2 ነገስት 18:1-37

  • ህዝቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-8)

  • ክለሳ ውድቀት እስራኤል (9-12)

  • ሰናክሪብ ንይሁዳ ወረራ (13-18)

  • እቲ ራብሳቀ ንየሆዋ ኣባጨወሉ (19-37)

18  ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ንጉስ እስራኤል፡ ህዝቅያስ+ ወዲ ኣሓዝ+ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ።  ኪነግስ ከሎ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 29 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኣቢ* እዩ፣ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።+  ንሱ ድማ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+  እቲ ንበረኽቲ ዘወገዶን+ ንሓወልትታት ኣምልኾ ዝሰባበሮን ንዓንዲ ኣምልኾ* ዝቘረጾን+ ንሱ እዩ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ነሓሲ ድማ ድርቅምቅም ኣበሎ።+ ከመይሲ፡ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ህዝቢ እስራኤል ንዕኡ ይዓጥኑሉ ነበሩ፣ ናይ ነሓሲ ጣኦት ተመን* ኢሎም እውን ይጽውዕዎ ነበሩ።  ንሱ ብየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፣*+ ካብቶም ድሕሪኡ ዀኑ ቕድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን።  ናብ የሆዋ ኸኣ ጠበቐ፣+ ካብ ምስዓቡ እውን ኣየልገሰን። እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛት ደኣ ሓለወ።  የሆዋ ድማ ምስኡ ነበረ። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ ብጥበብ ይመላለስ ነበረ። ካብ ንጉስ ኣሶር ከኣ ዓለወ፡ ከይግዝኦ እውን ኣበየ።+  ንፍልስጥኤማውያን+ ድማ ክሳብ ጋዛን ከባቢኣን፡ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ኽሳብ እተዓርደት ከተማ፡* ሰዓሮም።  ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ማለት ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ንጉስ እስራኤል፡ ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ኣንጻር ሰማርያ ደዪቡ ኸበባ።+ 10  ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ዓመት ከኣ ሓዝዋ፣+ ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት ህዝቅያስ፡ ማለት ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ሆሼዓ ንጉስ እስራኤል፡ ሰማርያ ተታሕዘት። 11  ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤል ናብ ኣሶር ማረኾም፣+ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦር ኣብ ፈለግ ጎዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ከኣ ኣስፈሮም።+ 12  እዚ ድማ ድምጺ የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዑ፡ ኪዳኑ፡ ማለት ኵሉ እቲ ሙሴ ጊልያ የሆዋ ዝኣዘዞ ስለ ዝጠሓሱ እዩ።+ ኣይሰምዑን፡ ኣይተኣዘዙን እውን። 13  ኣብ መበል 14 ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ኣንጻር ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሓዘን።+ 14  ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ “በዲለ እየ። ካባይ ኣንሳሕብ፣ እትስልዓለይ ዘበለ ኸኣ ክኸፍል እየ” በሎ። ንጉስ ኣሶር ድማ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸም መቕጻዕቲ 300 ታለንት* ብሩርን 30 ታለንት ወርቅን ኪኸፍል ሰልዓሉ። 15  ህዝቅያስ ከኣ እቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን እተረኽበ ዅሉ ብሩር ሃቦ።+ 16  ህዝቅያስ ድማ በታ ግዜ እቲኣ፡ ነቲ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ባዕሉ ዝለበጦ*+ መዓጹ ቤተ መቕደስ+ የሆዋን ልዳውትን ነቒሉ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ። 17  ንጉስ ኣሶር ከኣ ንታርታንን* ንራብሳሪስን* ንራብሳቀን* ምስ ብዙሕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ+ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ንጉስ ህዝቅያስ ሰደዶም።+ ናብ የሩሳሌም ደዪቦም ድማ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጐደና ግራት ሓጻባይ ዘሎ መትረብ ላዕለዋይ ሓጽቢ ቘሙ።+ 18  ንንጉስ ኪወጽእ ምስ ጸውዕዎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም+ ወዲ ሒልቅያን ሸብና+ እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ናባታቶም ወጹ። 19  እቲ ራብሳቀ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “በጃኹም፡ ንህዝቅያስ ከምዚ በልዎ፦ ‘እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “እንታይ መሰረት ስለ ዘሎካ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ፧+ 20  ‘ንውግእ ስልትን ሓይልን ኣሎኒ’ ትብል ኣለኻ፣ እዚ ግና ባዶ ቓላት እዩ። ብመን ተኣሚንካ ኢኻ ኻባይ ክትዓሉ ዝደፈርካ፧+ 21  እንሆ፡ ብደገፍ እዚ ንዚምርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዚኣቱ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ዝዀነ ግብጺ ተኣሚንካ ኣለኻ።+ ፈርኦን ንጉስ ግብጽስ ንዅሎም እቶም ዚእመንዎ ኸምኡ እዩ። 22  ‘ብየሆዋ ኣምላኽና ተኣሚንና ኣለና’+ እንተ ኢልኩምኒ ድማ፡ እቲ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ‘ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ኣብ የሩሳሌም ስገዱ’ ኢሉ+ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘወገደሉስ ንሱ ደይኰነን፧”’+ 23  ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ግዳ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ፦ ንስኻ ዚውጥሕዎም ክትረክብ እንተ ኽኢልካስ፡ 2,000 ፈረስ ክህበካ እየ።+ 24  ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ንምርካብ ኣብ ግብጺ ተኣሚንካ ኸለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብቶም ንኣሽቱ ገላዉ ጐይታይ ንሓደ ሹም እኳ ኽትመልስ እትኽእል፧ 25  ሕጅስ ብዘይ ፍቓድ የሆዋዶ ነዛ ቦታ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበ እየ፧ የሆዋ ደኣ እዩ፡ ‘ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣ ደዪብካ፡ ኣጥፍኣያ’ ኢሉ ልኢኹኒ።” 26  ሽዑ፡ ኤልያቂም ወዲ ሒልቅያን ሸብናን+ ዮኣሕን ነቲ ራብሳቀ፡+ “ክንሰምዖ ንኽእል ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ንገላዉኻ ብኣራማይስጢ*+ ተዛረበና፣ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብቛንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።+ 27  እቲ ራብሳቀ ግና፡ “ጐይታይሲ እዚ ቓላት እዚ ንጐይታኻን ንዓኻን ጥራይ ክዛረብ ድዩ ልኢኹኒ፧ ነቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ሓርኦም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባት እውን ደይኰነን፧” በሎም። 28  ሽዑ፡ እቲ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ ከምዚ ኢሉ ዓው ኢሉ ጨደረ፦ “ቃል እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።+ 29  ንጉስ ከምዚ ይብል፦ ‘ህዝቅያስ ካብ ኢደይ ኬናግፈኩም ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ኣየታልልኩም።+ 30  ህዝቅያስ ድማ፡ “የሆዋ ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ብየሆዋ ኣየአምንኩም።+ 31  ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “ምሳይ ሰላም ግበሩ፡ ኢድኩም ድማ ሃቡ፣* ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ካብ ተኽሊ ወይኑን ካብ ኦም በለሱን ይብላዕ፡ ካብ መዕቘር ማዩ እውን ይስተ፣ 32  መጺአ ነዛ ምድርኹም ናብ እትመስል ምድሪ፡+ ናብ ምድሪ እኽልን ጕዕሽ ወይንን፡ ናብ ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ምድሪ ኣእዋም ኣውልዕን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ከምኡ ግበሩ። ሽዑ፡ ብህይወት ክትነብሩ እምበር፡ ኣይክትሞቱን ኢኹም። ህዝቅያስ፡ ‘የሆዋ ኼናግፈና እዩ’ ኢሉ ኼስሕተኩም ከሎስ፡ ኣይትስምዕዎ። 33  ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ንምድሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፈዶ ኣሎ፧ 34  ኣማልኽቲ ሓማትን+ ኣርጳድን ኣበይ ኣለዉ፧ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምን+ ሄናዕን ዒዋህንከ ኣበይ ኣለዉ፧ ንሰማርያዶ ኻብ ኢደይ ኣናጊፎምዋ እዮም፧+ 35  የሆዋ ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ዜናግፋስ፡ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ሃገራት ንምድሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ መን ኣሎ፧”’”+ 36  ንጉስ፡ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፡ ሓንቲ ቓል እውን ኣይመለሱሉን።+ 37  እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም ወዲ ሒልቅያን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ከኣ፡ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ እቲ ራብሳቀ ነገርዎ።

እግረ ጽሑፍ

ናይ ኣብያ ኣሕጽሮት።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ነሑሽታን።”
ወይ፡ “ተወከለ።”
ማለት፡ ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ኣብቲ ውሑዳት ኰነ ብዙሓት ዝሰፈሩሉ።
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ማለት፡ ብወርቂ ዝለበጦ።
ወይ፡ “ንኣዛዝን።”
ወይ፡ “ንሓለቓ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን።”
ወይ፡ “ንሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተን።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ብቛንቋ ሶርያ።”
ቃ.ቃ.፡ “ምሳይ በረኸት ግበሩ፡ ናባይ ድማ ውጹ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”