2 ሳሙኤል 9:1-13

  • ዳዊት ንመፊቦሸት ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ (1-13)

9  ዳዊት ድማ፡ “ካብ ቤት ሳኦልሲ ምእንቲ ዮናታን ኢለ ብተኣማንነት ከፍቅሮ ዝኽእል ገለ ሓድጊ ደዀን ይህሉ፧” በለ።+ 2  ጺባ ዝስሙ ጊልያ ቤት ሳኦል ከኣ ነበረ።+ ንዕኡ ድማ ናብ ዳዊት ጸውዕዎ፣ ንጉስ ከኣ፡ “ንስኻ ዲኻ ጺባ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ጊልያኻ እየ” ኢሉ መለሰ። 3  ንጉስ ከኣ፡ “ከምቲ ኣምላኽ ዚገብሮ ብተኣማንነት ከፍቅሮስ፡ ካብ ቤት ሳኦል ገለ ሓድጊዶ የልቦን፧” በለ። ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ፣ ንሱ ኣእጋሩ ሰንኪሉ* እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 4  ንጉስ ከኣ፡ “ንሱኸ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ንሱ ኣብ ቤት ማኪር+ ወዲ ዓሚኤል፡ ኣብ ሎ-ድባር ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። 5  ብኡብኡ፡ ንጉስ ዳዊት ልኢኹ፡ ንዕኡ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ካብ ሎ-ድባር ወሰዶ። 6  መፊቦሸት ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ብገጹ ተደፊኡ ሰገደ። ዳዊት ከኣ፡ “መፊቦሸት” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ ጊልያኻ” ኢሉ መለሰ። 7  ዳዊት ከኣ፡ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ብርግጽ ብተኣማንነት ከፍቅረካ እየ እሞ፡+ ኣይትፍራህ፣ ኵሉ ግራውቲ ኣቦሓጎኻ ሳኦል ክመልሰልካ እየ፣ ንስኻ እውን ወትሩ ኣብ መኣደይ እንጌራ ኽትበልዕ ኢኻ” በሎ።+ 8  ሽዑ፡ ንሱ ሰጊዱ፡ “ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ+ ቘላሕታኻ* እትመልስሲ፡ ጊልያኻ እንታይ እዩ፧” በለ። 9  ንጉስ ከኣ ንጺባ ጊልያ ሳኦል ልኢኹ ጸዊዑ፡ “ኵሉ እቲ ናይ ሳኦልን ናይ ብዘላ ቤቱን ዝዀነ፡ ንወዲ ወዱ ንጐይታኻ ሂበዮ ኣለኹ።+ 10  ነቶም ናይ ወዲ ወዱ ንጐይታኻ ዘበሉ ዚበልዕዎ ምግቢ ኪኸውንሲ፡ ንስኻን ደቅኻን ገላዉኻን ነቲ መሬት ሓሪስኩም፡ ፍሪኡ ኣክቡ። መፊቦሸት ወዲ ወዱ ንጐይታኻ ግና፡ ወትሩ ኣብ መኣደይ ኪበልዕ እዩ” በሎ።+ ጺባ ኸኣ 15 ኣወዳትን 20 ገላዉን ነበርዎ።+ 11  ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ከም ኵሉ እቲ ጐይታይ ንጉስ ንጊልያኡ ዝኣዘዞ፡ ጊልያኡ ኸምኡ ኺገብር እዩ” በሎ። መፊቦሸት ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ መኣዲ ዳዊት* በልዐ። 12  መፊቦሸት ድማ ሚካ ዝስሙ ንእሽቶ ወዲ ነበሮ።+ ኵሎም እቶም ኣብ ቤት ጺባ ዚነብሩ ዝነበሩ ኸኣ፡ ገላዉ መፊቦሸት ኰኑ። 13  መፊቦሸት ድማ ወትሩ ኣብ መኣዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፣+ ክልቲኡ እግሩ ኸኣ ስንኩል ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓንኪሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ገጽካ።”
ወይ፡ “ኣብ መኣደይ” ኪኸውን ይኽእል።