2 ሳሙኤል 18:1-33

  • ኣቤሴሎም ተሳዕረን ሞተን (1-18)

  • ዳዊት ብዛዕባ ሞት ኣቤሴሎም ተነግሮ (19-33)

18  ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ቈጺሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ገበረሎም።+  ዳዊት ከኣ ነቶም ሰባት፡ ሲሶኦም ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ* ዮኣብ፡+ ሲሶኦም ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ፡+ ሓው ዮኣብ፡ ሲሶኦም እውን ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ኢታይ+ እቲ ጊታዊ ገይሩ ሰደዶም። ንጉስ ድማ ነቶም ሰባት፡ “ኣነ እውን ምሳኻትኩም ክወጽእ እየ” በሎም።  ንሳቶም ግና፡ “ንሕና እንተ ሃዲምናስ፡ ብዛዕባና ኣይግድሶምን እዩ፣* ንስኻ ኽንዲ ዓሰርተ ሽሕና ስለ ዝዀንካ፡+ ፍርቅና እንተ ሞይትና እውን፡ ብዛዕባና ኣይግድሶምን እዩ እሞ፡ ኣይትውጻእ።+ እምበኣር፡ ካብ ከተማ ዚረድኡና እንተ ሰደድካልና ይሓይሽ” በልዎ።  ንጉስ ከኣ፡ “ጽቡቕ ዝመሰለኩም ክገብር እየ” በሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው በለ፣ ኵሎም እቶም ሰባት ከኣ በብኣማእታትን በብኣሽሓትን ወጹ።  ንጉስ ድማ ንዮኣብን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ “ስለይ ኢልኩም፡ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎም፡ ኣይትጨክኑሉ” ኢሉ ኣዘዞም።+ ንጉስ ንዅሎም ኣሕሉቕ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ኪእዝዞም ከሎ፡ ኵሎም እቶም ሰባት ይሰምዑ ነበሩ።  እቶም ሰባት ከኣ ንእስራኤል ኪቀባበልዎ ናብ መሮር ወጹ፣ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኰነ።+  ኣብኡ ኸኣ እቶም ህዝቢ እስራኤል+ ብገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብዙሓት ሰባት፡ ማለት 20,000 ዚኣኽሉ ተቐትሉ።  እቲ ውግእ ከኣ ኣብ ብዘሎ እቲ ዞባ ተዘርግሐ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ካብቲ ሰይፊ ዝወሓጦስ፡ እቲ ዱር ዝወሓጦ በዝሐ።  ኣቤሴሎም ከኣ ንገላዉ ዳዊት ፊት ንፊት ተጓነፎም። ኣቤሴሎም ድማ በቕሊ ተወጢሑ ነበረ፣ እታ በቕሊ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጨናፍር ዘለዎ ዓብዪ ኦም ኣተወት፣ ርእሱ ድማ ኣብቲ ዓብዪ ኦም ተጠናነገ እሞ፡ እታ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረት በቕሊ ስለ ዝሓለፈት፡ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል በለ። 10  ሓደ ሰብኣይ ከኣ ነዚ ርእዩ፡ ንዮኣብ፡+ “እንሆ፡ ንኣቤሴሎም ኣብ ሓደ ዓብዪ ኦም ጠልጠል ኢሉ ርእየዮ” ኢሉ ነገሮ። 11  ዮኣብ ድማ ነቲ ዝነገሮ ሰብኣይ፡ “እንተ ርኢኻዮ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ኣብኡ ኸለኻ ወቒዕካ ናብ ምድሪ ዘየውደቕካዮ፧ ሽዑ፡ ዓሰርተ ብሩርን ዕጣቕን ተሓጒሰ ምሃብኩኻ ነይረ” በሎ። 12  እቲ ሰብኣይ ድማ፡ “ንጉስ ንዓኻን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ‘ኵላትኩም ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎም ተጠንቀቑሉ’ ኢሉ ኺእዝዘኩም ከሎ ንሰምዕ ኔርና ኢና እሞ፡ 1,000 ብሩር እኳ ኣብ ኢደይ እንተ ትህበኒ፡* ኣንጻር ወዲ ንጉስሲ ኢደይ ኣይመልዓልኩን።+ 13  ትእዛዝ ጥሒሰ ህይወቱ እንተ ዘጥፍእ ነይረ፡* እዚ ኻብ ንጉስ ኣይምተሓብአን ነይሩ፡ ንስኻ እውን ኣይመዕቈብካንን ኔርካ” በሎ። 14  ሽዑ፡ ዮኣብ፡ “ምሳኻ ግዜ ኸጥፍእ ኣይደልን እየ” በለ። ሰለስተ መዝረቕ* ኣብ ኢዱ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣቤሴሎም ብህይወት ኣብ ማእከል እቲ ዓብዪ ኦም ጠልጠል ኢሉ ኸሎ፡ ኣብ ልቡ ሸኸተን። 15  ኣጽዋር ዮኣብ ዚስከሙ ዓሰርተ ገላዉ ድማ፡ ንኣቤሴሎም ወቒዖም ቀተልዎ።+ 16  ዮኣብ ከኣ መለኸት ነፍሐ እሞ፡ ዮኣብ ነቶም ሰባት ስለ ዝዓገቶም፡ ንእስራኤል ካብ ምስጓጕ ተመልሱ። 17  ንኣቤሴሎም ከኣ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ዱር ዝነበረ ዓብዪ ጕድጓድ ደርበይዎ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣዝዩ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ።+ ኵሎም እስራኤል ከኣ ነናብ ቤቶም ሃደሙ። 18  ኣቤሴሎም ከኣ፡ “ንመዘከርታ ስመይ ዚዀነኒ ወዲ የብለይን” ኢሉ ነበረ እሞ፡+ ብህይወቱ ኸሎ፡ ሓወልቲ ወሲዱ ኣብ ስንጭሮ* ንጉስ+ ኣቚሙ ነበረ። ነቲ ሓወልቲ ድማ ብስሙ ሰመዮ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ሓወልቲ ኣቤሴሎም ይብሃል ኣሎ። 19  ኣሒማዓጽ+ ወዲ ጻዶቅ ድማ፡ “የሆዋ ንንጉስ ካብ ኢድ ጸላእቱ ሓራ ብምውጻእ፡ ፍትሒ ኣውጺኡሉ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ጐይየ ወረ ኽነግሮ” በለ።+ 20  ዮኣብ ግና፡ “በዛ መዓልቲ እዚኣ ወረ ኣይትነግርን ኢኻ። ካልእ መዓልቲ ወረ ኽትነግር ኢኻ። ሎሚ ግና ወዲ ንጉስ ሞይቱ እዩ እሞ፡ ወረ ኣይትነግርን ኢኻ” በሎ።+ 21  ዮኣብ ከኣ ንሓደ ኩሻዊ፡+ “ኪድ፡ ዝረኣኻዮ ንንጉስ ንገሮ” በሎ። እቲ ኩሻዊ ድማ ንዮኣብ ሰጊዱሉ ጐየየ። 22  ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ከኣ ንዮኣብ መሊሱ፡ “ዝዀነ ይኹን፡ በጃኻ ኣነ እውን ደድሕሪ እቲ ኩሻዊ ኽጐዪ” በሎ። ዮኣብ ግና፡ “ወደየ፡ ንስኻ እትነግሮ ወረ ዘይብልካስ፡ ስለምንታይ እትጐዪ፧” በሎ። 23  ንሱ ድማ፡ “ዝዀነ ይኹን፡ ክጐዪ ደኣ” በለ። ዮኣብ ከኣ፡ “ጕየ” በሎ። ኣሒማዓጽ ድማ ብመገዲ ኸባቢ ዮርዳኖስ* ጐየየ፣ ነቲ ኩሻዊ ኸኣ ቀደሞ። 24  ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣፍ ደገ ኸተማ ተቐሚጡ ነበረ፣+ እቲ ሓላዊ+ ኸኣ ናብ ናሕሲ እቲ ኣፍ ደገ መካበብያ ደየበ። ኣዒንቱ ምስ ኣልዓለ ድማ፡ በይኑ ዚጐዪ ሰብኣይ ረኣየ። 25  እቲ ሓላዊ ኸኣ ንንጉስ ጸዊዑ ነገሮ። ንጉስ ድማ፡ “በይኑ እንተ ዀይኑስ፡ ዚንገር ወረ ሒዙ ኣሎ” በለ። ንሱ ኸኣ እናቐረበ መጸ። 26  እቲ ሓላዊ ድማ ካልእ ሰብኣይ ኪጐዪ ረኣየ። እቲ ሓላዊ ኸኣ ነቲ ሓላው ኣፍ ደገ ጸዊዑ፡ “እንሆ፡ በይኑ ዚጐዪ ኻልእ ሰብኣይ” በሎ። ንጉስ ድማ፡ “እዚ እውን ወረ ዚነግር እዩ” በለ። 27  እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ “ኣጓይያ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ፡ ከም ኣጓይያ ኣሒማዓጽ+ ወዲ ጻዶቅ ምዃኑ እርኢ ኣለኹ” በለ። ንጉስ ድማ፡ “ንሱ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ፣ ብስራት ዜምጽእ እዩ” በለ። 28  ኣሒማዓጽ ከኣ ዓው ኢሉ ንንጉስ፡ “ኵሉ ሰላም እዩ!” በሎ። ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ድማ ንንጉስ ሰገደሉ። “እቲ ነቶም ካብ ጐይታይ ንጉስ ዝዓለዉ* ኣሕሊፉ ዝሃበ የሆዋ ኣምላኽካ ይወደስ” ከኣ በሎ።+ 29  ንጉስ ግና፡ “እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሓን ድዩ፧” በሎ። ኣሒማዓጽ ድማ፡ “ዮኣብ ነቲ ጊልያ ንጉስን ንጊልያኻን ኪልእከና ኸሎ፡ ብዙሕ ዕግርግር ርእየ ነይረ፣ እንታይ ከም ዝዀነ ግና ኣይፈለጥኩን” በሎ።+ 30  ንጉስ ከኣ፡ “ኣልግስ እሞ፡ ኣብዚ ደው በል” በሎ። ንሱ ድማ ኣልጊሱ ኣብኡ ደው በለ። 31  እቲ ኩሻዊ ኸኣ መጸ።+ እቲ ኩሻዊ ድማ፡ “ጐይታይ ንጉስ እዚ ወረ እዚ ይቀበል፦ ሎሚ የሆዋ ኻብ ኢድ ኵሎም እቶም ካባኻ ዝዓለዉ ሓራ ብምውጻእ፡ ፍትሒ ኣውጺኡልካ እዩ” በሎ።+ 32  ንጉስ ግና ነቲ ኩሻዊ፡ “እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሓን ድዩ፧” በሎ። እቲ ኩሻዊ ኸኣ፡ “ኵሎም ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስን ኵሎም እቶም ኪጐድኡኻ ኻባኻ ዝዓለዉን ከምቲ ጐበዝ ይኹኑ!” በሎ።+ 33  ንጉስ ድማ ተረበሸ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ናብ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ ድማ በኸየ። እናኸደ ኸኣ፡ “ኣቤሴሎም ወደይ፡ ወደይ፡ ኣቤሴሎም ወደይ። ኣብ ክንዳኻ፡ ኣነ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሃበ፧ ኣቤሴሎም ወደይ፡ ወደይ!” በለ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኢድ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ልቦም ኣይገብርዎን።”
ቃ.ቃ.፡ “እንተ ትመዝነለይ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ እንተ ዝኸድዓ ነይረ።”
ማለት፡ ንእስ ዝበለ ዓይነት ኲናት። ወይ፡ “ፍላጻ፣ ኲናት” ኪኸውን ይኽእል። ቃ.ቃ.፡ “በትሪ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመገዲ እቲ ኸባቢ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣንጻር ጐይታይ ንጉስ ኢዶም ዘልዓሉ።”