1 ጴጥሮስ 5:1-14

  • ንመጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ (1-4)

  • ትሑታትን ንቑሓትን ኩኑ (5-11)

    • ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብ ኣምላኽ ደርብይዎ (7)

    • ድያብሎስ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ (8)

  • መደምደምታ (12-14)

5  እምበኣር፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ሽማግለታት፡ ኣነ መሸማግልቶምን ምስክር መከራ ክርስቶስን ተኻፋሊ እቲ ዚግለጽ ክብርን ዝዀንኩ፡+ እዚ እምሕጸኖም* ኣለኹ፦ 2  ነቲ ኣብ ትሕቲ ሓልዮትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ሓለውቲ ዄንኩም እናኣገልገልኩም* ጓስይዎ፣+ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፣+ ብሃንቀውታ እምበር፡ ንዘይግቡእ ረብሓ እውን ኣይኹን፣+ 3  ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡+ ኣብቶም ርስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ እትጕይተቱ ኣይትኹኑ።+ 4  እቲ ሓለቓ ጓሶት+ ምስ ተጋህደ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።+ 5  ከምኡ ድማ፡ ኣቱም ኣጕባዝ፡ ንዚዓብዩኹም* ተገዝእዎም።+ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ኣብ ዘሎኩም ርክብ ትሕትና ተዓጠቑ።+ 6  እምበኣር፡ ብግዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።+ 7  ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡+ ንዅሉ ጭንቀትኩም* ናብኡ ደርብይዎ።+ 8  ቀልብኹም ሓልዉ፡ ንቕሑ!+ ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ።+ 9  እዚ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት* ከም ዚበጽሖም ፈሊጥኩም፡+ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።+ 10  ቍሩብ ግዜ መከራ ምስ ጸገብኩም ግና፡ እቲ ምስ ክርስቶስ ብዘሎኩም ሓድነት ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም+ ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ንስልጠናኹም ኪፍጽሞ እዩ። ኬጽንዓኩምን+ ኬበርትዓኩምን+ ኪስርተኩምን እዩ። 11  ንዕኡ ንዘለኣለመ ኣለም ሓይሊ ይኹኖ። ኣሜን። 12  ከተባብዓኩምን እዚ ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቐ ኽምስክረልኩምን ኢለ፡ በቲ ኸም እሙን ሓው ገይረ ዝርእዮ ስልዋኖስ፡*+ ኣሕጽር ኣቢለ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። ኣብዚ ጸጋ እዚ ጽንዑ። 13  እታ ኣብ ባቢሎን ዘላ መተሓርይትኹምን ወደይ ማርቆስን+ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 14  ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሃሉ። ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘሎኩም ኵላትኩም ሰላም ይሃሉኹም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እምዕዶም።”
ወይ፡ “ተጠንቂቕኩም እናሓሎኹም።”
ወይ፡ “ንሽማግለታት።”
ወይ፡ “ሓልዮትኩም።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕውነትኩም።”
ሲላስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።