2 ሳሙኤል 7:1-29
7 ንጉስ ኣብ ቤቱ* ምስ ተቐመጠ፡+ የሆዋ ኸኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ፡
2 ንጉስ ንነብዪ ናታን፡+ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ቄድሮስ እነብር ኣለኹ፡+ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና ኣብ ማእከል ዓለባታት ድንኳን ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።+
3 ናታን ድማ ንንጉስ፡ “የሆዋ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ እውን ግበር” በሎ።+
4 በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ናታን መጸ፦
5 “ኪድ እሞ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሃንጸለይ ኢኻ፧+
6 ካብታ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘደየብኩላ መዓልቲ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ+ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደኣ እመላለስ ነበርኩ እምበር፡+ ኣብ ቤትሲ እነብር ኣይነበርኩን።
7 ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ኵሎም እስራኤላውያን* እተመላለስኩሉ እዋን፡ ንህዝበይ እስራኤል ኪጓሲ ንዝሸምክዎ ዝዀነ ኻብ መራሕቲ ነገዳት እስራኤል፡ ‘ስለምንታይ ቤት ቄድሮስ ዘይሃነጽኩምለይ፧’ ኢለዶ ሓንቲ ቓል ተዛሪበ እየ፧”’
8 ሕጂ ድማ ንጊልያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፡+ ካብ መጓሰዪታት፡ ንመጓሰ ኻብ ምስዓብ ወሲደካ እየ።+
9 ኣብ እትኸዶ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ክኸውን እየ፣+ ንዅሎም ጸላእትኻ እውን ካብ ቅድሜኻ ኸጥፍኦም እየ።+ ንዓኻ ድማ ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት፡ ዓብዪ ስም ክገብረልካ እየ።+
10 ንህዝበይ እስራኤል ቦታ ኽምድበሉን ከስፍሮን እየ፣ ኣብኣ ኸኣ ኪነብሩ፡ ደጊም እውን ኣይኪርበሹን እዮም። እኩያት ድማ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ገይሮም መሊሶም ኣይኪጭቍንዎምን እዮም፣+
11 እወ፡ ደጊም ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈራዶ ዝሸምኩላ መዓልቲ+ ኣትሒዞም ዝገበርዎም ኣይኪገብርዎምን እዮም። ካብ ኵሎም ጸላእትኻ ኸኣ ዕረፍቲ ኽህበካ እየ።+
“‘“የሆዋ ንዓኻ ቤት* ከም ዚሰርሓልካ እውን፡ የሆዋ ይነግረካ ኣሎ።+
12 መዓልትታትካ ምስ ተወድኣን+ ምስ ኣቦታትካ ምስ ደቀስካን፡ ብድሕሬኻ ኻብ ከርስኻ ዚወጽእ ዘርእኻ ኸተንስእ እየ፣ ነታ መንግስቱ እውን ከጽንዓ እየ።+
13 ንሱ ንስመይ ቤት ኪሃንጽ እዩ፣+ ኣነ ድማ ዝፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።+
14 ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፣ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ።+ እንተ በዲሉ፡ ብበትሪ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን* ገይረ ኽገንሖ እየ።+
15 ብተኣማንነት ዘርእዮ ፍቕረይ፡ ከምቲ ኻብቲ ኻብ ቅድሜኻ ዘርሓቕክዎ ሳኦል ዘልገስክዎ ገይረ፡+ ካብኡ ኣይከልግስን እየ።
16 ቤትካን መንግስትኻን ድማ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ኺጸንዓ እየን፣ ዝፋንካ እውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።”’”+
17 ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኵሉ እዚ ቓላት እዝን ብምሉኡ እዚ ራእይ እዝን ነገሮ።+
18 ሽዑ፡ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ የሆዋ ኣትዩ ተቐመጠ እሞ፡ ከምዚ በለ፦ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ኣነ መን እየ፧ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ቤተይ እንታይ እያ፧+
19 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ እዚ ኸይኣክልሲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርሑቕ ግዜ ኣብ ቤት ጊልያኻ ዚኸውን እውን ተዛሪብካ ኢኻ፣ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ እዚ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ትእዛዝ* እዩ።
20 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጠኒ ኻብ ኰንካስ፡+ ጊልያኻ ዳዊት እሞ እንታይ ተወሳኺ ነገር ኪብል ይኽእል፧
21 ምእንቲ ቓልካ ኢልካን ምስ ልብኻ* ብምስምማዕን፡ ኵሉ እዚ ዓብዪ ነገራት እዚ ጌርካን ንጊልያኻ ገሊጽካሉን ኢኻ።+
22 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ስለዚ ብሓቂ ዓብዪ ኢኻ።+ ከማኻ ዝበለ የልቦን፣+ ብዘይካኻ እውን ኣምላኽ የልቦን።+ ኵሉ እቲ ብኣእዛንና ዝሰማዕናዮ፡ ነዚ እዩ ዜረጋግጽ።
23 ኣምላኽ ከይዱ ህዝቡ ኪኸውን እተበጀዎ፡+ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ብምግባር ከኣ+ ንርእሱ ስም ዝገበረሉ፡+ ከም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ኣብ ምድሪ ኣየናይ ህዝቢ እዩ፧+ ምእንቲ እቲ ንዓኻ ኪኸውን ካብ ግብጺ እተበጆኻዮ ህዝብኻ ኢልካ፡ ንኣህዛብን ንኣማልኽቶምን ሰጐጕካዮም።
24 ንህዝብኻ እስራኤል ድማ ንሓዋሩ ህዝብኻ ኪኸውን ኣቘምካዮ፣+ ንስኻ እውን ኦ የሆዋ፡ ኣምላኾም ኰንካ።+
25 “ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ እቲ ብዛዕባ ጊልያኻን ብዛዕባ ቤቱን ዘተስፎኻዮ ነገር ንሓዋሩ ይፈጸም፣ ንስኻ እውን ከምቲ ዘተስፎኻዮ ግበር።+
26 ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣምላኽ እዩ’ ምእንቲ ኺብሉ፡ ስምካ ንዘለኣለም ልዕል ይበል፣+ ቤት ጊልያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ትጽናዕ።+
27 ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻስ ንጊልያኻ፡ ‘ቤት* ክሃንጸልካ እየ’ ኢልካ ገሊጽካሉ ኢኻ።+ ስለዚ እዩ ጊልያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባኻ ኺጽሊ ዝተብዐ።*
28 ሕጂ ድማ፡ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻ ኸኣ ሓቂ እዩ፡+ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ እውን ንጊልያኻ ኣተስፊኻዮ ኢኻ።
29 እምበኣር፡ ንስኻ ንቤት ጊልያኻ ንምብራኽ ፍታውካ ይኹን፡ ንሳ እውን ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ትኹን፣+ ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ኣተስፊኻ ኢኻ እሞ፡ ቤት ጊልያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ትባረኽ።”+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ቤተ መንግስቱ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤል።”
^ ወይ፡ “ስርወ ንግስነት።”
^ ወይ፡ “ደቂ ኣዳምን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ሕጊ።”
^ ወይ፡ “ፍቓድካ።”
^ ወይ፡ “ስርወ ንግስነት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ልቢ ዝረኸበ።”