2 ነገስት 15:1-38

  • ዓዛርያ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-7)

  • ናይ መወዳእታ ነገስታት እስራኤል፦ ዘካርያስ (8-12)፡ ሻሉም (13-16)፡ ምናሔም (17-22)፡ ጴቃሕያ (23-26)፡ ጴቃሕ (27-31)

  • ዮታም፡ ንጉስ ይሁዳ (32-38)

15  ኣብ መበል 27 ዓመት የሮብዓም* ንጉስ እስራኤል፡ ዓዛርያ*+ ወዲ ኣማስያ+ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ።+  ኪነግስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 16 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 52 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ የኮልያ እዩ፣ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።  ንሱ ኸምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+  ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣+ እቲ ህዝቢ ኸኣ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+  የሆዋ ድማ ነቲ ንጉስ ወቕዖ፣ ንሱ ኸኣ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ድዉይ ነበረ፣+ ዮታም+ ወዲ ንጉስ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት* ኰይኑ ንህዝቢ እታ ምድሪ ኺፈርድ ከሎ ድማ፡ ንሱ ኣብ ፍልይቲ ቤት ይቕመጥ ነበረ።+  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዓዛርያ፡+ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧  ዓዛርያ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮታም ነገሰ።  ኣብ መበል 38 ዓመት ዓዛርያ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ዘካርያስ+ ወዲ የሮብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ነገሰ።  ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ድማ ኣየልገሰን።+ 10  ሻሉም ወዲ ያቤሽ ከኣ ውዲት ኣለመሉ እሞ ኣብ ዪብልዓም+ ወቒዑ ቐተሎ፡+ ኣብ ክንዳኡ እውን ነገሰ። 11  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዘካርያስ ድማ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 12  እቲ የሆዋ ንየሁ፡ “ኣርባዕተ ወለዶ ደቅኻ+ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም”+ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። ከምኡ ኸኣ ኰነ። 13  ኣብ መበል 39 ዓመት ዑዝያ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ሻሉም ወዲ ያቤሽ ነገሰ፣ ኣብ ሰማርያ ድማ ወርሒ ምሉእ ነገሰ። 14  ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸኣ ካብ ቲርጻ+ ናብ ሰማርያ ደዪቡ፡ ንሻሉም+ ወዲ ያቤሽ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ እውን ነገሰ። 15  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ሻሉምን እቲ ዝኣለሞ ውዲትን ድማ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 16  ሽዑ፡ ምናሔም ካብ ቲርጻ መጺኡ፡ ኣፍ ደገታታት ስለ ዘይከፈተትሉ፡ ንቲፍሳሕን ንዅሉ ኣብኣ ዝነበረን ንኸባቢኣን ወቕዐ። ንዓኣ ወቕዓ፡ ንጥኑሳታ እውን ቀደደን። 17  ኣብ መበል 39 ዓመት ዓዛርያ ንጉስ ይሁዳ፡ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፣ ኣብ ሰማርያ ኸኣ ዓሰርተ ዓመት ነገሰ። 18  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ከኣ ኣየልገሰን።+ 19  ጱል+ ንጉስ ኣሶር ድማ ናብታ ምድሪ መጸ፣ ምናሔም ከኣ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኽትጸንዕ ምእንቲ ኺድግፎ ኢሉ ንጱል 1,000 ታለንት* ብሩር ሃቦ።+ 20  ምናሔም ድማ ነቲ ብሩር ንምእካብ፡ ነቶም ምርኡያትን ሃብታምን ሰባት ኣገበሮም።+ ንንጉስ ኣሶር ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ 50 ሲቃል* ብሩር ሃቦ። ንጉስ ኣሶር ከኣ ተመልሰ፡ ኣብታ ምድሪ እውን ኣይጸንሐን። 21  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ምናሔም፡+ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 22  ምናሔም ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ጴቃሕያ ነገሰ። 23  ኣብ መበል 50 ዓመት ዓዛርያ ንጉስ ይሁዳ፡ ጴቃሕያ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ ክልተ ዓመት ድማ ነገሰ። 24  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ድማ ኣየልገሰን።+ 25  ጴቃሕ+ ወዲ ረማልያ እቲ ሓጋዚኡ ኸኣ ውዲት ኣለመሉ እሞ፡ ንዕኡ ምስ ኣርጎብን ኣርየን ኣብ ሰማርያ ኣብ እተዓርደ ግምቢ ቤት* ንጉስ ቀተሎ። ምስኡ ድማ 50 ሰብ ጊልዓድ ነበሩ፣ ንዕኡ ቐቲሉ ኸኣ፡ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 26  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ጴቃሕያ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 27  ኣብ መበል 52 ዓመት ዓዛርያ ንጉስ ይሁዳ፡ ጴቃሕ+ ወዲ ረማልያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 20 ዓመት ከኣ ነገሰ። 28  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ። ካብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ከኣ ኣየልገሰን።+ 29  ብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ቲግላት-ጲሌሰር+ ንጉስ ኣሶር ወሪሩ ንዒዮንን ንኣቤል-ቤት-ማዓካን+ ንያኖኣን ንቀደሽን+ ንሓጾርን ንጊልዓድን+ ንገሊላን፡ ንዅላ ምድሪ ንፍታሌም፡+ ሓዘን፣ ነቶም ነበርተን ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም።+ 30  ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ከኣ ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ውዲት ኣለመሉ፣ ኣብ መበል 20 ዓመት ዮታም+ ወዲ ዑዝያ ንዕኡ ወቒዑ ቐቲሉ ድማ፡ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 31  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ጴቃሕ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 32  ኣብ ካልአይቲ ዓመት ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤል፡ ዮታም+ ወዲ ዑዝያ+ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 33  ኪነግስ ከሎ ድማ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ የሩሻ እዩ፣ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ።+ 34  ንሱ ድማ ከምቲ ኣቦኡ ዑዝያ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+ 35  ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+ ንሱ ነቲ ላዕለዋይ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ሰርሖ።+ 36  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮታም፡ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 37  በተን መዓልትታት እቲአን፡ የሆዋ ንረጺን ንጉስ ሶርያን ንጴቃሕ+ ወዲ ረማልያን ኣንጻር ይሁዳ ኺሰድዶም ጀመረ።+ 38  ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝ ነገሰ።

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ዳግማይ የሮብዓም።
ትርጉሙ፡ “የሆዋ ረድአ።” ኣብ 2ነገ 15:13፣ 2ዜና 26:1-23፣ ኢሳ 6:1ዘካ 14:5 ዑዝያ ተባሂሉ ኣሎ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”