትሒዙ ሓጢኣት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እቲ ብሓጢኣት ዚመላለስ ካብ ድያብሎስ እዩ።+ ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ* እዩ እተጋህደ።+
9 ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ፡ ዘርኢ* ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ብሓጢኣት ኣይመላለስን እዩ፣+ ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደ እውን፡ ብሓጢኣት ኪመላለስ ኣይክእልን እዩ።+
10 ውሉዳት ኣምላኽን ውሉዳት ድያብሎስን በዚ እዮም ዚፍለጡ፦ ብጽድቂ ዘይመላለስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ንሓዉ ዘየፍቅር እውን ከምኡ እዩ።+
11 ንሓድሕድና ኽንፋቐር፡ እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ።+
12 ከምቲ ኻብቲ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን።+ ስለምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እከይ፡+ ግብሪ ሓዉ ግና ጽድቂ ስለ ዝነበረ እዩ።+
13 ኣሕዋተየ፡ ዓለም ንዓኻትኩም ብምጽላኣ፡ ኣይትገረሙ።+
14 ንሕና ንኣሕዋትና ስለ እነፍቅሮም፡+ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም እተሳገርና ንፈልጥ ኢና።+ እቲ ዘየፍቅር፡ ኣብ ሞት ይነብር።+
15 ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ፡ ቀታል ነፍሲ እዩ፣+ ቀታል ነፍሲ ዘበለ ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር ትፈልጡ ኢኹም።+
16 ንሱ ህይወቱ* ምእንታና ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ፡ በዚ ንፍቕሪ ፈሊጥናያ ኣለና፣+ ንሕና እውን ምእንቲ ኣሕዋትና ህይወትና* ኣሕሊፍና ኽንህብ ግዴታ ኣሎና።+
17 ግናኸ፡ ጥሪት እዛ ዓለም ዘለዎ ዘበለ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣየስ ዘይርሕርሓሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧+
18 ደቀየ፡ ብግብርን+ ብሓቅን+ እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።+
19 ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና ኽንፈልጥ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ንልብና ምትእምማን ከነሕድረሉ* ኢና፣
20 ዋላ እኳ ልብና እንተ ዀነነና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓብን ኵሉ ይፈልጥን እዩ።+
21 ፍቑራተየ፡ ልብና እንተ ዘይኰኒኑና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ትብዓት ኣሎና፣+
22 ትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና።+
23 ከምቲ ንሱ ዝሃበና ትእዛዝ ጌርና ድማ፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን፡+ ንሓድሕድና እውን ክንፋቐር፡+ ትእዛዙ እዚ እዩ።
24 እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ኸኣ ምስኡ ብሓድነት ይነብር፡ ንሱ እውን ምስኡ ብሓድነት ይነብር።+ በቲ ንሱ ዝሃበና መንፈስ ከኣ፡ ምሳና ብሓድነት ከም ዚነብር ንፈልጥ ኢና።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ኼጥፍእ።”
^ ወይ፡ “ካብ ዚጅምር።”
^ ማለት፡ ኪፈሪ ዚኽእል ዘርኢ።
^ ወይ፡ “ነፍሱ።”
^ ወይ፡ “ነፍስና።”
^ ወይ፡ “ንልብና ኸነእምኖ።”