2 ሳሙኤል 4:1-12

  • ኢሽ-ቦሸት ተቐትለ (1-8)

  • ዳዊት ነቶም ቀተልቲ ኣቕተሎም (9-12)

4  ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል፡*+ ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፡+ ጃጀወ፡* ኵሎም እስራኤላውያን እውን ተረበሹ።  ንወዲ ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘመትቲ ጭፍራታት ኣሕሉቕ ዝዀኑ እቲ ሓደ ባዓና፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ሬካብ ዝስሞም ክልተ ሰባት ነበርዎ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን እቲ ብኤሮታዊ፡ ካብ ነገድ ብንያም እዮም። (ብኤሮትሲ+ ኸም ክፍሊ ብንያም እያ እትቝጸር ነይራ።  እቶም ብኤሮታውያን ድማ ናብ ጊታዪም+ ሃዲሞም፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብኡ ጓኖት ኰይኖም ኣለዉ።)  ዮናታን+ ወዲ ሳኦል ከኣ ኣእጋሩ ዝሰንከለ* ወዲ ነበሮ።+ ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል+ ኪመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ኣልዒላቶ ሃደመት፣ ብስምባድ ክትሃድም ከላ ግና፡ ወደቐ እሞ ስንኩል ኰነ። ስሙ ኸኣ መፊቦሸት ተባህለ።+  ደቂ ሪሞን እቲ ብኤሮታዊ፡ ሬካብን ባዓናን ድማ፡ መዓልቲ ምስ ደሃረ፡ ኢሽ-ቦሸት ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ ኸሎ፡ ናብ ቤቱ ኣተዉ።  ስርናይ ዚወስዱ መሲሎም ናብ ቤት ኣትዮም ከብዱ ወግእዎ፣ ሽዑ፡ ሬካብን ሓዉ ባዓናን+ ኣምለጡ።  ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ መደቀሲ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ፡ ወቒዖም ቀተልዎ፡ ርእሱ እውን ቈረጽዎ። ርእሱ ወሲዶም ድማ፡ ምሉእ ለይቲ ብመገዲ ዓራባ ኸዱ።  ርእሲ ኢሽ-ቦሸት+ ከኣ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን ኣምጺኦም፡ ንንጉስ፡ “ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ወዲ እቲ ንህይወትካ* ዚደልያ ዝነበረ+ ሳኦል ጸላኢኻ፡+ እንሀ። የሆዋ ግና በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታይ ንጉስ ኣብ ልዕሊ ሳኦልን ዘርኡን ሕነ ፈድዩሉ” በልዎ።  ዳዊት ግና ንሬካብን ንሓዉ ባዓናን፡ ደቂ ሪሞን እቲ ብኤሮታዊ፡ ከምዚ በሎም፦ “ከምቲ እቲ ኻብ ኵሉ ጭንቂ ዘናገፈኒ* የሆዋ ህያው ዝዀነ፡+ 10  ሓደ ዘበሰረ መሲልዎ፡ ‘እንሆ፡ ሳኦል ሞይቱ’ ኢሉ ምስ ነገረኒ፡+ ሒዘ ኣብ ጺቅላግ ቀተልክዎ።+ ካባይ እተቐበሎ ዓስቢ ልኡኽ እዚ እዩ ነይሩ! 11  እኩያት ሰባት ንጻድቕ ሰብ ኣብ ቤቱን ኣብ ዓራቱን ምስ ዚቐትልዎ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይግብኦም! ደሙ ኻብ ኣእዳውኩምዶ ኣይደልዮን፧+ ካብ ምድሪኸ ኣየጥፍኣኩምንዶ፧” 12  ዳዊት ድማ ንኣጕባዙ ኪቐትልዎም ኣዘዞም።+ ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ቈሪጾም፡ ኣብ ጥቓ ሓጽቢ ኬብሮን ሰቐልዎም።+ ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ድማ ወሲዶም፡ ኣብ መቓብር ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ወዲ ሳኦል።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣእዳዉ ደኸማ።”
ወይ፡ “ዝሓንከሰ።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ካብ ኵሉ ጭንቂ እተበጀዋ።”