2 ሳሙኤል 8:1-18

  • ዓወታት ዳዊት (1-14)

  • ምምሕዳር ዳዊት (15-18)

8  ድሕርዚ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን+ ሰዓሮምን ኣምበርከኾምን፣+ ዳዊት ከኣ ንሜቴግ-ኣማህ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰዳ።  ንሞኣባውያን ስዒሩ ድማ፡+ ኣብ ምድሪ በጥ ኣቢሉ ብገመድ ለክዖም። ክልተ ገመድ ኪቕተሉ፡ ሓደ ገመድ ምሉእ ከኣ ብህይወት ኪነብሩ ለክዐ።+ ሞኣባውያን ድማ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ግብሪ ኣምጽኡሉ።+  ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ፈለግ ኤፍራጥስ ዝነበሮ ስልጣን ኬምልስ ኪኸይድ ከሎ፡+ ንሃዳድዔዘር ወዲ ሬሖብ ንጉስ ጾባ ሰዓሮ።+  ዳዊት ድማ ካብኡ 1,700 ፈረሰኛታትን 20,000 ኣጋር ተዋጋእትን ማረኸ። ዳዊት ከኣ 100 ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፡ ንዅሎም ቀንጀቦም።+  እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን+ ንሃዳድዔዘር ንጉስ ጾባ ኺረድእዎ ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን 22,000 ቀተለ።+  ዳዊት ድማ ኣብ ሶርያ ናይ ደማስቆ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ፣ ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ግብሪ ኣምጽኡሉ። የሆዋ ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዓወት* ሃቦ።+  ዳዊት ከኣ ከበብቲ ዋላቱ ወርቂ ኻብ ገላዉ ሃዳድዔዘር ወሲዱ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ።+  ንጉስ ዳዊት ድማ ካብ ቤጣሕን ቤሮታይን፡ ከተማታት ሃዳድዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ነሓሲ ወሰደ።  ቶዒ ንጉስ ሓማት+ ከኣ፡ ዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳድዔዘር+ ከም ዝሰዓሮ ሰምዐ። 10  ሃዳድዔዘር ምስ ቶዒ ብዙሕ ሳዕ ይዋጋእ ነበረ እሞ፡ ቶዒ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ድሕንነቱ ኺሓትቶን ንሃዳድዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ሓጐሱ ኺገልጸሉን ኢሉ፡ ንዮራም ወዱ ለኣኸሉ፣ ንሱ ድማ ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ኣቕሑ ነሓስን ኣምጽአ። 11  ንጉስ ዳዊት ከኣ ነዚ ንየሆዋ ቐደሶ። ነቲ ኻብ ኵሎም እቶም ዘምበርከኾም ኣህዛብ ዝቐደሶ ብሩርን ወርቅን፡+ 12  ማለት ነቲ ኻብ ሶርያን ካብ ሞኣብን+ ካብ ዓሞናውያንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን+ ካብ ኣማሌቃውያንን+ ካብ ምርኮ ሃዳድዔዘር+ ወዲ ሬሖብ ንጉስ ጾባን ዝረኸቦ እውን ከምኡ ገበሮ። 13  ዳዊት ድማ ኣብ ስንጭሮ ጨው 18,000 ኤዶማውያን ቀቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ንርእሱ ስም ገበረ።+ 14  ኣብ ኤዶም ከኣ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ። ኣብ ኵላ ኤዶም ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ፣ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ገላዉ ዳዊት ኰኑ።+ የሆዋ ኸኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዓወት* ሃቦ።+ 15  ዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነጊሱ ነበረ፣+ ዳዊት ከኣ ንዅሎም ህዝቡ ፍትሕን ጽድቅን+ ይገብር ነበረ።+ 16  ዮኣብ+ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ነበረ፣ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ መዝጋቢ ነበረ። 17  ጻዶቅ+ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፣ ሰራያ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ። 18  በናያ+ ወዲ የሆያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን ነበረ።+ ደቂ ዳዊት ከኣ ኣውራታት ሰበ ስልጣን* ነበሩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ድሕነት።”
ወይ፡ “ድሕነት።”
ቃ.ቃ.፡ “ካህናት።”