2 ነገስት 12:1-21

  • ዮኣስ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-3)

  • ዮኣስ ነታ ቤተ መቕደስ ጸገና (4-16)

  • ወረራ ሶርያውያን (17, 18)

  • ዮኣስ ተቐትለ (19-21)

12  ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት የሁ፡+ ዮኣስ+ ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 40 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ጺብያ እዩ፣ ንሳ ኻብ ብኤር-ሸባዕ እያ።+  ዮኣስ ድማ ብዅሉ እቲ ኻህን የሆያዳ ዚምህሮ ዝነበረ እዋን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።  ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ+ ኣይተወገደን ነበረ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።  ዮኣስ ድማ ነቶም ካህናት ከምዚ በሎም፦ “ኵሉ እቲ ቕዱስ መባእ ኪኸውን ናብ ቤት የሆዋ ዚመጽእ ገንዘብ፡+ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዚስልዓሉ ገንዘብን+ እቲ ንገምጋም ሰብ* ዚውሃብ ገንዘብን ኵሉ እቲ ነፍሲ ወከፍ ብልቡ ተደሪኹ ናብ ቤት የሆዋ ዜምጽኦ ገንዘብን ውሰዱ።+  እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ካብ ለገስቲ* ወሲዶም፡ ንእተረኽበ ዘበለ ፍራሳት* እታ ቤት ይጸግኑሉ።”+  ክሳዕ መበል 23 ዓመት ንጉስ ዮኣስ፡ እቶም ካህናት ንፍራሳት እታ ቤት ኣይጸገንዎን ነበሩ።+  ንጉስ ዮኣስ ከኣ ንኻህን የሆያዳን+ ንኻልኦት ካህናትን ጸዊዑ፡ “ስለምንታይ ኢኹም ፍራሳት እታ ቤት ዘይትጽግኑ ዘለኹም፧ እምበኣር፡ ንመጸገኒ ፍራሳት እታ ቤት እንተ ዘይኰይኑ፡ ደጊም ካብቶም ለገስቲ ገንዘብ ኣይትውሰዱ” በሎም።+  እቶም ካህናት ድማ ካብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱን ንጽገና እታ ቤት ሓላፍነት ከይስከሙን ተሰማምዑ።  ካህን የሆያዳ ድማ ሓደ ሳጹን+ ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ፡ ናብ ቤት የሆዋ ንዚኣቱ ሰብ ብየማኑ ኣንበሮ። እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ዀይኖም ዜገልግሉ ኻህናት እውን ንዅሉ እቲ ናብ ቤት የሆዋ ዚመጽእ ገንዘብ ኣብኡ የንብርዎ ነበሩ።+ 10  ኣብቲ ሳጹን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ዚርእዩ፡ ጸሓፊ ንጉስን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደዪቦም ነቲ ናብ ቤት የሆዋ ዝመጸ ገንዘብ ይእክብዎን* ይቘጽርዎን ነበሩ።+ 11  ነቲ እተቘጽረ ገንዘብ ከኣ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዚግበር ዕዮ እተሸሙ ይህብዎም ነበሩ። ንሳቶም ድማ ነቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዚዓይዩ ጸረብቲ ዕንጨይትን ሃነጽትን+ 12  ነደቕትን ወቐርቲ እምንን ይኸፍልዎም ነበሩ። ንጽገና እቲ ፍራሳት ቤት የሆዋ ኸኣ ኣዕጫውን ውቑር ኣእማንን ዓደጉ፣ እቲ ገንዘብ እውን ንዅላ እታ ቤት ንምጽጋን ዝወጸ ኻልእ ወጻኢታት ንምሽፋን ተጠቕሙሉ። 13  ግናኸ፡ ካብቲ ናብ ቤት የሆዋ ዝመጸ ገንዘብ፡ ገለ እኳ ንቤት የሆዋ ገበራታት ብሩር፡ መቐዛት መጥፍኢ፡ ጭሔሎታት፡ መለኸታት፡+ ወይ ካልእ ኣቕሑ ወርቂ ወይ ብሩር ንምግባር ኣብ ጥቕሚ ኣይወዓለን።+ 14  ነቶም ዚዓይዩ ጥራይ ይህብዎም ነበሩ፣ ብእኡ ድማ ንቤት የሆዋ ጸገንዋ። 15  እቶም ንዓየይቲ ኺህቡ እቲ ገንዘብ እተዋህቦም ሰባት እሙናት ስለ ዝነበሩ፡ ንዓታቶም ኣይጸባጸብዎምን ነበሩ።+ 16  እቲ ገንዘብ መስዋእቲ በደልን+ ገንዘብ መስዋእቲ ሓጢኣትን ግና፡ ናብ ቤት የሆዋ ኣይመጸን፣ ንሱ ናይ ካህናት ኰነ።+ 17  ሽዑ፡ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፡ ንጋት+ ተዋጊኡ ሓዛ። ድሕሪኡ፡ ንየሩሳሌም ኬጥቅዓ ወሰነ።*+ 18  ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ኵሉ እቲ እቶም ነገስታት ይሁዳ ዝነበሩ ኣቦታቱ ዮሳፋጥን ዮራምን ኣሓዝያን ዝቐደስዎ ቕዱስ መባእን ንሱ ዝቐደሶ ቕዱስ መባእን ኵሉ ኣብ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን እተረኽበ ወርቅን ወሲዱ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ።+ ንሱ ድማ ካብ የሩሳሌም ኣንሰሓበ። 19  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣስ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 20  ንዮኣስ ግና ገላዉኡ ውዲት ኣለሙሉ፣+ ኣብታ ናብ ሲላ ኣብ እተውርድ መገዲ ዘላ ቤት ኵምራ*+ ኸኣ ቀተልዎ። 21  እቶም ወቒዖም ዝቐተልዎ ገላዉኡ ድማ፡ ዮዛካር ወዲ ሺምዓትን የሆዛባድ ወዲ ሾሜርን እዮም።+ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ዚፈልጥዎ።”
ወይ፡ “ነቓዓት።”
ወይ፡ “ኣብ ከረጺት ይገብርዎን።” ቃ.ቃ.፡ “ይኣስርዎን።”
ቃ.ቃ.፡ “ሓዛኤል ኣንጻር የሩሳሌም ኪድይብ ገጹ ኣቕንዐ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ቤት-ሚሎ።”