1 ጢሞቴዎስ 6:1-21

  • ባሮት ንጐይተቶም የኽብርዎም (1, 2)

  • ናይ ሓሶት መምህራንን ፍቕሪ ገንዘብን(3-10)

  • ንናይ ኣምላኽ ሰብ እተዋህበ መምርሒታት (11-16)

  • ብሰናይ ግብሪ ሃብትሙ (17-19)

  • ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሓልዎ (20, 21)

6  እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዘለዉ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ትምህርትን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡+ ነቶም ዋናታቶም ምሉእ ክብሪ ኸም ዚግብኦም ገይሮም ይቝጸርዎም።+ 2  እቶም ዚኣምኑ ዋናታት ዘለውዎም፡ ኣሕዋቶም ስለ ዝዀኑ፡ ኣይንዓቕዎም። እኳ ደኣስ፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ኣገልግሎቶም ዚጥቀሙ ኣመንትን ፍቑራትን ስለ ዝዀኑ፡ ብዝበለጸ ይገዝእዎም። እዚ ነገር እዚ ምሃርን ምዓድን። 3  ሓደ እኳ ኻልእ ትምህርቲ እንተ ምሂሩ፡ ምስቲ ኻብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ጥዑይ* ትእዛዝን+ ምስቲ ንኣምላኽ ምስ ዘሎካ ተወፋይነት ዚሰማማዕ ትምህርትን ከኣ እንተ ዘይተሰማሚዑ፡+ 4  ንሱ ብትዕቢት እተነፍሐ ሓንቲ እኳ ዘይርዳእ እዩ።+ ብኽትዕን ብዛዕባ ቓላት ብምክርኻርን እውን ዝሓመመ እዩ።+ ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ሕሜት፡* ክፉእ ጥርጣረ፡ 5  እቶም ኣእምሮኦም እተበላሸወን+ ሓቂ ዝሓረሞምን ዚብልዎ መኘኽኘኽ ዚመጽእ። እዚኣቶም፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት መርብሒ ኸም ዝዀነ እዩ ዚመስሎም።+ 6  ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት ምስ ዕግበትሲ* ብርግጽ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ።+ 7  ከመይሲ፡ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን፡ ሓንቲ እውን ክንወስድ ኣይንኽእልን ኢና።+ 8  ምግብን* ክዳንን* እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና።+ 9  እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡+ ንሰብ ናብ ጥፍኣትን ዕንወትን ኣብ ዜስጥም ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እውን እዮም ዚወድቁ።+ 10  ከመይሲ፡ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት* እዩ፣ ገሊኦም ነዚ ፍቕሪ እዚ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምቢሎም፡ ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም።+ 11  ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም። ግናኸ፡ ጽድቂ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ተጻዋርነት፡ ልእመት+ ስዓብ። 12  ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፣ ነታ እተጸዋዕካላን ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ብጽቡቕ እተኣመንካላን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣጽኒዕካ ሓዛ። 13  ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ብህይወት ዜንብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ከም ምስክር ብጽቡቕ እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን+ እዚ እእዝዘካ ኣለኹ፦ 14  ክሳዕ ግህደት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ+ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን ብዘይ ወቐሳን ሓልዎ። 15  ነዚ ኸኣ እቲ ሕጉስን በይኑ ስልጣን ዘለዎን ኣብቲ ምዱብ ግዜያት ኪገልጾ እዩ። ንሱ ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይተትን፡+ 16  በይኑ ዘይመውት፡+ ሓደ ሰብ እኳ ዘይረኣዮ ወይ ኪርእዮ ዘይክእል+ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር እዩ።+ ንዕኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ሓይልን ይኹን። ኣሜን። 17  ነቶም ኣብዚ ስርዓት* እዚ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ኣብዚሑ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡+ በቲ ዘየተኣማምን ሃብቲ ተስፋ ኸይገብሩ ኣዝዞም።+ 18  ሰናይ ኪገብሩ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡+ 19  በዚ ኸምዚ ኸኣ ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዖም ምእንቲ ኺሕዝዋስ፡+ ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ ኣዝዞም።+ 20  ኦ ጢሞቴዎስ፡ ካብ ዜርክስ ሃተውተውን ካብቲ ብሓሶት “ፍልጠት” ዚብሃል ግርጭታትን ተኣሊኻ፡+ ነቲ እተዋህበካ ሕድሪ ሓልዎ።+ 21  ገሊኦም እዚ ፍልጠት እዚ ኺርኣየሎም ኢሎም፡ ካብ እምነት ዘምቢሎም ኣለዉ። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጠቓሚ።”
ወይ፡ “ጸርፊ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይኣኽለኒ ምባልሲ።”
ወይ፡ “ቀለብን።”
ወይ፡ “መጽለልን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ጕድኣት።”
ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።