2 ሳሙኤል 12:1-31
12 የሆዋ ድማ ንናታን+ ናብ ዳዊት ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብኡ መጺኡ+ ኸምዚ በሎ፦ “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኡት ነበሩ፣ እቲ ሓደ ሃብታም፡ እቲ ሓደ ድማ ድኻ።
2 እቲ ሃብታም ኣዝየን ብዙሓት ኣባጊዕን ከብትን ነበራኦ።+
3 እቲ ድኻ ግና ብዘይካ ሓንቲ ዝዓደጋ ንእሽቶ ሽበን፡* ገለ እኳ ኣይነበሮን።+ ንሱ ድማ ይከናኸና ነበረ፣ ምስኡን ምስ ደቁን ከኣ ዓበየት። ካብታ ዘላቶ ቝራስ ትበልዕ፡ ካብ ጽዋኡ ድማ ትሰቲ፡ ኣብ ሕቝፉ እውን ትድቅስ ነበረት። ንዕኡ ኸኣ ከም ጓሉ ዀነት።
4 ደሓር፡ ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ሓደ ጋሻ መጾ፣ ንሱ ግና ነቲ ዝመጾ ተጓዓዛይ ካብ ኣባጊዑን ካብ ከብቱን ምግቢ ኸየዳልወሉስ በቐቐን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነታ ሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ፡ ነቲ ዝመጾ ሰብኣይ ኣዳለወሉ።”+
5 ሽዑ፡ ዳዊት ኣብቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ተቘጥዐ እሞ፡ ንናታን፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡+ እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ኪመውት ይግብኦ!
6 እዚ ስለ ዝገበረን ርሕራሐ ስለ ዘይነበሮን፡ ኣብ ክንዲ እታ ሽበን ኣርባዕተ ዕጽፊ ገይሩ ይኽሓስ” በሎ።+
7 ናታን ከኣ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ “እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ። የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ፣+ ካብ ኢድ ሳኦል ዘናገፍኩኻ እውን ኣነ እየ።+
8 ቤት ጐይታኻ ድማ ሂበካ፡+ ኣንስቲ ጐይታኻ እውን ኣብ ሕቝፍኻ ሂበካ፣+ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ሂበካ።+ እዚ እንተ ዘይኣኺሉካ ድማ፡ ዝያዳ ምወሰኽኩልካ ነይረ።+
9 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ብምግባር፡ ስለምንታይ ቃሉ ንዒቕካ፧ ንኡርያ እቲ ሔታዊ ብሰይፊ ቐቲልካዮ።+ ንዕኡ ብሰይፊ ዓሞናውያን ምስ ቀተልካዮ ኸኣ፡+ ንሰበይቱ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሲድካያ።+
10 ሕጂ፡ ንሰበይቲ ኡርያ እቲ ሔታዊ ሰበይትኻ ኽትከውን ብምውሳድ ስለ ዝነዓቕካኒ፡ ሰይፊ ኻብ ቤትካ ኸቶ ኣይኬልግስን እዩ።’+
11 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ካብ ውሽጢ ቤትካ መዓት ከምጽኣልካ እየ፣+ ንኣንስትኻ ድማ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ወሲደ፡ ንኻልእ ሰብኣይ* ክህቦ እየ፣+ ንሱ ኸኣ ምስ ኣንስትኻ ቐትሪ ምድሪ* ኺድቅስ እዩ።+
12 ንስኻ ብሕቡእ እኳ እንተ ገበርካዮ፡+ ኣነ ግና ነዚ ነገር እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ቀትሪ ምድሪ* ኽገብሮ እየ።’”
13 ዳዊት ከኣ ንናታን፡ “ንየሆዋ በዲለዮ” ኢሉ መለሰሉ።+ ናታን ድማ ንዳዊት፡ “የሆዋ ኸኣ በደልካ ሓዲጉልካ እዩ።+ ኣይክትመውትን ኢኻ።+
14 ግናኸ፡ በዚ ነገር እዚ ንየሆዋ ፈጺምካ ስለ ዝነዓቕካዮ፡ እቲ እተወልደልካ ወዲ ብርግጽ ኪመውት እዩ” በሎ።
15 ናታን ድማ ናብ ቤቱ ኸደ።
የሆዋ ኸኣ ነቲ ሰበይቲ ኡርያ ንዳዊት ዝወለደትሉ ሕጻን ወቕዖ፡ ንሱ እውን ሓመመ።
16 ዳዊት ድማ ምእንቲ እቲ ሕጻን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ለመኖ። ዳዊት ከኣ ጾም ጾመ፣ ኣትዩ ድማ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሉ ይሓድር ነበረ።+
17 ዓበይቲ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ካብ ምድሪ ኼተንስእዎ ፈተኑ፣ ንሱ ግና ኣበየ፡ ምሳታቶም እውን ኣይበልዐን።
18 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ እቲ ሕጻን ሞተ፣ ገላዉ ዳዊት ግና፡ “እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ተዛሪብናዮ ዘይሰምዓናስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኽንነግሮ፧ ክፉእ ነገር ኪገብር እዩ” ኢሎም እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ምንጋሩ ፈርሁ።
19 ዳዊት ድማ፡ ገላዉኡ ንሓድሕዶም ሕሽዅሹዅ ኪባሃሃሉ ምስ ረኣየ፡ እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኣስተውዓለ። ዳዊት ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ “እቲ ሕጻንዶ ሞይቱ እዩ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ሞይቱ” ኢሎም መለሱሉ።
20 ሽዑ፡ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንስአ። ተሓጽበ፡ ዘይቲ ተለኽየ፡+ ክዳውንቱ ለወጠ፡ ናብ ቤት የሆዋ ኸይዱ+ ኸኣ ሰገደ። ድሕሪኡ፡ ናብ ቤቱ* መጺኡ፡ እንጌራ ኪቐርበሉ ሓቲቱ በልዐ።
21 ገላዉኡ ድማ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ኸምዚ ዝገበርካ፧ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ፡ ጾይምካን በኺኻን፣ እቲ ሕጻን ምስ ሞተ ግና፡ ተንሲእካ እንጌራ በሊዕካ” ኢሎም ሓተትዎ።
22 ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ፡ ‘የሆዋ ሞገስ እንተ ኣርኣየኒ እሞ፡ ነቲ ሕጻን ብህይወት እንተ ሓደጎ፡ መን ይፈልጥ፧’+ ኢለ ጾይመን+ በኽየን።
23 ሕጂ ኻብ ሞተ ግና፡ ስለምንታይ እጸውም፧ ክመልሶዶ እኽእል እየ፧+ ኣነ ደኣ ናብኡ እኸይድ እምበር፡+ ንሱስ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ”+ ኢሉ መለሰ።
24 ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ባትሴባ ኣጸናንዓ።+ ናብኣ ኣትዩ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ። ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፡ ሰሎሞን* ተባሂሉ እውን ተሰምየ።+ የሆዋ ኸኣ ፈተዎ፣+
25 ብነብዪ ናታን ልኢኹ ድማ፡+ ምእንቲ የሆዋ ኢሉ ስሙ የዲድያ* ኣውጽኣሉ።
26 ዮኣብ ከኣ ንራባ+ ናይ ዓሞናውያን+ ተዋግኣ፣ ነታ ኸተማ ንጉስ* ድማ ሓዛ።+
27 ዮኣብ ከኣ ናብ ዳዊት ልኡኻት ልኢኹ፡ “ንራባ ተዋጊአያ፡+ ንማያት* እታ ኸተማ እውን ሒዘዮ።
28 ሕጂ ድማ፡ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ፡ ኣነ ኸይውደስሲ፡* ነቲ ዝተረፈ ሰራዊት ኣኪብካ፡ ኣንጻር እዛ ኸተማ ስፈርን ሓዛን” በሎ።
29 ዳዊት ከኣ ንዅሉ ሰራዊት ኣኪቡ፡ ናብ ራባ ኸደ፡ ተዋጊኡ እውን ሓዛ።
30 ዘውዲ ማልካም ድማ ካብ ርእሱ ወሰደ። ሚዛኑ ኸኣ ሓደ ታለንት* ወርቂ ነበረ፣ ክቡራት ኣእማን እውን ነበሮ፣ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ተገብረ። ካብታ ኸተማ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ወሰደ።+
31 ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ህዝቢ ድማ ኣውጺኡ፡ ኣእማን ብመጋዝ ከም ዚቘርጹ፡ ብበላሕቲ ናውቲ ሓጺንን ብፋሳት ሓጺንን ከም ዚሰርሑ፡ ሕጡብ እውን ከም ዚሰርሑ ገበሮም። ንዅለን ከተማታት ዓሞናውያን ከኣ ከምኡ ገበረን። ዳዊትን ኵሉ እቲ ሰራዊትን ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
እግረ ጽሑፍ
^ ሽበን ካብ ዕየት እትዓቢ፡ ንእሽቶ ኣንስተይቲ በጊዕ እያ።
^ ወይ፡ “ንብጻይካ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እዛ ጸሓይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ጸሓይ።”
^ ወይ፡ “ቤተ መንግስቱ።”
^ “ሰላም” ካብ ዝትርጉሙ ናይ እብራይስጢ ቓል እተወስደ።
^ ትርጉሙ፡ “ፍቑር ያህ።”
^ ወይ፡ “ኸተማ እታ መንግስቲ።”
^ ንምንጭታት ማይ እታ ኸተማ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ስመይ ኣብኣ ኸይጽዋዕሲ።”