2 ነገስት 19:1-37

  • ህዝቅያስ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ረድኤት ኣምላኽ ደለየ (1-7)

  • ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ኣስግኣ (8-13)

  • ጸሎት ህዝቅያስ (14-19)

  • ኢሳይያስ ምላሽ ኣምላኽ ኣመሓላለፈ (20-34)

  • መልኣኽ፡ 185,000 ኣሶራውያን ቀተለ (35-37)

19  ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ ማቕ ተኸድነ፡ ናብ ቤት የሆዋ ድማ ኣተወ።+  ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂምን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ንዓበይቲ ኻህናትን ማቕ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ኪኸዱ ሰደዶም።  ንሳቶም ከኣ ከምዚ በልዎ፦ “ህዝቅያስ ከምዚ ይብል፦ ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጭንቅን መግናሕትን* ውርደትን እያ፣ ሕጻናት ኪውለዱ ኢሎም ነይሮምሲ፡* ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳኢኑ።+  ምናልባት የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኵሉ ቓላት እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ ኬባጭወሉ ዝለኣኾ ራብሳቀ ሰሚዑ ይኸውን፣+ በቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሰምዖ ቓላት ድማ ተሓታቲ ይገብሮ ይኸውን። እምበኣር፡ ምእንቲ እዚ ዝተረፈ ተረፍ ጸሎት ኣዕርግ።’”+  እቶም ገላዉ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ ከዱ።+  ኢሳይያስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “በቲ ገላዉ ንጉስ ኣሶር ኪጸርፉኒ+ ዝሰማዕካዮ ቓላት ኣይትፍራህ።+  እንሆ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ሓሳብ* ከእቱ እየ፣ ንሱ ኸኣ ወረ ሰሚዑ ናብ ምድሩ ኺምለስ እዩ፣ ኣብ ምድሩ ድማ ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።”’”+  እቲ ራብሳቀ ኸኣ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ከም ዝነቐለ ምስ ሰምዐ፡+ ናብኡ ተመልሰ፡ ምስ ሊብና ኺዋጋእ ድማ ረኸቦ።+  ንጉስ ድማ ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ “እንሆ፡ ኪዋግኣካ ወጺኡ ኣሎ” ኺብሃል ሰምዐ። መሊሱ ኸኣ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦+ 10  “ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፦ ‘እቲ እትእመኖ ኣምላኽካ፡ “የሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ኣየታልልካ።+ 11  እንሆ፡ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት ብምጥፋእ ዝገበርወን ሰሚዕካዮ ኣለኻ።+ ንስኻ በይንኻዶ ኽትናገፍ ኢኻ፧ 12  ኣማልኽቲ እቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብዶ ኣናጊፎምዎም እዮም፧ ጎዛንን ካራንን+ ሬጸፍን እቶም ኣብ ቴል-ኣሳር ዝነበሩ ህዝቢ ኤደንን ኣበይ ኣለዉ፧ 13  ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማታት ሰፋርዋዪምን ሄናዕን ዒዋህንከ ኣበይ ኣለዉ፧’”+ 14  ህዝቅያስ ድማ ነተን ደብዳበታት ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበበን። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት የሆዋ ደዪቡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘርግሐን።*+ 15  ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦+ “ኦ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን እትቕመጥ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡+ ንስኻ በይንኻ ናይ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ።+ ንሰማያትን ንምድርን ንስኻ ኢኻ ጌርካዮ። 16  ኦ የሆዋ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣዒንትኻ ኽፈት+ እሞ ርአ። ሰናክሪብ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምብጫው ዝለኣኾ ቓላት ስማዕ። 17  ኦ የሆዋ፡ ነገስታት ኣሶር ንኣህዛብን ንምድሮምን ከም ዘባደሙስ ሓቂ እዩ።+ 18  ንኣማልኽቶም እውን ናብ ሓዊ ደርብዮምዎም እዮም፣ ከመይሲ፡ ንሳቶም ብኢድ ሰብ እተሰርሑ ዕንጨይትን እምንን እዮም እምበር፡+ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።+ ስለዚ እዮም ዘጥፍእዎም። 19  ሕጂ ግና፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ኻብ ኢዱ ኣድሕነና።”+ 20  ሽዑ፡ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ዝጸለኻዮ ጸሎት ሰሚዐዮ ኣለኹ።+ 21  እቲ የሆዋ ኣንጻሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦ “ድንግል ጓል ጽዮን ንዒቓትካን ኣላጊጻትልካን። ጓል የሩሳሌም ርእሳ ነቕኒቓትልካ። 22  ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝጸረፍካዮን፧+ ንመን ኢኻ ድምጽኻ ዓው ዘበልካሉ፧+ ንመንከ ኢኻ እተን ዕቡያት ኣዒንትኻ ዘልዓልካሉ፧ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።+ 23  ብልኡኻትካ+ ንየሆዋ ኸምዚ ኢልካ ኣባጪኻሉ፦+ ‘ብብዙሓት ሰረገላታተይናብ ልዑል ኣኽራን፡ ናብ ግሉል ክፋላት ሊባኖስ ክድይብ፡ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሳቱ፡ ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱ* ክቘርጽ፡ናብቲ ዝረሓቐ መዕቈቢኡ፡ ናብቲ ጽዑቕ ዱሩ ኸኣ ክኣቱ እየ። 24  ዒላታት ኵዒተ ጓና ማያት ክሰቲ፡ንዅሉ ርባታት* ግብጺ ኸኣ ብኸብዲ እግረይ ከንቅጾ እየ።’ 25  ኣይሰማዕካን ዲኻ፧ ካብ ጥንቲ ተወሲኑ* እዩ።+ ካብ ቀደም ኣዳልየዮ* እየ።+ ሕጂ ኸምጽኦ እየ።+ ንእተዓርዳ ኸተማታት ኵምራታት ዑና ኽትገብረን ኢኻ።+ 26  ነበርተን ድማ ረዳኢ ኣልቦ ኪዀኑ እዮም፣ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም። ከም ኣትክልቲ መሮር፡ ከም ለምለም ሳዕሪ፡+ከምቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሓረረ ሳዕሪ ናሕሲ ኪዀኑ እዮም። 27  ኣነ ግና መዓስ ከም እትቕመጥን እትወጽእን እትኣቱን፡+መዓስ ከኣ ከም እትንድረለይ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣+ 28  ከመይሲ፡ እቲ ዝነደርካለይን+ ዝጨደርካለይን ናብ ኣእዛነይ በጺሑ እዩ።+ ስለዚ፡ ዓንቃሪቦይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡ ልጓመይ+ ድማ ኣብ መንጎ ኸናፍርካ ኽገብር፡በታ ዝመጻእካላ መገዲ ኸኣ ክመልሰካ እየ።”+ 29  “‘እዚ ድማ ንዓኻ* ምልክት ይኹንካ፦ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡* ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዕ ኢኻ፣+ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዓጽዱን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም።+ 30  እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ዘምለጡ ተረፍ፡+ ናብ ታሕቲ ሱር ኪሰድዱ፡ ናብ ላዕሊ ኸኣ ፍረ ኺፈርዩ እዮም። 31  ከመይሲ፡ ካብ የሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሓኑ ኺወጹ እዮም። ቅንኣት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብሮ እዩ።+ 32  “‘ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦+ “ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱን፡+ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይኪውርውርን፡ብዋልታ መኪቱ ኸኣ ኣይኪገጥመላን፡ዕርዲ ኸበባ እውን ኣይኪዅምረላን እዩ።+ 33  በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ እዩ፣ናብዛ ኸተማ እዚኣ እውን ኣይኪኣቱን እዩ” ይብል የሆዋ። 34  “ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ምእንታይን+ምእንቲ ዳዊት ጊልያይን+ ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ።”’”+ 35  በታ ለይቲ እቲኣ፡ መልኣኽ የሆዋ ወጺኡ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን 185,000 ሰባት ቀተለ።+ ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ንዅሉ እቲ ሬሳታት ረኣይዎ።+ 36  ሽዑ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ነቒሉ ናብ ነነዌ+ ተመልሰ፡ ኣብኣ እውን ተቐመጠ።+ 37  ኣብ ቤት* ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ ኸኣ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጽርን ብሰይፊ ቐተልዎ፣+ ናብ ምድሪ ኣራራት+ ድማ ኣምለጡ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳር-ሓዶን+ ነገሰ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ጸርፍን።”
ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኣፍ ማሕጸን መጺኦምሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብኡ መንፈስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘርግሓ።”
ወይ፡ “መንጎ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነቲ ናቱ ሕሩይ ኣእዋም ተርሚን።”
ወይ፡ “መትረባት ኒል።”
ቃ.ቃ.፡ “ተገይሩ።”
ወይ፡ “ሰሪሐዮ።”
ወይ፡ “ዝባለገ።”
ማለት፡ ንህዝቅያስ።
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”