2 ሳሙኤል 11:1-27

  • ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙት (1-13)

  • ዳዊት ንኡርያ ኣቕተሎ (14-25)

  • ዳዊት ንባትሴባ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ (26, 27)

11  ኣብ መጀመርታ ዓመት፡* በቲ ነገስታት ንወፈራታት ዚወጹሉ ግዜ፡ ዳዊት ንዮኣብን ንገላዉኡን ንብዘሎ ሰራዊት እስራኤልን፡ ንዓሞናውያን ኬጥፍእዎም ሰደዶም፣ ንሳቶም ከኣ ንራባ ኸበብዋ፣+ ዳዊት ድማ ኣብ የሩሳሌም ጸንሐ።+ 2  ሓደ ምሸት፡* ዳዊት ካብ ዓራቱ ተንሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት* ንጉስ ይመላለስ ነበረ። ካብቲ ናሕሲ ኸኣ ሓንቲ ሰበይቲ ኽትሕጸብ ረኣየ፣ እታ ሰበይቲ ድማ ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት። 3  ዳዊት ከኣ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሓተተ፣ “እዚኣስ ባትሴባ+ ጓል ኤሊዓም፡+ ሰበይቲ ኡርያ+ እቲ ሔታዊ+ ደይኰነትን፧” ተባሂሉ ድማ ተነግሮ። 4  ዳዊት ከኣ ልኡኻት ልኢኹ ናብኡ ኣምጽኣ።+ ናብኡ ድማ ኣተወት፡ ንሱ እውን ምስኣ ደቀሰ።+ (እዚ ዝዀነ፡ ካብ ርኽሰታ* ትነጽህ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዩ።)+ ድሕሪኡ፡ ናብ ቤታ ተመልሰት። 5  እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት፣ ናብ ዳዊት ልኢኻ ድማ፡ “ኣነ ጠኒሰ እየ” ኢላ ነገረቶ። 6  ሽዑ፡ ዳዊት ንዮኣብ፡ “ንኡርያ እቲ ሔታዊ ስደደለይ” ኢሉ ለኣኸሉ። ዮኣብ ከኣ ንኡርያ ናብ ዳዊት ሰደዶ። 7  ኡርያ ናብኡ ምስ መጸ፡ ዳዊት ብዛዕባ ድሕንነት ዮኣብን ብዛዕባ ድሕንነት እቲ ሰራዊትን ብዛዕባ ዅነታት እቲ ውግእን ሓተቶ። 8  ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ “ናብ ቤትካ ወሪድካ ኣዕርፍ”* በሎ። ኡርያ ኻብ ቤት ንጉስ ምስ ወጸ፡ ህያብ ንጉስ* ደድሕሪኡ ተላእከ። 9  ኡርያ ግና ምስ ኵሎም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ንጉስ ደቀሰ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን። 10  ንዳዊት ድማ፡ “ኡርያ ናብ ቤቱ ኣይወረደን” ተባሂሉ ተነግሮ። ሽዑ፡ ዳዊት ንኡርያ፡ “ካብ መገዲ ደይኰንካን መጺእካ፧ ስለምንታይከ ናብ ቤትካ ዘይወረድካ፧” በሎ። 11  ኡርያ ኸኣ ንዳዊት፡ “ታቦትን+ እስራኤልን ይሁዳን ኣብ ዳሳት ተቐሚጦም ኣለዉ፣ ጐይታይ ዮኣብን ገላዉ ጐይታይን ድማ ኣብ ቃልዕ መሮር ሰፊሮም ኣለዉ። ኣነዶ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክኣቱ እየ፧+ ከምቲ ህያው ዝዀንካን ብህይወት እትነብርን፡* እዚ ነገር እዝስ ኣይገብሮን እየ” በሎ። 12  ዳዊት ድማ ንኡርያ፡ “ሎሚ እውን ኣብዚ ጽናሕ፡ ጽባሕ ከኣ ክሰድደካ እየ” በሎ። ኡርያ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣን ንጽብሒታን ኣብ የሩሳሌም ጸንሐ። 13  ዳዊት ከኣ ናብኡ መጺኡ ምስኡ ኺበልዕን ኪሰትን ልኢኹ ጸውዖ፣ ኣስከሮ ድማ። ምሸት ግና፡ ምስ ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ዓራቱ ኺድቅስ ወጸ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን። 14  ንግሆ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ዮኣብ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ብኢድ ኡርያ ሰደደሉ። 15  ኣብታ ደብዳበ ድማ፡ “ንኡርያ ናብ ግምባር ብርቱዕ ውግእ ኣእትዎ። ተወቒዑ ምእንቲ ኺመውት ከኣ፡ ካብ ድሕሪኡ ኣንሳሕቡ” ኢሉ ጸሓፈ።+ 16  ዮኣብ ከኣ ነታ ኸተማ ተጠንቂቑ ይሕልዋ ነበረ፣ ንኡርያ ድማ ኣብታ ሓያላት ጀጋኑ ኸም ዘለውዋ ዝፈለጣ ቦታ ገበሮ። 17  ሰብ እታ ኸተማ ወጺኦም ምስ ዮኣብ ምስ ተዋግኡ፡ ገለ ኻብ ገላዉ ዳዊት ወደቑ፡ ኡርያ እቲ ሔታዊ እውን ሞተ።+ 18  ዮኣብ ድማ ብዛዕባ ዅሉ ወረ እቲ ውግእ፡ ንዳዊት ለኣኸሉ። 19  ነቲ ልኡኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ብዛዕባ ዅሉ ወረ እቲ ውግእ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእካ፡ 20  ንጉስ ተቘጢዑ፡ ‘ስለምንታይ ክትዋግኡ ናብታ ኸተማ ኣዚኹም ቀሪብኩም፧ ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ከም ዚውርውሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 21  ንኣቢሜሌክ ወዲ የሩበሼት+ መን እዩ ዝቐተሎ፧+ ሰበይቲ ደይኰነትን ኣብ ቴቤጽ ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ደርብያ ዝቐተለቶ፧ ስለምንታይ ደኣ ናብ መንደቕ ኣዚኹም ቀሪብኩም፧’ ኪብለካ ይኽእል እዩ። ሽዑ፡ ንስኻ፡ ‘ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ እውን ሞይቱ’ በሎ።” 22  እቲ ልኡኽ ድማ ከደ፡ ኵሉ እቲ ዮኣብ ዝለኣኾ ኸኣ ንዳዊት ነገሮ። 23  እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት፡ “እቶም ሰባት በርቲዖምና፡ ናባና ናብ መሮር ከኣ ወጺኦም፣ ንሕና ግና ክሳዕ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደፊእናዮም። 24  እቶም ቀስተኛታት ድማ ንገላዉኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ወርዊሮምሎም፣ ገለ ኻብ ገላዉ ንጉስ ከኣ ሞይቶም፣ ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ እውን ሞይቱ” በሎ።+ 25  ሽዑ፡ ዳዊት ነቲ ልኡኽ፡ “ንዮኣብ፡ ‘ሰይፊ ነዝን ነትን እዩ ዚውሕጥ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኣይረብሽካ። ነታ ኸተማ ኣበርቲዕካ ተዋግኣያን ስዓራን’ በሎ።+ ንስኻ እውን ኣተባብዓዮ” በሎ። 26  ሰበይቲ ኡርያ ድማ፡ ኡርያ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፡ ንሰብኣያ ሓዘነትሉ። 27  ሓዘና ምስ ተወድአ፡ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤቱ ወሰዳ እሞ፡ ሰበይቱ ዀነት፣+ ወዲ ኸኣ ወለደትሉ። እቲ ዳዊት ዝገበሮ ግና ንየሆዋ ብዙሕ ኣጕሃዮ።*+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ኣብ ከባቢ መፋርቕ መጋቢት።
ወይ፡ “ኣጋ ምሸት።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ንናይ ጻግኒኣ ርኽሰት ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኣእጋርካ ተሓጸብ።”
ወይ፡ “ግደ ንጉስ፡” ማለት፡ እቲ ኣአንጋዲ ነቲ ዜኽብሮ ጋሻ ዚልእኾ ግደ።
ወይ፡ “ነፍስኻ ህያው ከም ዝዀነትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ነበረ።”