2 ሳሙኤል 16:1-23

  • ጺባ ንመፊቦሸት ሓመዮ (1-4)

  • ሺምዒ ንዳዊት ረገሞ (5-14)

  • ኣቤሴሎም ንሑሻይ ተቐበሎ (15-19)

  • ምኽሪ ኣሒቶፌል (20-23)

16  ዳዊት ድማ ካብቲ ርእሲ እቲ ኸረን ቍሩብ ምስ ሓለፈ፡+ ጺባ+ ጊልያ መፊቦሸት+ 200 እንጌራን 100 ጎጎ ዘቢብን 100 ጎጎ ፍረ ሓጋይን* ሓደ ገንኢ ወይንን እተጻዕና ኽልተ ኣድጊ ሒዙ ኪቕበሎ ኣብኡ ነበረ።+  ንጉስ ከኣ ንጺባ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ነዚ ዘምጻእካዮ፧” በሎ። ጺባ ድማ፡ “እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ኪውጥሕወን፡ እዚ እንጌራን ፍረ ሓጋይን ከኣ እቶም ኣጕባዝ ኪበልዕዎ፡ እዚ ወይኒ ድማ እቶም ኣብ በረኻ ዚደኽሙ ኺሰትይዎ ኢለ እየ” ኢሉ መለሰ።+  ንጉስ ከኣ፡ “ወዲ* ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” በለ።+ ጺባ ድማ፡ “‘ሎሚ ቤት እስራኤል መንግስቲ ኣቦይ ኪመልሱለይ እዮም’ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።+  ንጉስ ከኣ ንጺባ፡ “እንሆ፡ ኵሉ እቲ ናይ መፊቦሸት ዘበለ ንዓኻ እዩ” በሎ።+ ጺባ ድማ፡ “ኣብ ቅድሜኻ እሰግድ ኣለኹ። ጐይታይ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ደኣ ሞገስ እርከብ” ኢሉ መለሰ።+  ንጉስ ዳዊት ከኣ ናብ ባሑሪም ምስ በጽሐ፡ ካብ ዓሌት ቤት ሳኦል ዝዀነ ሺምዒ+ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ጌራ፡ መጸ እሞ፡ እናተራገመ ቐረበ።+  ንዳዊትን ንዅሎም ገላዉ ንጉስ ዳዊትን ንዅሎም እቶም ብየማነ ጸጋሙ ዝነበሩ ህዝብን ጀጋኑን ድማ ኣእማን ይድርብየሎም ነበረ።  ሺምዒ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ረገመ፦ “ኣታ ዕዳ ደም ዘሎካ ሰብ፡ ኣታ ዘይትጠቅም ሰብ፡ ውጻእ፡ ውጻእ!  የሆዋ ንዕዳ ደም ቤት እቲ ኣብ ክንዳኡ ዝነገስካ ሳኦል ኣብ ልዕሌኻ መሊሱልካ ኣሎ፣ የሆዋ ድማ ነቲ ንግስና ኣብ ኢድ ኣቤሴሎም ወድኻ ሂብዎ። ንስኻ ዕዳ ደም ዘሎካ ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ መዓት ኣርኪቡካ!”+  ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ+ ኸኣ ንንጉስ፡ “ስለምንታይ እዩ እዚ ምዉት ከልቢ+ እዚ ንጐይታይ ንጉስ ዚረግሞ፧+ በጃኻ ኸይደ ርእሱ ክቘርጾ” በሎ።+ 10  ንጉስ ግና፡ “ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ምሳኻትኩም እንታይ ኣሎኒ፧+ የሆዋ፡ ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢልዎ እዩ እሞ፡+ ይርገመኒ።+ መንከ እዩ፡ ‘ስለምንታይ እዚ ትገብር ኣለኻ፧’ ዚብሎ፧” በለ። 11  ዳዊት ድማ ንኣቢሻይን ንዅሎም ገላዉኡን፡ “እንሆ፡ እቲ ኻብ ከርሰይ ዝወጸ ወደይ እኳ ንህይወተይ* ይደልያ ኣሎ፣+ ሓደ ብንያማዊ+ ግዳ ሕጂ ኽንደይ ዝገደደ ዘይገብር! የሆዋ ኸምኡ ኺገብር ኢልዎ እዩ እሞ፡ ይርገም ሕደግዎ! 12  ምናልባት የሆዋ መከራይ ይርኢ ይኸውን፣+ የሆዋ ኸኣ ኣብ ክንዲ እዚ ሎሚ ዝርገሞ ዘለኹ ጽቡቕ ይመልሰለይ ይኸውን” በሎም።+ 13  ዳዊትን ሰቡን ከኣ በታ መገዲ ይኸዱ ነበሩ፣ ሺምዒ ድማ ብጎቦ እቲ ኸረን ጐድኒ ጐድኑ እናኸደ፡ ይረግሞን+ ኣእማን ይድርብየሉን ብዙሕ ሓመድ ይብትነሉን ነበረ። 14  ንጉስን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ናብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ ደኺሞም በጽሑ፣ ኣብኡ ኸኣ ዓረፉ። 15  ኣቤሴሎምን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ እስራኤልን ናብ የሩሳሌም ኣተዉ፣ ኣሒቶፌል+ ድማ ምስኡ ነበረ። 16  ሑሻይ+ እቲ ኣርካዊ፡+ ፈታው* ዳዊት፡ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መጸ፡ ሑሻይ ንኣቤሴሎም፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!+ ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” በሎ። 17  ኣቤሴሎም ድማ ንሑሻይ፡ “ንፈታዊኻ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርስ እዚ ድዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ምስ ፈታዊኻ ዘይከድካ፧” በሎ። 18  ሑሻይ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ “ኣይፋለይን፡ ኣነስ ኣብ ጐድኒ እቲ የሆዋን እዚ ህዝቢ እዝን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዝሓረይዎ እየ። ምስኡ ኸኣ እነብር። 19  ድማኸ ንመን እየ ኸገልግል፧ ንወዱ ደይኰነን፧ ከምቲ ንኣቦኻ ዘገልገልክዎ፡ ንዓኻ እውን ከገልግለካ እየ” በሎ።+ 20  ኣቤሴሎም ከኣ ንኣሒቶፌል፡ “ምኽሪ ሃቡና።+ እንታይ ንግበር፧” በሎ። 21  ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሴሎም፡ “ናብተን ቤት* ኪሕልዋ ዝሓደገን+ ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ እቶ።+ ኵሉ እስራኤል ከኣ ኣብ ኣቦኻ ሕማቕ ጨና ኸም ዝዀንካ ኺሰምዕ እዩ፣ እቶም ዚድግፉኻ ድማ ኪበራትዑ እዮም” በሎ። 22  ንኣቤሴሎም ከኣ ኣብ ናሕሲ ድንኳን ተኸሉሉ፣+ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል፡+ ናብ ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ ኣተወ።+ 23  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣሒቶፌል ዚመኽሮ ዝነበረ ምኽሪ፡+ ከም ቃል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይቝጸር ነበረ።* ዳዊት ኰነ ኣቤሴሎም ንዅሉ ምኽሪ ኣሒቶፌል፡ ከምኡ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነበሩ።

እግረ ጽሑፍ

ብፍላይ በለስ፡ ምናልባት እውን ተምሪ።
ወይ፡ “ወዲ ወዲ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ኣማኒ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ከምቲ ሰብ ንቓል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪሓትት ከሎ ነበረ።”