2 ሳሙኤል 1:1-27

  • ዳዊት ብዛዕባ ሞት ሳኦል ሰምዐ (1-16)

  • ዳዊት ንሳኦልን ንዮናታንን ዘልቀሰሎም ልቕሶ (17-27)

1  ድሕሪ ሞት ሳኦል፡ ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ* ምስ ተመልሰ፡ ዳዊት ኣብ ጺቅላግ+ ክልተ መዓልቲ ገበረ።  ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱ እውን ሓመድ ነስኒሱ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል መጸ። ናብ ዳዊት ምስ ቀረበ ድማ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።  ዳዊት ከኣ፡ “ካበይ ኢኻ መጺእካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ካብ ሰፈር እስራኤል እየ ኣምሊጠ” ኢሉ መለሰሉ።  ዳዊት ከኣ፡ “እቲ ነገር ከመይ ኰይኑ፧ በጃኻ ንገረኒ” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “እቲ ህዝቢ ኻብቲ ውግእ ሃዲሙ፡ ብዙሓት ከኣ ወዲቖምን ሞይቶምን። ሳኦልን ወዱ ዮናታንን እውን ሞይቶም” በሎ።+  ሽዑ፡ ዳዊት ነቲ ወረ ዘምጽአ ጐበዝ፡ “ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ከም ዝሞቱ ደኣ ኸመይ ጌርካ ፈሊጥካ፧” ኢሉ ሓተቶ።  እቲ ጐበዝ ድማ፡ “ብኣጋጣሚ ኣብ ከረን ጊልቦዓ ነበርኩ፣+ ሳኦል ድማ ኣብኡ ኣብ ኲናቱ ተመርኲሱ ነበረ፣ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ከኣ ኣርከብዎ።+  ግልጽ ኢሉ ምስ ረኣየኒ፡ ጸውዓኒ እሞ፡ ‘እነኹ’ በልክዎ።  ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧’ ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ፡ ‘ኣማሌቃዊ እየ’+ ኢለ መለስኩሉ።  ንሱ ድማ፡ ‘ገና ብህይወት እኳ እንተ ኣለኹ፡* ብርቱዕ ስቓይ ኣሎኒ እሞ፡ በጃኻ ኣብ ልዕለይ ደው ኢልካ ቕተለኒ’ በለኒ። 10  ኣነ ኸኣ፡ ቈሲሉ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ።+ ነቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድክዎ እሞ፡ ናብዚ ናብ ጐይታይ ኣምጺአዮ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ። 11  ሽዑ፡ ዳዊት ክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ፣ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት እውን ከምኡ ገበሩ። 12  ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ የሆዋን ንቤት እስራኤልን፡ ብሰይፊ ወዲቖም ስለ ዝነበሩ፡+ ዋይዋይ በሉሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸት እውን ጾሙ።+ 13  ዳዊት ድማ ነቲ ወረ ዘምጽአ ጐበዝ፡ “ኣታ ኻበይ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ” በለ። 14  ዳዊት ድማ፡ “ነቲ ቕቡእ የሆዋ ንምቕታል ኢድካ ኸተልዕል ዘይፈራህካስ ስለምንታይ ኢኻ፧” በሎ።+ 15  ሽዑ፡ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ ጸዊዑ፡ “ቅረብ እሞ፡ ውቕዓዮ” በሎ። ንሱ ኸኣ ወቕዖ እሞ ሞተ።+ 16  ዳዊት ድማ፡ “‘ኣነ ነቲ ቕቡእ የሆዋ ቐቲለዮ’ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” በሎ።+ 17  ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ወዱ ዮናታንን እዚ ልቕሶ እዚ ኣልቀሰ፣+ 18  ደቂ ይሁዳ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ያሻር ተጻሒፉ ዘሎ፡+ “ቀስቲ” ዚብሃል ልቕሶ ኺምሃርዎ ኸም ዘለዎም እውን ተዛረበ፦ 19  “ኦ እስራኤል፡ ጽባቐኻ ኣብ በረኽትኻ ተቐትሉ።+ እቶም ጀጋኑስ ከመይ ወደቑ! 20  ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ከይፍስሃስ፡ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡+ኣብ ጐደናታት ኣሽቀሎን እውን ኣይተውርዩ። 21  ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡+ኣብኡ ዋልታ ጀጋኑ ረኺሱ፡ዋልታ ሳኦል እውን ደጊም ብዘይቲ ኣይተቐብአን እሞ፡ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ግራውቲ እውን መባእ ኣየፍሪ።+ 22  ካብ ደም ቅቱላት፡ ካብ ስብሒ ጀጋኑ፡ቀስቲ ዮናታን ኣይተመልሰን፡+ሰይፊ ሳኦል እውን ብዘይ ኣሳልጦ ኣይትምለስን።+ 23  ሳኦልን ዮናታንን+ ብህይወቶም ፍቑራትን ተፈተውትን* ነበሩ፣ብሞቶም እውን ኣይተፈላለዩን።+ ካብ ንስሪ ዚፈጥኑ፡+ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ።+ 24  ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡ነቲ ቐይሕን ግምጃን ዝኸደነክን፡ኣብ ክዳውንትኽን እውን ወርቂ ዝሰለመክን ሳኦል ብኸያሉ። 25  እቶም ጀጋኑ ኸመይ ኣብ ውግእ ወደቑ! ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ተቐትለ!+ 26  ዮናታን ሓወይ፡ ብኣኻ ተጨኒቐ ኣለኹ። ኣዝየ እፈትወካ ነይረ።+ ንዓይ ዝነበረካ ፍቕሪ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ብዝያዳ ዜደንቕ ነበረ።+ 27  እቶም ጀጋኑ ኸመይ ወደቑ፡ኣጽዋር ውግኦም እውን ከመይ ጠፍአ!”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ወቒዑ።”
ወይ፡ “ኵላ ነፍሰይ ምሳይ ስለ ዘላ።”
ወይ፡ “ባህ ዜብሉን።”