1 ጴጥሮስ 3:1-22
3 ከምኡ ድማ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣልዮም፡ ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ምእንቲ ኺማረኹ+ ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም፣+
2 ከምኡ ዚዀኑ ድማ፡ ነቲ ንጹህ ኣካይዳኽንን ብዙሕ ኣኽብሮትክንን ምስ ረኣዩ እዮም።+
3 ስልማትክን ደጋዊ፡ ማለት ቍኖ ጸጕርን ስልማት ወርቅን+ ምኽዳን ጽቡቕ ክዳውንትን ኣይኹን፣
4 የግዳስ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ብህዱእን ልኡምን መንፈስ ብዘይሓልፍ ስልማት እተሰለመ ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ ይኹን።+
5 ቀደም ድማ እተን ተስፋአን ኣብ ኣምላኽ ዝገበራ ቕዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተገዝኣ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ።
6 ከምኡ እውን ሳራ ንኣብርሃም፡ ጐይታይ እናበለት ትእዘዞ ነይራ እያ።+ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እትገብራን ገለ ዘይትፈርሃን እንተ ዄንክንሲ፡ ደቃ ኢኽን።+
7 ኣቱም ሰብኡት፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብፍልጠት ንበሩ።* ንሳተን ምሳኻትኩም ጸጋ ህይወት ስለ ዚወርሳ፡+ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ተነቃፊት* ኣቕሓ ጌርኩም ኣኽብርወን።+
8 ኣብ መወዳእታ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡+ እትደናገጹ፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ዘላትኩም፡ ርሕሩሓት፡+ ትሑታት ኩኑ።+
9 ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ፡+ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ባርኹ።+
10 ከመይሲ፡ “እቲ ህይወት ዚፈቱን ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደልን፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡+ ከናፍሩ እውን ምትላል ካብ ምዝራብ ይሓሉ።
11 ካብ ክፉእ ይርሓቕ፡+ ሰናይ ድማ ይግበር፣+ ንሰላም ይድለያ፡ ይስዓባ እውን።+
12 ምኽንያቱ፡ ኣዒንቲ የሆዋ* ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ እውን ንምህለላኦም ይሰምዓ እየን፣+ ገጽ የሆዋ* ግና ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።”+
13 ንሰናይ ቀናኣት እንተ ዄንኩም፡ መን እዩ ዚጐድኣኩም፧+
14 ግናኸ፡ ስለ ጽድቂ መከራ እኳ እንተ ጸገብኩም፡ ሕጉሳት ኢኹም።+ ነቲ ንሳቶም ዚፈርህዎ ግና ኣይትፍርህዎ፡* ኣይትረበሹ እውን።+
15 የግዳስ፡ ንክርስቶስ ከም ጐይታ ብልብኹም ቀድስዎ፣ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያት ንዚሓትተኩም ዘበለ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፣ ነዚ ግና ብልእመትን+ ብብዙሕ ኣኽብሮትን ግበርዎ።+
16 ኣብቲ እትንቀፍዎ ዘበለ፡ እቶም ዚነቕፉኹም በቲ ኸም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘሎኩም ሰናይ ኣካይዳ+ ምእንቲ ኺሓፍሩስ፡+ ሰናይ ሕልና ይሃሉኹም።+
17 ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደልይዎስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩም፡+ ሰናይ እናገበርኩም መከራ ኽትጸግቡ ይሓይሽ።+
18 ምኽንያቱ፡ ክርስቶስ እውን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺመርሓኩም ኢሉ፡+ ስለ ሓጢኣት ሓንሳእ ንሓዋሩ ሞይቱ እዩ፣+ ማለት ጻድቕ ስለ ዓመጽቲ ሞይቱ እዩ።+ ብስጋ ሞይቱ፡+ ብመንፈስ ግና ህያው ኰይኑ።+
19 ከምኡ ኢሉ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተኣስሩ መናፍስቲ ሰቢኹሎም።+
20 ንሳቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ፡+ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ኺጽበ ኸሎ፡* እታ ሒደት ሰባት፡ ማለት ሸሞንተ ነፍሲ* ብማይ ዝደሓናላ+ መርከብ ከኣ ክትስራሕ ከላ፡+ ዘይተኣዘዙ እዮም።
21 እቲ ነዚ ዚመስል ጥምቀት ድማ ሕጂ የድሕነኩም ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ርስሓት ስጋ ብምውጋድ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ሰናይ ሕልና ብምልማን፡+ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እዩ።
22 ንሱ ናብ ሰማይ ከይዱ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፣+ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ድማ ይግዝእዎ ኣለዉ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ንኣንስትኹም ሕለዩለን (ተረድእወን)።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዝደኸመት።”
^ ወይ፡ “ነቲ ምፍርራሆም ግና ኣይትፍርህዎ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ትዕግስቲ ኣምላኽ ክትጽበ ኸላ።”
^ ወይ፡ “ሰባት።”