2 ሳሙኤል 10:1-19

  • ኣብ ልዕሊ ዓሞንን ሶርያን እተረኽበ ዓወታት (1-19)

10  ድሕርዚ፡ ንጉስ ዓሞናውያን+ ሞተ፣ ወዱ ሓኑን ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።+  ዳዊት ድማ፡ “ከምቲ ኣቦኡ ንዓይ ብተኣማንነት ዘፍቀረኒ፡ ኣነ ኸኣ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ብተኣማንነት ከፍቅሮ እየ” በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኼጸናንዖ ኢሉ ገላዉኡ ለኣኸ። እቶም ገላዉ ዳዊት ናብ ምድሪ ዓሞናውያን ምስ መጹ ግና፡  መሳፍንቲ ዓሞናውያን ንጐይታኦም ሓኑን፡ “ዳዊት ንኣቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ፧ ዳዊትሲ ነዛ ኸተማ ኺምርምራን ኪስልያን ኪግልብጣን ደይኰነን ገላዉኡ ሰዲዱልካ ዘሎ፧” በልዎ።  ሓኑን ድማ ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ፈፍርቂ ጭሕሞም ላጽዩ፡+ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከኣ ክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም።  እዚ ንዳዊት ምስ ተነግሮ፡ እቶም ሰባት እምብዛ ተዋሪዶም ነበሩ እሞ፡ ኪቕበልዎም ሰባት ሰደደሎም፣ ንጉስ ድማ፡ “ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቍል ኣብ ያሪኮ+ ጸኒሕኩም ተመለሱ” በሎም።  ዓሞናውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ሕማቕ ጨና ኸም ዝዀኑ ረኣዩ፣ ዓሞናውያን ድማ ልኢኾም ካብ ናይ ቤት-ሬሖብ ሶርያውያንን+ ካብ ናይ ጾባ ሶርያውያንን+ 20,000 ኣጋር ተዋጋእቲ፡ ንንጉስ ማዓካ+ ኸኣ ምስ 1,000 ሰብኡት፡ ካብ ኢሽጦብ* ድማ 12,000 ሰብኡት ተኻረዩ።+  ዳዊት ከኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንዮኣብን ንብዘሎ እቲ ሰራዊትን፡ እንተላይ ነቶም ጀጋኑኡ ሰደዶም።+  ዓሞናውያን ድማ ወጺኦም ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ንውግእ ተሰለፉ፣ እቶም ናይ ጾባን ሬሖብን ሶርያውያን ከኣ፡ ምስ ኢሽጦብን ማዓካን ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ።  ዮኣብ ድማ ኣብቲ ውግእ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ኪጥቃዕ ከም ዚኽእል ምስ ረኣየ፡ ገለ ኻብቶም ሕሩያት እስራኤል ሓርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።+ 10  ነቶም ዝተረፉ ሰባት ከኣ ንዓሞናውያን+ ኪቀባበሉ ምእንቲ ኺስለፉ፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ* ሓዉ ኣቢሻይ+ ገበሮም። 11  ከምዚ ኸኣ በሎ፦ “ሶርያውያን ካባይ እንተ በርቲዖም፡ ንስኻ ኣናግፈኒ፣ ዓሞናውያን ካባኻ እንተ በርቲዖም ግና፡ ኣነ መጺአ ኸናግፈካ እየ። 12  ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ንበርትዕን ንትባዕን፣+ የሆዋ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝዀነ ኺገብር እዩ።”+ 13  ዮኣብን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ቀረቡ፣ ንሳቶም ድማ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ።+ 14  ዓሞናውያን ከኣ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ቅድሚ ኣቢሻይ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ድሕርዚ፡ ዮኣብ ካብ ዓሞናውያን ተመሊሱ ናብ የሩሳሌም መጸ። 15  ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ዳግም ተኣከቡ።+ 16  ሃዳድዔዘር+ ከኣ ናብቶም ኣብ ዞባ እቲ ፈለግ*+ ዘለዉ ሶርያውያን ለኣኸ፣ ንሳቶም ድማ ብሾባኽ ሓለቓ ሰራዊት ሃዳድዔዘር እናተመርሑ ናብ ሔላም መጹ። 17  እዚ ንዳዊት ምስ ተነግሮ፡ ብኡብኡ ንዅሎም እስራኤል ኣኽቲቱ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ናብ ሔላም መጸ። ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ኪቀባበልዎ ተሰለፉ፡ ምስኡ እውን ተዋግኡ።+ 18  ግናኸ፡ ሶርያውያን ካብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ፣ ዳዊት ድማ ካብ ሶርያውያን 700 ሰብ ሰረገላን 40,000 ፈረሰኛታትን ቀተለ፣ ንሾባኽ እቲ ሓለቓ ሰራዊቶም ከኣ ወቕዖ እሞ፡ ኣብኡ ሞተ።+ 19  እቶም ገላዉ ሃዳድዔዘር ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ብቕልጡፍ ምስ እስራኤል ሰላም ገይሮም ተገዛእቶም ኰኑ።+ ሶርያውያን ድማ ድሕሪ ደጊም ንዓሞናውያን ምርዳእ ፈርሁ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰብ ጦብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኢድ።”
ማለት፡ ኤፍራጥስ።