2 ነገስት 17:1-41

  • ሆሼዓ፡ ንጉስ እስራኤል (1-4)

  • ውድቀት እስራኤል (5, 6)

  • እስራኤል ብሰንኪ ኽሕደት ተማረኸ (7-23)

  • ጓኖት ናብ ከተማታት ሰማርያ መጹ (24-26)

  • እተሓናፈጸ ሃይማኖት ሳምራውያን (27-41)

17  ኣብ መበል 12 ዓመት ኣሓዝ ንጉስ ይሁዳ፡ ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ ትሽዓተ ዓመት ከኣ ገዝአ።  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ ግናኸ፡ ማዕረ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ኣይገበረን።  ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ከኣ ኣንጻሩ ደየበ፣+ ሆሼዓ ድማ ጊልያኡ ዀይኑ ግብሪ ገበረሉ።+  ንጉስ ኣሶር ግና፡ ሆሼዓ ኣብ ውዲት ኢዱ ኸም ዘእተወ ፈለጠ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ናብ ሶእ ንጉስ ግብጺ ልኡኻት ልኢኹ ነበረ፡+ ንንጉስ ኣሶር ከኣ ከምተን ዝቐደማ ዓመታት ኣይገበረሉን። ስለዚ፡ ንጉስ ኣሶር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓጸዎን ኣሰሮን።  ንጉስ ኣሶር ድማ ንብዘላ እታ ምድሪ ወረራ፣ ናብ ሰማርያ መጺኡ ኸኣ ሰለስተ ዓመት ከበባ።  ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ሆሼዓ፡ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ።+ ንህዝቢ እስራኤል ድማ ናብ ኣሶር ማሪኹ፡+ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦር ኣብ ፈለግ ጎዛንን+ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም።+  ህዝቢ እስራኤል ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ዘደየቦም የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝበደሉ እዩ እዚ ዝዀነ።+ ካልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣምለኹ፣*+  ልምድታት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣህዛብ ሰዓቡ፣ ነቲ ነገስታት እስራኤል ዘቘምዎ ልምድታት እውን ሰዓቡ።  እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኾም ቅኑዕ ዘይኰነ ነገራት ይስዕቡ ነበሩ። ኣብ ኵለን ከተማታቶም፡ ካብ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኽሳብ ኣብ እተዓርደት ከተማ፡* በረኽቲ ይሰርሑ ነበሩ።+ 10  ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዅርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ+ ኦምን ከኣ ሓወልትታት ኣምልኾን ኣዕኑድ ኣምልኾን* የቝሙ ነበሩ።+ 11  ኣብ ኵሉ እቲ በረኽቲ ድማ ከምቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚኦም ዝሰጐጎም ኣህዛብ ይዓጥኑ ነበሩ።+ ንየሆዋ ኬዀርይዎ ኢሎም ከኣ ክፉእ ይገብሩ ነበሩ። 12  ነቶም የሆዋ ብዛዕባኦም፡ “እዚ ኣይትግበሩ!” ዝበሎም+ ጽዩፋት ጣኦታት* የገልግልዎም ነበሩ።+ 13  የሆዋ ኸኣ ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዅሎም ነብያቱን ብዅሎም ሰብ ራእይን ገይሩ፡ “ካብ ክፉእ መገድታትኩም ተመለሱ።+ ከምቲ ንኣቦታትኩም ዝኣዘዝክዎምን ብገላዎይ ነብያት ገይረ ዝሰደድኩልኩምን ኵሉ ሕጊ ጌርኩም ትእዛዛተይን ሕግታተይን ሓልዉ” ኢሉ የጠንቅቖም ነበረ።+ 14  ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፣ ከምቶም ብየሆዋ ኣምላኾም ዘይኣመኑ ኣቦታቶም ደኣ ነቓጻት ኰኑ።*+ 15  ስርዓታቱን ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳኑን+ ኬጠንቅቖም ኢሉ ዝሃቦም መዘኻኸሪታቱን ይንዕቁ ነበሩ፣+ ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ የሆዋ ኸይመስልዎም ዝኣዘዞም ኣህዛብ ብምምሳል ከኣ፡+ ከንቱ ጣኦታት ይስዕቡ ነበሩ፣+ ንሳቶም እውን ከንቱ ዀኑ።+ 16  ኵሉ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኾም ሓዲጎም ድማ፡ ፍሱስ ምስልታትን ክልተ ምራኽን+ ዓንዲ ኣምልኾን*+ ገበሩ፣ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ከኣ ሰገዱሎም፡+ ንበዓል እውን ኣገልገልዎ።+ 17  ንኣወዳቶምን ንኣዋልዶምን ድማ ብሓዊ ኣሕለፍዎም፣+ ይጥንቍሉን+ ፋል ይደልዩን ነበሩ፣ ኬዀርይዎ ኢሎም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ንምግባር ርእሶም ወፈዩ።* 18  ስለዚ፡ የሆዋ ብእስራኤል ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሓቖም።+ ብዘይካ ነገድ ይሁዳ በይኑ፡ ካልእ ኣየትረፈን። 19  ይሁዳ እውን ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኾም ኣይሓለዉን፣+ በቲ እስራኤል ዝሰዓብዎ ልምድታት ከኣ ተመላለሱ።+ 20  የሆዋ ድማ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ነዓቖም፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም ከኣ ኣዋረዶምን ኣብ ኢድ ዘመትቲ ኣሕሊፉ ሃቦምን። 21  ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ቀደዶ፣ ንሳቶም ከኣ ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣንገስዎ።+ ግናኸ፡ የሮብዓም ንእስራኤል፡ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ኣርሓቖም፡ ዓብዪ ሓጢኣት እውን ኣሕጥኦም። 22  ህዝቢ እስራኤል ድማ ብዅሉ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣት ተመላለሱ።+ ካብኡ ኸኣ ኣየልገሱን። 23  የሆዋ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ብዅሎም ገላዉኡ ነብያት ኣቢሉ እተዛረቦ፡ ካብ ቅድሚኡ ኣርሓቖም።+ እስራኤል ከኣ ካብ ምድሩ ናብቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘለዎ ኣሶር ተማረኸ።+ 24  ንጉስ ኣሶር ድማ ካብ ባቢሎንን ካብ ኩታህን ካብ ዓዋን ካብ ሓማትን ካብ ሰፋርዋዪምን+ ህዝቢ ኣምጺኡ ኣብ ክንዲ እስራኤላውያን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣስፈሮም፣ ንሰማርያ ኸኣ ተረስተይዋ፡ ኣብ ከተማታታ እውን ተቐመጡ። 25  ኣብኡ ኪቕመጡ ምስ ጀመሩ፡ ንየሆዋ ኣይፈርህዎን።* ስለዚ፡ የሆዋ ኣናብስ ሰደደሎም፣+ ንሳቶም ድማ ካብቶም ህዝቢ ቐተሉ። 26  ንንጉስ ኣሶር ከኣ፡ “እቶም ኣግዒዝካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘስፈርካዮም ኣህዛብ ንሃይማኖት* ኣምላኽ እታ ምድሪ ኣይፈልጡን እዮም። ዋላ ሓዲኦም ንሃይማኖት ኣምላኽ እታ ምድሪ ስለ ዘይፈልጡ ድማ፡ ኣናብስ ይሰድደሎም ኣሎ፣ ንሳቶም ከኣ ይቐትልዎም ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ። 27  ሽዑ፡ ንጉስ ኣሶር፡ “ሓደ ኻብቶም ካብኡ ዝማረኽኩምዎም ካህናት፡ ኣብኡ ኺነብርን ሃይማኖት ኣምላኽ እታ ምድሪ ኺምህሮምን ናብኡ ምለሱ” ኢሉ ኣዘዘ። 28  ሓደ ኻብቶም ካብ ሰማርያ እተማረኹ ኻህናት ድማ ተመሊሱ ኣብ ቤት-ኤል ተቐመጠ፣+ ንሱ ኸኣ ንየሆዋ ኸመይ ገይሮም ከም ዚፈርህዎ* መሃሮም።+ 29  ግናኸ፡ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናቱ ኣምላኽ* ገበረ፣ ነዚ ድማ ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ ዝገበርዎ በረኽቲ ዝነበረ ኣባይቲ ኣምልኾ ኣንበርዎ። ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣብተን ዚነብሩለን ከተማታት ከምኡ ገበሩ። 30  ስለዚ፡ ሰብ ባቢሎን፡ ሱኮት-ቤኖት ገበሩ፣ ሰብ ኩት ከኣ፡ ኔርጋል ገበሩ፣ ሰብ ሓማት+ ድማ፡ ኣሺማ ገበሩ፣ 31  ዓዋውያን ከኣ፡ ኒብሓዝን ተርታቅን ገበሩ። ሰፋርዋዪማውያን ድማ ንኣድራመለክን ንዓናመለክን፡ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪም፡+ ደቆም ብሓዊ የንድዱ ነበሩ። 32  ንየሆዋ እኳ እንተ ፈርህዎ፡ ካብ ማንም ህዝቢ ንበረኽቲ ዚኸውን ካህናት ሸሙ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ኣብ በረኽቲ ዝነበረ ኣባይቲ ኣምልኾ የገልግልዎም ነበሩ።+ 33  በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ይፈርህዎ ነበሩ፣ ግናኸ፡ ከም ሃይማኖት* እቶም ካብ መንጎኦም ግዒዞም ዝወጹሎም ኣህዛብ ንኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ።+ 34  ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ናይ ቀደም ሃይማኖቶም* ይስዕቡ ኣለዉ። ዋላ ሓዲኦም ንየሆዋ ኣየምለኽዎን፣* ዋላ ሓዲኦም ከኣ ስርዓታቱን ፍርድታቱን እቲ የሆዋ ንደቂ እቲ እስራኤል ኢሉ ስሙ ዝለወጠሉ ያእቆብ+ ዝሃቦም ሕግን ትእዛዝን ኣይሰዓቡን። 35  የሆዋ ምስ እቲኣቶም ኪዳን ኣተወ፡+ ከምዚ ኢሉ እውን ኣዘዞም፦ “ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፍርህዎም፡ ኣይትስገዱሎም፡ ኣይተገልግልዎም፡ ኣይትሰውኡሎም እውን።+ 36  ነቲ ብዓብዪ ሓይልን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበኩም የሆዋ፡+ ንዕኡ ደኣ ፍርህዎ፡+ ንዕኡ ድማ ስገዱሉ፡ ንዕኡ እውን ሰውኡሉ። 37  ነቲ ዝጸሓፈልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ከኣ፡+ ወትሩ ተጠንቂቕኩም ስዓብዎ፣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣይትፍርህዎም። 38  ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣቶኽዎ ኺዳን ከኣ ኣይትረስዕዎ፣+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣይትፍርህዎም። 39  እቲ ኻብ ኢድ ኵሎም ጸላእትኹም ዜናግፈኩም የሆዋ ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ንዕኡ ደኣ ፍርህዎ።” 40  ንሳቶም ግና ናይ ቀደም ሃይማኖቶም* ሰዓቡ እምበር፡ ኣይተኣዘዙን።+ 41  ስለዚ፡ እዞም ኣህዛብ እዚኦም ንየሆዋ ይፈርህዎ ነበሩ፣+ ግናኸ፡ ንቕሩጽ ምስልታቶም እውን የገልግሉ ነበሩ። ደቆምን ደቂ ደቆምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለዉ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ፈርሁ።”
ማለት፡ ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ኣብቲ ውሑዳት ኰነ ብዙሓት ዝሰፈሩሉ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ቃ.ቃ.፡ “ከም ክሳድ እቶም ብየሆዋ ኣምላኾም ዘይኣመኑ ኣቦታቶም ደኣ ኽሳዶም ኣትረሩ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ሸጡ።”
ወይ፡ “ኣየምለኽዎን።”
ወይ፡ “ንሃይማኖታዊ ልምድታት።”
ወይ፡ “ዜምልኽዎ።”
ወይ፡ “ኣማልኽቲ።”
ወይ፡ “ሃይማኖታዊ ልምድታት።”
ወይ፡ “ሃይማኖታዊ ልምድታቶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣይፈርህዎን።”
ወይ፡ “ሃይማኖታዊ ልምድታቶም።”