2 ሳሙኤል 2:1-32

  • ዳዊት ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ (1-7)

  • ኢሽ-ቦሸት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ (8-11)

  • ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ቤት ሳኦልን እተገብረ ውግእ (12-32)

2  ድሕርዚ፡ ዳዊት ንየሆዋ፡ “ናብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት ይሁዳዶ ኽድይብ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ፡ “ናብ ኣየነይቲ ኽድይብ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ናብ ኬብሮን”+ ኢሉ መለሰሉ።  ሽዑ፡ ዳዊት ምስ ክልተ ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል+ ሰበይቲ ናባል እቲ ቀርሜሎሳውን፡ ናብኣ ደየበ።  ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፡+ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ፡ ኣደየቦም፣ ኣብ ከባቢ ኬብሮን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት ድማ ተቐመጡ።  ሰብ ይሁዳ ኸኣ መጺኦም፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኺነግስ ኣብኣ ቐብእዎ።+ ንዳዊት ድማ፡ “ንሳኦል ዝቐበርዎ፡ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ እዮም” ኢሎም ነገርዎ።  ዳዊት ከኣ ናብ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ ልኡኻት ልኢኹ ኸምዚ በሎም፦ “ንጐይታኹም ሳኦል ብምቕባር ብተኣማንነት ኣፍቂርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ብየሆዋ ተባረኹ።+  የሆዋ ንዓኻትኩም ብተኣማንነት የፍቅርኩምን ተኣማንነቱ የርኢኹምን። እዚ ስለ ዝገበርኩም፡ ኣነ እውን ጽቡቕ ክገብረልኩም እየ።+  ሕጂ ድማ፡ ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩ፡ ቤት ይሁዳ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም ክነግስ ቀቢኦምኒ እዮም እሞ፡ ኣእዳውኩም ኣበርትዑ፡ ተባዓት ድማ ኩኑ።”  ኣብኔር+ ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና፡ ንኢሽ-ቦሸት+ ወዲ ሳኦል ወሲዱ፡ ናብ ማሓናዪም+ ኣሳገሮ፣  ኣብ ልዕሊ ጊልዓድን+ ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ይዝርኤልን+ ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን+ ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤልን ከኣ ኣንገሶ። 10  ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 40 ዓመት ነበረ፣ ክልተ ዓመት ድማ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ግና ንዳዊት ደገፈቶ።+ 11  እቲ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ዝነገሰሉ ዘመን፡* ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነበረ።+ 12  ኣብኔር ወዲ ኔርን ገላዉ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን ከኣ፡ ካብ ማሓናዪም+ ናብ ጊብዖን+ ወጹ። 13  ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያን+ ገላዉ ዳዊትን እውን ወጺኦም ኣብ ሓጽቢ ጊብዖን ምሳታቶም ተጓነፉ፣ ሓደ ጕጅለ በዚ ሸነኽ እቲ ሓጽቢ፡ እቲ ሓደ ጕጅለ ድማ በቲ ሸነኽ እቲ ሓጽቢ ተቐመጡ። 14  ኣብኔር ከኣ ንዮኣብ፡ “እዞም ኣጕባዝ ይተንስኡ እሞ፡ ኣብ ቅድሜና ይቃለሱ”* በሎ። ዮኣብ ድማ፡ “ይተንስኡ” በለ። 15  ሽዑ፡ ተንሲኦም ብቝጽሪ እተወሰኑ፡ 12 ኻብ ብንያምን ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን፡ 12 ኸኣ ካብ ገላዉ ዳዊት ተሳገሩ። 16  ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ብጻዩ ኣጽኒዑ ሒዙ፡ ሰይፉ ኣብ ጐድኒ መቐናቕንቱ ሸኸተ፣ ኵላቶም ድማ ብሓደ ወደቑ። ስለዚ፡ እታ ኣብ ጊብዖን ዘላ ቦታ፡ ሔልቃት-ሃጹሪም ተባህለት። 17  እቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝሰዓበ ውግእ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ፣ ኣብኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ። 18  ኣብኡ ድማ ሰለስተ ደቂ ጽሩያ፡+—ዮኣብን+ ኣቢሻይን+ ዓሳሄልን፡+—ነበሩ፣ ዓሳሄል ከኣ ከምታ ኣብ መሮር ዘላ ሰስሓ ፈጣን ነበረ። 19  ዓሳሄል ድማ ደድሕሪ ኣብኔር ሰዓበ፣ ደድሕሪ ኣብኔር ካብ ምስዓብ ከኣ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኣየላገሰን። 20  ኣብኔር ድማ ግልጽ ኢሉ፡ “ዓሳሄል፡ ንስኻ ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እወ፡ ኣነ እየ” በሎ። 21  ኣብኔር ድማ፡ “ናብ የማንካ ወይ ናብ ጸጋምካ ኣላጊስካ፡ ንሓደ ኻብ ኣጕባዝ ሓዝ እሞ፡ ክትገፍፎ እትኽእል ዘበለ ንዓኻ ውሰድ” በሎ። ዓሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ኬላግስ ኣይደለየን። 22  ኣብኔር ከኣ ከም ብሓድሽ ንዓሳሄል፡ “ኣይትስዓበኒ። ስለምንታይ ዝቐትለካ፧ ድሕሪኡኸ፡ ከመይ ገይረ ገጽ ሓውካ ዮኣብ ክርኢ እኽእል፧” በሎ። 23  ንሱ ግና ምልጋስ ኣበየ። ኣብኔር ከኣ ብዳሕረዋይ ጫፍ ኲናቱ ኸብዱ ወግኦ፣+ እቲ ዂናት ድማ ብድሕሪኡ ወጸ፣ ኣብኣ ወዲቑ ኸኣ ሞተ። ናብታ ዓሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመጸ ዘበለ፡ ኣብኣ ደው ኢሉ ይጸንሕ ነበረ። 24  ዮኣብን ኣቢሻይን ድማ ንኣብኔር ሰጐጕዎ። ጸሓይ ክትዓርብ ከላ፡ ናብታ ኣብ መንጽር ጊያሕ ኣብ መገዲ በረኻ ጊብዖን ዘላ ዅርባ ኣማ መጹ። 25  እቶም ደቂ ብንያም ከኣ ብድሕሪ ኣብኔር ተኣከቡ፣ ሓደ ጭፍራ ዀይኖም ድማ፡ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዅርባ ኣትከሉ። 26  ኣብኔር ድማ ንዮኣብ ጸዊዑ፡ “ሰይፊዶ ብዘይ መወዳእታ ኺውሕጥ እዩ፧ ሳዕቤኑ ምረት ጥራይ ከም ዚኸውንከ ኣይትፈልጥን ዲኻ፧ ነቶም ህዝቢ ኻብ ምስዓብ ኣሕዋቶም ኪምለሱኸ ኽሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትእዝዝ፧” በሎ። 27  ዮኣብ ከኣ፡ “ከምቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ህያው ዝዀነ፡ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብሲ፡ እዚ ህዝቢ ኻብ ምስዓብ ኣሕዋቱ ኽሳዕ ንግሆ ኣይምተመልሰን” በለ። 28  ሽዑ፡ ዮኣብ መለኸት ነፍሐ፣ እቶም ሰቡ ድማ ንእስራኤል ምስጓጕ ሓደግዎ፣ እቲ ውግእ እውን ኣቋረጸ። 29  ኣብኔርን ሰቡን ከኣ ምልእቲ እታ ለይቲ እቲኣ ብዓራባ ኸይዶም፡+ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፡ ብዅሉ እቲ ስንጭሮ* ኸይዶም ድማ ናብ ማሓናዪም መጹ።+ 30  ዮኣብ ከኣ ንኣብኔር ካብ ምስዓብ ምስ ተመልሰ፡ ንዅሉ ህዝቢ ኣከቦ። ካብ ገላዉ ዳዊት ድማ፡ ብዘይካ ዓሳሄል፡ 19 ሰባት ጐዲሎም ነበሩ። 31  እቶም ገላዉ ዳዊት ግና፡ ንብንያማውያንን ንሰብ ኣብኔርን ሰዓርዎም፣ 360 ካብቶም ሰቦም ከኣ ሞቱ። 32  ንዓሳሄል+ ድማ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ቤት-ልሄም+ ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ዮኣብን እቶም ሰቡን ከኣ፡ ምሉእ ለይቲ ኸይዶም፡ ምስ ወግሐ ኣብ ኬብሮን+ በጽሑ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ቍጽሪ መዓልትታት።”
ወይ፡ “ይጋጠሙ።”
ወይ፡ “ብዅላ ቢትሮን” ኪኸውን ይኽእል።