2 ሳሙኤል 21:1-22

  • ጊብዖናውያን ኣብ ልዕሊ ቤት ሳኦል ሕነኦም ፈደዩ (1-14)

  • ምስ ፍልስጥኤማውያን እተገብረ ውግኣት (15-22)

21  ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ብተኸታታሊ ጥሜት ኰነ፣+ ዳዊት ከኣ ንየሆዋ ሓተቶ፣ የሆዋ ድማ፡ “ሳኦል ንጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎም፡ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ቤቱን ዕዳ ደም ኣሎ” በለ።+  ንጉስ ከኣ ንጊብዖናውያን+ ጸዊዑ ተዛረቦም። (ጊብዖናውያን ግና ዝተረፉ ኣሞራውያን+ እምበር፡ እስራኤላውያን ኣይነበሩን። እስራኤላውያን ድማ ኪንሕፍዎም ምሒሎም ነበሩ፣+ ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት፡ ኪቐትሎም ደለየ።)  ዳዊት ከኣ ንጊብዖናውያን፡ “ንርስቲ የሆዋ ኽትምርቑስ፡ እንታይ ክገብረልኩም፧ ከመይ ገይረኸ ዕርቂ ኽገብር፧” በሎም።  ጊብዖናውያን ድማ፡ “ምስ ሳኦልን ቤቱን ዘሎና ነገር ናይ ብሩር ወይ ናይ ወርቂ ኣይኰነን፣+ ኣብ እስራኤል እውን ዝዀነ ሰብ ክንቀትል ኣይንኽእልን ኢና” በሉ። ንሱ ኸኣ፡ “እትብልዎ ዘበለ ኽገብረልኩም እየ” በሎም።  ንሳቶም ድማ ንንጉስ፡ “እቲ ኣብ ኵላ ሃገር እስራኤል ከይንነብር ዘጽነተናን ኬጥፍኣና እተተናዀለናን ሰብኣይ፡+  ካብ ደቁ ሸውዓተ ይወሃቡና። ሬሳታቶም ኣብ ጊብዓ+ ናይ ሳኦል፡ እቲ ሕሩይ የሆዋ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽንሰቅል* ኢና” በልዎ።+ ንጉስ ከኣ፡ “ኣነ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ” በሎም።  ንጉስ ግና ንመፊቦሸት+ ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሳኦል፡ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎ ዳዊትን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ኣብ ቅድሚ የሆዋ እተገብረ ማሕላ ኢሉ ራሕርሓሉ።+  ንጉስ ከኣ ነቶም ክልተ ደቂ ሪጽጳ+ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞኒን መፊቦሸትን ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል*+ ጓል ሳኦል ንዓድርኤል+ ወዲ ባርዚላይ እቲ መሖላታዊ ዝወለደትሉን ወሰዶም።  ኣብ ኢድ ጊብዖናውያን ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ንሬሳታቶም ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሰቐልዎ።+ ኵሎም ሸውዓቲኦም ብሓደ ሞቱ፣ ኣብ ቀዳማይ ዓጺድ፡ ኣብ መጀመርታ ዓጺድ ስገም ተቐትሉ። 10  ሪጽጳ+ ጓል ኣያ ኸኣ ካብ መጀመርታ ዓጺድ ኣትሒዛ፡ ካብ ሰማያት ኣብቲ ሬሳታት ዝናም ክሳዕ ዚዘንም ማቕ ወሲዳ ኣብ ከውሒ ኣንጸፈት፣ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማያት ኣብ ልዕሊኦም ኪዓርፋ፡ ብለይቲ ድማ ኣራዊት መሮር ኪቐርቦም ኣይፈቐደትን። 11  ንዳዊት ከኣ፡ እቲ ሪጽጳ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል፡ ዝገበረቶ ተነግሮ። 12  ዳዊት ድማ ከይዱ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ወዱ ዮናታንን ካብ መራሕቲ* ያቤሽ-ጊልዓድ ወሰደ፣+ ንሳቶም ከኣ ካብ ኣደባባይ ቤት-ሻን ሰሪቖምዎ ነበሩ፣ ኣብኡ ድማ በታ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐተሉላ መዓልቲ፡ ፍልስጥኤማውያን ሰቒሎምዎ ነበሩ።+ 13  ንሱ ኸኣ ካብኡ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ወዱ ዮናታንን ኣምጽአ፣ ኣዕጽምቲ እቶም ቅቱላት* እውን ኣከቡ።+ 14  ንኣዕጽምቲ ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ኣብ ምድሪ ብንያም፡ ኣብ ጼላዕ፡+ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ቂስ+ ቀበርዎ። ኵሉ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ምስ ገበሩ፡ ኣምላኽ፡ ልማኖ እታ ምድሪ ሰምዐ።+ 15  ኣብ መንጎ ፍልስጥኤማውያንን እስራኤልን ከም ብሓድሽ ውግእ ኰነ።+ ዳዊትን ገላዉኡን ድማ ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፣ ዳዊት ከኣ ደኸመ። 16  ካብ ረፋይም+ እተወልደ ይሽቢ-ብኖብ ዝስሙ ድማ፡ ንዳዊት ኪቐትሎ ሓሰበ፣ ንሱ 300 ሲቃል* ዝሚዛኑ ናይ ነሓሲ ዂናት ነበሮ፡+ ሓድሽ ሰይፊ እውን ተዓጢቑ ነበረ። 17  ሽዑ፡ ኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ ረድኦ፡+ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ኸኣ ቀተሎ። በታ ግዜ እቲኣ፡ ሰብ ዳዊት፡ “ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትውጻእ!+ መብራህቲ እስራኤል ኣይተጥፍእ!”+ ኢሎም መሓሉሉ። 18  ድሕርዚ፡ ከም ብሓድሽ ምስ ፍልስጥኤማውያን+ ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ሽዑ፡ ሲብካይ+ እቲ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ረፋይም+ እተወልደ ሳፍ ቀተሎ። 19  ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን+ ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ኤልሓናን ወዲ ያዔሬ-ዖርጊም እቲ ብዓል ቤት-ልሄም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ ጐልያድ እቲ ጊታዊ ቐተሎ።+ 20  ከም ብሓድሽ ከኣ፡ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ድማ ኣጻብዕ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸሽዱሽተ፡ ብድምር 24 ዘለዎ ገዚፍ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ እውን ካብ ረፋይም እተወልደ እዩ።+ 21  ንሱ ኸኣ ንእስራኤል ኣባጨወሉ።+ ዮናታን ወዲ ሺምዒ+ ሓው ዳዊት ድማ ቀተሎ። 22  እዞም ኣርባዕተ እዚኦም ኣብ ጋት ካብ ረፋይም እተወልዱ እዮም፣ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላዉኡን ከኣ ወደቑ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኸነቃልዖም፡” ማለት፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ተሰይሮም።
ወይ፡ “ሜራብ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሰብ መሬት” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “እተቓልዑ።”
ኣስታት 3.42 ኪ.ግ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።