1 ጢሞቴዎስ 2:1-15
2 ቅድሚ ዅሉ እምበኣር፡ ምህለላን ጸሎትን ማልዶትን ምስጋናን ምእንቲ ዅሉ ዓይነት ሰብ፡
2 ምእንቲ ነገስታትን ምእንቲ ዅሎም ሰበ ስልጣንን እውን ኪቐርብ እምዕድ ኣለኹ።+ ንኣምላኽ ብዘሎና ምሉእ ተወፋይነትን ብምሉእ ርዝነትን፡ ብህድኣትን ብርግኣትን ምእንቲ ኽንነብር ኢና ኸምኡ እንገብር።+
3 እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ኣምላኽ+ ሰናይን ቅቡልን እዩ፣
4 ንሱ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን+ ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።
5 ኣምላኽሲ ሓደ እዩ፣+ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን ከኣ፡+ ሓደ መንጎኛ እዩ ዘሎ፣+ ንሱ ድማ እቲ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ እዩ።+
6 ኣብ ክንዲ ዅሉ* እውን ገዛእ ርእሱ ተመዓራራዪ በጃ ገይሩ ሂቡ እዩ፣+ ብዛዕባ እዚ ኸኣ እዩ ብግዜኡ ዚምስከር።
7 ምእንቲ እዚ ምስክር እዚ ድማ፡+—ሓቂ እብል ኣለኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡—ሰባኽን ሃዋርያን፡+ ማለት ብዛዕባ እምነትን ሓቅን መምህር ኣህዛብ+ ኰይነ ተሸይመ እየ።
8 እምበኣር፡ ሰብኡት ብዘይ ቍጥዓን+ ክትዕን+ እሙናት ኣእዳው ኣልዒሎም፡+ ኣብ ኵሉ ቦታ ብቐጻሊ ኺጽልዩ እደሊ ኣለኹ።
9 ኣንስቲ እውን ከምኡ ብቝኖ፡ ብወርቂ፡ ብሉል፡ ወይስ ብኣዝዩ ኽቡር ክዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ትሕትናን ልብምናን* ብዜርኢ ግቡእ* ክዳውንቲ፡+
10 ንኣምላኽ ተወፋይነት ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡+ ማለት ብሰናይ ግብሪ ይሰለማ።
11 ሰበይቲ ብዅሉ እናተገዝአት ብጸጥታ* ትመሃር።+
12 ሰበይቲ ብጸጥታ* ኽትነብር እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ ኣይፈቅድን እየ።+
13 ከመይሲ፡ ቅድም ኣዳም እዩ ተገይሩ፣ ደሓር ከኣ ሄዋን።+
14 ኣዳም ኣይተታለለን፣ እታ ሰበይቲ ግና ኣጸቢቓ ተታሊላስ+ ኣቢሳ እያ።
15 ሰበይቲ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ልብምና*+ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ደሓን ክትከውን እያ።*+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ዅሉ ዓይነት ሰብ።”
^ ወይ፡ “ምምዝዛንን።”
^ ወይ፡ “ዘየሕፍር።”
^ ወይ፡ “ ብስቕታ፣ ብህድኣት።”
^ ወይ፡ “ብስቕታ፣ ብህድኣት።”
^ ወይ፡ “ምምዝዛን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኪዀና እየን።”