2 ነገስት 19:1-37
19 ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ ማቕ ተኸድነ፡ ናብ ቤት የሆዋ ድማ ኣተወ።+
2 ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂምን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ንዓበይቲ ኻህናትን ማቕ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ኪኸዱ ሰደዶም።
3 ንሳቶም ከኣ ከምዚ በልዎ፦ “ህዝቅያስ ከምዚ ይብል፦ ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጭንቅን መግናሕትን* ውርደትን እያ፣ ሕጻናት ኪውለዱ ኢሎም ነይሮምሲ፡* ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳኢኑ።+
4 ምናልባት የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኵሉ ቓላት እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ ኬባጭወሉ ዝለኣኾ ራብሳቀ ሰሚዑ ይኸውን፣+ በቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሰምዖ ቓላት ድማ ተሓታቲ ይገብሮ ይኸውን። እምበኣር፡ ምእንቲ እዚ ዝተረፈ ተረፍ ጸሎት ኣዕርግ።’”+
5 እቶም ገላዉ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ ከዱ።+
6 ኢሳይያስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “በቲ ገላዉ ንጉስ ኣሶር ኪጸርፉኒ+ ዝሰማዕካዮ ቓላት ኣይትፍራህ።+
7 እንሆ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ሓሳብ* ከእቱ እየ፣ ንሱ ኸኣ ወረ ሰሚዑ ናብ ምድሩ ኺምለስ እዩ፣ ኣብ ምድሩ ድማ ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።”’”+
8 እቲ ራብሳቀ ኸኣ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ከም ዝነቐለ ምስ ሰምዐ፡+ ናብኡ ተመልሰ፡ ምስ ሊብና ኺዋጋእ ድማ ረኸቦ።+
9 ንጉስ ድማ ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ “እንሆ፡ ኪዋግኣካ ወጺኡ ኣሎ” ኺብሃል ሰምዐ። መሊሱ ኸኣ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦+
10 “ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፦ ‘እቲ እትእመኖ ኣምላኽካ፡ “የሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ኣየታልልካ።+
11 እንሆ፡ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት ብምጥፋእ ዝገበርወን ሰሚዕካዮ ኣለኻ።+ ንስኻ በይንኻዶ ኽትናገፍ ኢኻ፧
12 ኣማልኽቲ እቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብዶ ኣናጊፎምዎም እዮም፧ ጎዛንን ካራንን+ ሬጸፍን እቶም ኣብ ቴል-ኣሳር ዝነበሩ ህዝቢ ኤደንን ኣበይ ኣለዉ፧
13 ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማታት ሰፋርዋዪምን ሄናዕን ዒዋህንከ ኣበይ ኣለዉ፧’”+
14 ህዝቅያስ ድማ ነተን ደብዳበታት ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበበን። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት የሆዋ ደዪቡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘርግሐን።*+
15 ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦+ “ኦ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን እትቕመጥ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡+ ንስኻ በይንኻ ናይ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ።+ ንሰማያትን ንምድርን ንስኻ ኢኻ ጌርካዮ።
16 ኦ የሆዋ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣዒንትኻ ኽፈት+ እሞ ርአ። ሰናክሪብ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምብጫው ዝለኣኾ ቓላት ስማዕ።
17 ኦ የሆዋ፡ ነገስታት ኣሶር ንኣህዛብን ንምድሮምን ከም ዘባደሙስ ሓቂ እዩ።+
18 ንኣማልኽቶም እውን ናብ ሓዊ ደርብዮምዎም እዮም፣ ከመይሲ፡ ንሳቶም ብኢድ ሰብ እተሰርሑ ዕንጨይትን እምንን እዮም እምበር፡+ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።+ ስለዚ እዮም ዘጥፍእዎም።
19 ሕጂ ግና፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ኻብ ኢዱ ኣድሕነና።”+
20 ሽዑ፡ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ዝጸለኻዮ ጸሎት ሰሚዐዮ ኣለኹ።+
21 እቲ የሆዋ ኣንጻሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦
“ድንግል ጓል ጽዮን ንዒቓትካን ኣላጊጻትልካን።
ጓል የሩሳሌም ርእሳ ነቕኒቓትልካ።
22 ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝጸረፍካዮን፧+
ንመን ኢኻ ድምጽኻ ዓው ዘበልካሉ፧+
ንመንከ ኢኻ እተን ዕቡያት ኣዒንትኻ ዘልዓልካሉ፧
ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።+
23 ብልኡኻትካ+ ንየሆዋ ኸምዚ ኢልካ ኣባጪኻሉ፦+
‘ብብዙሓት ሰረገላታተይናብ ልዑል ኣኽራን፡
ናብ ግሉል ክፋላት ሊባኖስ ክድይብ፡ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሳቱ፡ ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱ* ክቘርጽ፡ናብቲ ዝረሓቐ መዕቈቢኡ፡ ናብቲ ጽዑቕ ዱሩ ኸኣ ክኣቱ እየ።
24 ዒላታት ኵዒተ ጓና ማያት ክሰቲ፡ንዅሉ ርባታት* ግብጺ ኸኣ ብኸብዲ እግረይ ከንቅጾ እየ።’
25 ኣይሰማዕካን ዲኻ፧ ካብ ጥንቲ ተወሲኑ* እዩ።+
ካብ ቀደም ኣዳልየዮ* እየ።+
ሕጂ ኸምጽኦ እየ።+
ንእተዓርዳ ኸተማታት ኵምራታት ዑና ኽትገብረን ኢኻ።+
26 ነበርተን ድማ ረዳኢ ኣልቦ ኪዀኑ እዮም፣ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም።
ከም ኣትክልቲ መሮር፡ ከም ለምለም ሳዕሪ፡+ከምቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሓረረ ሳዕሪ ናሕሲ ኪዀኑ እዮም።
27 ኣነ ግና መዓስ ከም እትቕመጥን እትወጽእን እትኣቱን፡+መዓስ ከኣ ከም እትንድረለይ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣+
28 ከመይሲ፡ እቲ ዝነደርካለይን+ ዝጨደርካለይን ናብ ኣእዛነይ በጺሑ እዩ።+
ስለዚ፡ ዓንቃሪቦይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡ ልጓመይ+ ድማ ኣብ መንጎ ኸናፍርካ ኽገብር፡በታ ዝመጻእካላ መገዲ ኸኣ ክመልሰካ እየ።”+
29 “‘እዚ ድማ ንዓኻ* ምልክት ይኹንካ፦ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡* ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዕ ኢኻ፣+ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዓጽዱን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም።+
30 እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ዘምለጡ ተረፍ፡+ ናብ ታሕቲ ሱር ኪሰድዱ፡ ናብ ላዕሊ ኸኣ ፍረ ኺፈርዩ እዮም።
31 ከመይሲ፡ ካብ የሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሓኑ ኺወጹ እዮም። ቅንኣት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብሮ እዩ።+
32 “‘ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦+
“ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱን፡+ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይኪውርውርን፡ብዋልታ መኪቱ ኸኣ ኣይኪገጥመላን፡ዕርዲ ኸበባ እውን ኣይኪዅምረላን እዩ።+
33 በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ እዩ፣ናብዛ ኸተማ እዚኣ እውን ኣይኪኣቱን እዩ” ይብል የሆዋ።
34 “ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ምእንታይን+ምእንቲ ዳዊት ጊልያይን+ ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ።”’”+
35 በታ ለይቲ እቲኣ፡ መልኣኽ የሆዋ ወጺኡ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን 185,000 ሰባት ቀተለ።+ ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ንዅሉ እቲ ሬሳታት ረኣይዎ።+
36 ሽዑ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ነቒሉ ናብ ነነዌ+ ተመልሰ፡ ኣብኣ እውን ተቐመጠ።+
37 ኣብ ቤት* ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ ኸኣ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጽርን ብሰይፊ ቐተልዎ፣+ ናብ ምድሪ ኣራራት+ ድማ ኣምለጡ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳር-ሓዶን+ ነገሰ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
^ ወይ፡ “ጸርፍን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኣፍ ማሕጸን መጺኦምሲ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብኡ መንፈስ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዘርግሓ።”
^ ወይ፡ “መንጎ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ነቲ ናቱ ሕሩይ ኣእዋም ተርሚን።”
^ ወይ፡ “መትረባት ኒል።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ተገይሩ።”
^ ወይ፡ “ሰሪሐዮ።”
^ ወይ፡ “ዝባለገ።”
^ ማለት፡ ንህዝቅያስ።
^ ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”