2 ነገስት 21:1-26

  • ምናሴ፡ ንጉስ ይሁዳ፣ ንሱ ዘፍሰሶ ደም (1-18)

    • የሩሳሌም ከም እትጠፍእ ተነግረ (12-15)

  • ኣሞን፡ ንጉስ ይሁዳ (19-26)

21  ምናሴ+ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 12 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 55 ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ ሔፍጺባ እዩ።  ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ፍንፉን ተግባራት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ።+  ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፣+ ከምቲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ኸኣ፡+ ንበዓል መሰውኢታት ኣቘመ፡ ዓንዲ ኣምልኾ* እውን ገበረ።+ ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት ድማ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።+  ኣብታ የሆዋ፡ “ኣብ የሩሳሌም ስመይ ከንብር እየ” ዝበለላ ቤት የሆዋ ኸኣ፡+ መሰውኢታት ሰርሐ።+  ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት+ ድማ ኣብቲ ኽልተ ኣጸድ ቤት የሆዋ መሰውኢታት ሰርሓሎም።+  ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፣ ስሒር ገበረ፡ ፋል ደለየ፡+ ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ድማ ገበረ።+ ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ።  ነቲ ንሱ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ዓንዲ ኣምልኾ*+ ኸኣ ኣብታ ቤት ኣንበሮ፣ ብዛዕባኣ ግና የሆዋ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን፡ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንሓዋሩ ኸንብር እየ።+  ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዎም፡ ብዘሎ እቲ ጊልያይ ሙሴ ኺስዕብዎ ዝኣዘዞም ሕጊ ተጠንቂቖም እንተ ሓልዮም፡+ ንኣእጋር እስራኤል ካብታ ንኣቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣይከዀብልልን እየ”+ ኢሉ ነበረ።  ንሳቶም ግና ኣይተኣዘዙን፣ ምናሴ ድማ ካብቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ኺገብሩ የስሕቶም ነበረ።+ 10  የሆዋ ኸኣ ብገላዉኡ ነብያት ኣቢሉ ኸምዚ ይብሎም ነበረ፦+ 11  “ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገራት ገይሩ ኣሎ፣ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሞራውያን+ ዝኸፍአ ገይሩ ኣሎ፣+ ንይሁዳ ኸኣ ብጽዩፋት ጣኦታቱ* ኣሕጢእዎ። 12  ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን+ ይሁዳን ንዝሰምዖ ዘበለ ኽልቲአን ኣእዛኑ ጸላዕላዕ ዜብል መዓት አምጽእ ኣለኹ።+ 13  ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ እቲ ሰማርያ+ እተለክዓትሉ ገመድ መለክዒ+ ኽዝርግሕ፡ እቲ ቤት ኣከኣብ+ እተዓቀነትሉ መዐቀኒ ጽፍሒ* እውን ክጥቀም እየ። ከምቲ ሰብ ንጻሕሊ ወልዊሉ ዜጽርዮ እሞ ወልዊሉ ብኣፉ ዚደፍኦ፡ ኣነ እውን ንየሩሳሌም ወልዊለ ኸጽርያ እየ።+ 14  ንተረፍ ርስተይ ከኣ ክጥንጥኖም እየ፣+ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፣ ብዅሎም ጸላእቶም እውን ኪዝመቱን ኪማረኹን እዮም።+ 15  ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ገይሮም እዮም፣ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ኣትሒዞም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እውን ኣዀርዮምኒ እዮም።’”+ 16  ምናሴ ኸኣ ብዘይካ እቲ ንይሁዳ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ከም ዚገብር ብምግባሩ ዝሓጥኦ ሓጢኣት፡ ንየሩሳሌም ካብ ሓደ ወሰን ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ ዚመልኣ ኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ።+ 17  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ምናሴን ኵሉ እቲ ዝገበሮን እቲ ዝሓጥኦ ሓጢኣትን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 18  ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቤቱ፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዑዛ ኸኣ ተቐብረ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ። 19  ኣሞን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ መሹለመት እዩ፣ ንሳ ጓል ሓሩጽ ብዓል ዮጥባ እያ። 20  ንሱ ድማ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ 21  ብዅሉ እቲ ኣቦኡ እተመላለሶ መገድታት ተመላለሰ፣ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጽዩፋት ጣኦታት ከኣ የገልግሎምን ይሰግደሎምን ነበረ።+ 22  ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ድማ ሓደጎ፣ ብመገዲ የሆዋ እውን ኣይተመላለሰን።+ 23  ገላዉ ኣሞን ድማ ውዲት ኣለሙሉ እሞ ንንጉስ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። 24  ህዝቢ እታ ምድሪ ግና ንዅሎም እቶም ንንጉስ ኣሞን ውዲት ዝኣለሙሉ ቐተሎም፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ።+ 25  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣሞን፡ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 26  ኣብ መቓብሩ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዑዛ ድማ ተቐብረ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮስያስ+ ነገሰ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ወይ፡ “መለክዒ መንደቕ፣ ኣድማስ፣ ቢምቦ።”