2 ነገስት 11:1-21

  • ዓታልያ፡ ዝፋን መንዝዐት (1-3)

  • ዮኣስ ብምስጢር ንጉስ ኰነ (4-12)

  • ዓታልያ ተቐትለት (13-16)

  • የሆያዳ ዝገበሮ ተሓድሶ (17-21)

11  ዓታልያ+ ኣደ ኣሓዝያ፡ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየት፡+ ተንሲኣ ንብዘሎ ዘርኢ ንጉስ* ኣጥፍአት።+  ግናኸ፡ የሆሸባ ጓል ንጉስ ዮራም፡ ሓብቲ ኣሓዝያ፡ ንዮኣስ+ ወዲ ኣሓዝያ ኻብ መንጎ እቶም ዚቕተሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ፣ ንዕኡን ንመጕዚቱን ከኣ ኣብ ውሽጣዊት መደቀሲ ኣእተወቶም። ካብ ቅድሚ ዓታልያ ድማ ሓብእዎ እሞ ኣይተቐትለን።  ዓታልያ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ነጊሳ ኸላ ኸኣ፡ ምስኣ ኣብ ቤት የሆዋ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ።  ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ድማ፡ የሆያዳ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ እቶም ዘብዐኛታት ካራውያንን ሓለውቲ* ቤተ መንግስትን+ ልኢኹ ናብ ቤት የሆዋ ኣምጽኦም። ምሳታቶም ኪዳን ገበረ እሞ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ኣምሓሎም፣ ሽዑ፡ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣርኣዮም።+  ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፦ “እቲ እትገብርዎ እዚ እዩ፦ ሲሶ ኻባኻትኩም ብሰንበት ክትዓይዩን ንቤት* ንጉስ ብጽኑዕ ክትሕልዉን ኢኹም፣+  ሲሶ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ መሰረት ክትኰኑ፡ ሲሶ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ድሕሪ እቶም ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ ዘሎ ኣፍ ደገ ኽትኰኑ ኢኹም። በብተራ ነታ ቤት ክትሕልውዋ ኢኹም።  እቶም ብሰንበት ካብ ዕዮ ናጻ ኪዀኑ ዘለዎም ክልተ ኽፍልኹም፡ ንንጉስ ንምሕላው ንቤት የሆዋ ብጽኑዕ ይሓልዉ።  ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። ብመንጎ እቲ መስርዕ ዚኣቱ ዘበለ ድማ ይቀተል። ንጉስ ናብ ዝኸዶ ዘበለ፡* ምስኡ ኹኑ።”  እቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ+ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ኻህን የሆያዳ ዝኣዘዞም ገበሩ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ነቶም ብሰንበት ኣብ ዕዮ ዝነበሩ ምስቶም ብሰንበት ካብ ዕዮ ናጻ ዝነበሩ ሰቦም ወሲዶም ናብ ካህን የሆያዳ መጹ።+ 10  እቲ ኻህን ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፡ እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናውትን ከበብቲ ዋላቱን ሃቦም። 11  እቶም ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ+ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብ የማናይ ሸነኽ እታ ቤት ክሳብ ጸጋማይ ሸነኽ እታ ቤት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን+ ኣብ ጥቓ እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ ንጉስ ቈሙ። 12  የሆያዳ ድማ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኡ፡+ ዘውዲ ደፍኣሉ፡ ምስክር* እውን ሃቦ፣+ ኣንገስዎን ቀብእዎን ከኣ። ብኣእዳዎም እናኣጣቕዑ ድማ፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” በሉ።+ 13  ዓታልያ ኸኣ ደሃይ እቶም ዚጐይዩ ህዝቢ ምስ ሰምዐት፡ ብኡብኡ ናብቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበሩ ህዝቢ መጸት።+ 14  ከምቲ ልምዲ ድማ ንጉስ ኣብ ጥቓ ዓንዲ ቘይሙ ረኣየት።+ እቶም ኣሕሉቕን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን+ ምስ ንጉስ ነበሩ፣ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸኣ ይሕጐሱን መለኸት ይነፍሑን ነበሩ። ሽዑ፡ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ “ውዲት! ውዲት!” ኢላ ጨርሐት። 15  ካህን የሆያዳ ግና ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት እተሸሙ ኣሕሉቕ ሚእቲ፡+ “ካብ መንጎ እቲ መስርዕ ኣውጽእዋ፣ ንዚስዕባ ዘበለ እውን፡ ብሰይፊ ቕተልዎ!” ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ኻህንሲ፡ “ኣብ ቤት የሆዋ ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ነበረ። 16  ንሳቶም ድማ ሓዝዋ፣ ኣብታ ኣፍራስ ናብ ቤት*+ ንጉስ ዚኣትዉላ ቦታ ምስ በጽሐት ከኣ፡ ኣብኣ ተቐትለት። 17  የሆያዳ ድማ ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ኢሉ፡ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ኪዳን ገበረ፣+ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብን እውን ኪዳን ገበረ።+ 18  ድሕርዚ፡ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ናብ ቤት* በዓል ከይዶም ነቲ መሰውኢታቱ ኣፍረስዎ፡+ ምስልታቱ ኣጸቢቖም ሰባበርዎ፣+ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ቀተልዎ።+ እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቤት የሆዋ ሓለውቲ* ሸመ።+ 19  ንንጉስ ካብ ቤት የሆዋ ዓጂቦም ኬውርድዎ ኸኣ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእትን+ ዘብዐኛታት ካራውያንን ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ+ ንዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን ወሰደ፣ ብመገዲ ኣፍ ደገ ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ ኣቢሎም ድማ ናብ ቤት* ንጉስ መጹ። ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋን ነገስታት ተቐመጠ።+ 20  ንዓታልያ ኣብ ቤት ንጉስ ብሰይፊ ስለ ዝቐተልዋ፡ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ተሓጐሱ፡ እታ ኸተማ እውን ሃድአት። 21  ዮኣስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ዘርኢ መንግስቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”
ወይ፡ “ንቤተ መንግስቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኪወጽእን ኪኣቱን ከሎ።”
ሕጊ ኣምላኽ ዝሓዘ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ሓለፍቲ።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”