2 ነገስት 20:1-21

  • ህዝቅያስ ሓመመን ሓወየን (1-11)

  • ካብ ባቢሎን ዝመጹ ልኡኻት (12-19)

  • ሞት ህዝቅያስ (20, 21)

20  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ።+ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሓውን ኢኻ እሞ፡ ንቤተ ሰብካ ተላቦ’” በሎ።+  ንሱ ኸኣ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ከምዚ ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ፦  “ኦ የሆዋ፡ እልምነካ ኣለኹ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ከም እተመላለስኩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እውን ጽቡቕ ከም ዝገበርኩ በጃኻ ዘክር።”+ ህዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።  ኢሳይያስ ገና ናብ ማእከል እቲ ኣጸድ ከይወጸ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጾ፦+  “ተመሊስካ ንህዝቅያስ እቲ መራሕ ህዝበይ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ “ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ንብዓትካ እውን ርእየ እየ።+ እንሆ ድማ፡ አሕውየካ ኣለኹ።+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት የሆዋ ኽትድይብ ኢኻ።+  ኣብ ዕድመኻ* 15 ዓመት ክውስኸልካ እየ፣ ንዓኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፣+ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ጊልያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ።”’”+  ኢሳይያስ ድማ፡ “ጎጎ በለስ ኣምጽኡ” በለ። ኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ምጕልንጭዋ ገበሩሉ፣ ድሕሪኡ፡ በብቝሩብ ሓወየ።+  ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ “የሆዋ ኸም ዜሕውየኒ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ናብ ቤት የሆዋ ኸም ዝድይብ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧”+ ኢሉ ሓቲትዎ ነበረ።  ኢሳይያስ ከኣ፡ “የሆዋ ነቲ እተዛረቦ ቓል ከም ዚፍጽሞስ፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፦ እቲ ጽላሎት ኣብቲ መደያይቦ* ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚት ይኺድዶ፡ ወይስ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ይመለስ፧”+ ኢሉ መለሰ። 10  ህዝቅያስ ድማ፡ “እቲ ጽላሎት ዓሰርተ ደረጃ ኺዝርጋሕ እሞ ቐሊል እዩ፣ ዓሰርተ ደረጃ ኺምለስ ግና ቀሊል ኣይኰነን” በለ። 11  ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ናብ የሆዋ ተማህለለ፣ ንሱ ድማ ነቲ ጽላሎት ኣብቲ መደያይቦ ኣሓዝ ካብቲ ወሪዱሉ ዝነበረ ደረጃታት ዓሰርተ ደረጃ ኸም ዚምለስ ገበሮ።+ 12  በታ ግዜ እቲኣ፡ በሮዳክ-ባላዳን ወዲ ባላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝነበረ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡+ ንህዝቅያስ ደብዳበታትን ህያብን ሰደደሉ። 13  ህዝቅያስ ከኣ ተቐበሎም* እሞ፡ ብዘሎ ቤት መዝገቡ፡+—ብሩርን ወርቅን ዘይቲ በለሳንን ካልእ ክቡር ዘይትን ቤት ኣጽዋሩን ኵሉ እቲ ኣብ መዛግብቱ እተረኽበን፡—ኣርኣዮም። ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤቱን* ኣብ ኵሉ ግዝኣቱን ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን። 14  ድሕርዚ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ኢሎምኻ፧ ካበይከ መጺኦምኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን እዮም መጺኦም” በሎ።+ 15  ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ቤትካኸ* እንታይ ርእዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ኣብ ቤተይ* ዘሎ ዅሉ ርእዮም እዮም። ኣብ መዛግብተይ ዘየርኣኽዎም ነገር የልቦን” ኢሉ መለሰ። 16  ኢሳይያስ ከኣ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦ “ቃል የሆዋ ስማዕ፦+ 17  ‘እንሆ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ቤትካ* ዘሎን ኵሉ እቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ።+ ገለ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ’ ይብል የሆዋ። 18  ‘ገለ ኻብቶም እትወልዶም ደቅኻ እውን ኪውሰዱን+ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ባቢሎን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ኪዀኑን እዮም።’”+ 19  ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንኢሳይያስ፡ “እቲ እተዛረብካዮ ቓል የሆዋ ጽቡቕ እዩ” በሎ።+ ወሲኹ ድማ፡ “ብዘመነይ* ሰላምን ርግኣትን* እንተ ኣልዩ፡ ጽቡቕ እዩ” በለ።+ 20  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ህዝቅያስ፡ ኵሉ እቲ ሓይሉን ከመይ ሓጽብን+ መትረብን ከም ዝገበረን ናብ ከተማ ማይ ከም ዘእተወን፡+ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 21  ህዝቅያስ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ምናሴ+ ነገሰ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታትካ።”
ምናልባት እቲ መደያይቦ ኸም ሰዓት ጸሓይ ግዜ ንምቝጻር ዜገልግል እዩ ነይሩ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቱን።”
ወይ፡ “ሰምዖም።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስትኻኸ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስተይ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስትኻ።”
ወይ፡ “ሓቅን።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታተይ።”