2 ሳሙኤል 7:1-29

  • ዳዊት ቤተ መቕደስ ከም ዘይሃንጽ ተነግሮ (1-7)

  • ምስ ዳዊት እተኣትወ ኺዳን መንግስቲ (8-17)

  • ዳዊት ዘቕረቦ ጸሎት ምስጋና (18-29)

7  ንጉስ ኣብ ቤቱ* ምስ ተቐመጠ፡+ የሆዋ ኸኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ፡  ንጉስ ንነብዪ ናታን፡+ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ቄድሮስ እነብር ኣለኹ፡+ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና ኣብ ማእከል ዓለባታት ድንኳን ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።+  ናታን ድማ ንንጉስ፡ “የሆዋ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ እውን ግበር” በሎ።+  በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ናታን መጸ፦  “ኪድ እሞ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሃንጸለይ ኢኻ፧+  ካብታ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘደየብኩላ መዓልቲ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ+ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደኣ እመላለስ ነበርኩ እምበር፡+ ኣብ ቤትሲ እነብር ኣይነበርኩን።  ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ኵሎም እስራኤላውያን* እተመላለስኩሉ እዋን፡ ንህዝበይ እስራኤል ኪጓሲ ንዝሸምክዎ ዝዀነ ኻብ መራሕቲ ነገዳት እስራኤል፡ ‘ስለምንታይ ቤት ቄድሮስ ዘይሃነጽኩምለይ፧’ ኢለዶ ሓንቲ ቓል ተዛሪበ እየ፧”’  ሕጂ ድማ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፡+ ካብ መጓሰዪታት፡ ንመጓሰ ኻብ ምስዓብ ወሲደካ እየ።+  ኣብ እትኸዶ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ንዅሎም ጸላእትኻ እውን ካብ ቅድሜኻ ኸጥፍኦም እየ።+ ንዓኻ ድማ ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት፡ ዓብዪ ስም ክገብረልካ እየ።+ 10  ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኽምድበሉን ከስፍሮን እየ፣ ኣብኣ ኸኣ ኪነብሩ፡ ደጊም እውን ኣይኪርበሹን እዮም። እኩያት ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ገይሮም መሊሶም ኣይኪጭቍንዎምን እዮም፣+ 11  እወ፡ ደጊም ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈራዶ ዝሸምኩላ መዓልቲ+ ኣትሒዞም ዝገበርዎም ኣይኪገብርዎምን እዮም። ካብ ኵሎም ጸላእትኻ ኸኣ ዕረፍቲ ኽህበካ እየ።+ “‘“የሆዋ ንዓኻ ቤት* ከም ዚሰርሓልካ እውን፡ የሆዋ ይነግረካ ኣሎ።+ 12  መዓልትታትካ ምስ ተወድኣን+ ምስ ኣቦታትካ ምስ ደቀስካን፡ ብድሕሬኻ ኻብ ከርስኻ ዚወጽእ ዘርእኻ ኸተንስእ እየ፣ ነታ መንግስቱ እውን ከጽንዓ እየ።+ 13  ንሱ ንስመይ ቤት ኪሃንጽ እዩ፣+ ኣነ ድማ ዝፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።+ 14  ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፣ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ።+ እንተ በዲሉ፡ ብበትሪ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን* ገይረ ኽገንሖ እየ።+ 15  ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይ፡ ከምቲ ኻብቲ ኻብ ቅድሜኻ ዘርሓቕክዎ ሳኦል ዘልገስክዎ ገይረ፡+ ካብኡ ኣይከልግስን እየ። 16  ቤትካን መንግስትኻን ድማ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዓ እየን፣ ዝፋንካ እውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።”’”+ 17  ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኵሉ እዚ ቓላት እዝን ብምሉኡ እዚ ራእይ እዝን ነገሮ።+ 18  ሽዑ፡ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ የሆዋ ኣትዩ ተቐመጠ እሞ፡ ከምዚ በለ፦ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ መን እየ፧ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ቤተይ እንታይ እያ፧+ 19  ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ እዚ ኸይኣክልሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርሑቕ ግዜ ኣብ ቤት ጊልያኻ ዚኸውን እውን ተዛሪብካ ኢኻ፣ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ እዚ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ትእዛዝ* እዩ። 20  ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጠኒ ኻብ ኰንካስ፡+ ጊልያኻ ዳዊት እሞ እንታይ ተወሳኺ ነገር ኪብል ይኽእል፧ 21  ምእንቲ ቓልካ ኢልካን ምስ ልብኻ* ብምስምማዕን፡ ኵሉ እዚ ዓብዪ ነገራት እዚ ጌርካን ንጊልያኻ ገሊጽካሉን ኢኻ።+ 22  ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ስለዚ ብሓቂ ዓብዪ ኢኻ።+ ከማኻ ዝበለ የልቦን፣+ ብዘይካኻ እውን ኣምላኽ የልቦን።+ ኵሉ እቲ ብኣእዛንና ዝሰማዕናዮ፡ ነዚ እዩ ዜረጋግጽ። 23  ኣምላኽ ከይዱ ህዝቡ ኪኸውን እተበጀዎ፡+ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ብምግባር ከኣ+ ንርእሱ ስም ዝገበረሉ፡+ ከም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ኣብ ምድሪ ኣየናይ ህዝቢ እዩ፧+ ምእንቲ እቲ ንዓኻ ኪኸውን ካብ ግብጺ እተበጆኻዮ ህዝብኻ ኢልካ፡ ንኣህዛብን ንኣማልኽቶምን ሰጐጕካዮም። 24  ንህዝብኻ እስራኤል ድማ ንሓዋሩ ህዝብኻ ኪኸውን ኣቘምካዮ፣+ ንስኻ እውን ኦ የሆዋ፡ ኣምላኾም ኰንካ።+ 25  “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ እቲ ብዛዕባ ጊልያኻን ብዛዕባ ቤቱን ዘተስፎኻዮ ነገር ንሓዋሩ ይፈጸም፣ ንስኻ እውን ከምቲ ዘተስፎኻዮ ግበር።+ 26  ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣምላኽ እዩ’ ምእንቲ ኺብሉ፡ ስምካ ንዘለኣለም ልዕል ይበል፣+ ቤት ጊልያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ትጽናዕ።+ 27  ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻስ ንጊልያኻ፡ ‘ቤት* ክሃንጸልካ እየ’ ኢልካ ገሊጽካሉ ኢኻ።+ ስለዚ እዩ ጊልያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባኻ ኺጽሊ ዝተብዐ።* 28  ሕጂ ድማ፡ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻ ኸኣ ሓቂ እዩ፡+ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ እውን ንጊልያኻ ኣተስፊኻዮ ኢኻ። 29  እምበኣር፡ ንስኻ ንቤት ጊልያኻ ንምብራኽ ፍታውካ ይኹን፡ ንሳ እውን ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ትኹን፣+ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ኣተስፊኻ ኢኻ እሞ፡ ቤት ጊልያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ትባረኽ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መንግስቱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤል።”
ወይ፡ “ስርወ ንግስነት።”
ወይ፡ “ደቂ ኣዳምን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሕጊ።”
ወይ፡ “ፍቓድካ።”
ወይ፡ “ስርወ ንግስነት።”
ቃ.ቃ.፡ “ልቢ ዝረኸበ።”