2 ነገስት 22:1-20

  • ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ (1, 2)

  • ብዛዕባ ጽገና እታ ቤተ መቕደስ እተዋህበ መምርሒ (3-7)

  • መጽሓፍ ሕጊ ተረኽበት (8-13)

  • ሑልዳ እተነበየቶ ናይ መዓት ትንቢት (14-20)

22  ዮስያስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 31 ዓመት ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ የዲዳ እዩ፣ ንሳ ጓል ዓዳያ ብዓል ቦጽቃት+ እያ።  ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ፣ ብዅሉ መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ተመላለሰ፣+ ናብ የማን ኰነ ናብ ጸጋም ኣየላገሰን።  ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ ዮስያስ፡ ንጉስ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ወዲ ኣጻልያ ወዲ መሹላም፡ ናብ ቤት የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ለኣኾ፦+  “ናብ ሒልቅያ+ እቲ ሊቀ ኻህናት ደይብ፣ ንሱ ድማ ነቲ እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ኻብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ ናብ ቤት የሆዋ ዝኣተወ ገንዘብ ይኣክቦ።+  ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ቤት የሆዋ እተሸሙ ኸኣ ይሃብዎም፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ንፍራሳት* እታ ቤት ንምጽጋን ኣብ ቤት የሆዋ ዚዓይዩ ዓየይቲ፡+  ማለት ንኢደ ጥበበኛታትን ንሃነጽትን ንነደቕትን ይሃብዎም፣ ንሳቶም ድማ ብእኡ ነታ ቤት ንምጽጋን ዚኸውን ኣዕጫውን ውቑር ኣእማንን ይዓድጉ።+  እሙናት ስለ ዝዀኑ ግና፡ ነቲ እተዋህቦም ገንዘብ ኣይጸባጸብዎም።”+  ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡+ “ኣብ ቤት የሆዋ መጽሓፍ ሕጊ+ ረኺበ” በሎ። ሒልቅያ ድማ፡ እታ መጽሓፍ ንሻፋን ሃቦ፣ ንሱ ኸኣ ኣንበባ።+  ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ናብ ንጉስ ከይዱ፡ “ገላዉኻ ነቲ ኣብታ ቤት እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦምዎ፣ ነቶም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ቤት የሆዋ እተሸሙ ኸኣ ሂቦምዎም” ኢሉ ነገሮ።+ 10  ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ “ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት መጽሓፍ+ ሂቡኒ” ኢሉ ነገሮ። ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበባ። 11  ንጉስ ነቲ ቓላት እታ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።+ 12  ንጉስ ድማ ንኻህን ሒልቅያን ንኣሒቃም+ ወዲ ሻፋንን ንዓኽቦር ወዲ ሚካያን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ እቲ ጊልያ ንጉስን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 13  “ኣቦታትና ንቓላት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸምቲ ዅሉ ብዛዕባና እተጻሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ እቲ ኣባና ነዲዱ ዘሎ ነድሪ የሆዋ ዓብዪ እዩ እሞ፡+ ኬድኩም ብዛዕባ እዚ ኣብዛ እተረኽበት መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ቓላት ምእንታይን ምእንቲ እዚ ህዝብን ምእንቲ ዅሉ ይሁዳን ንየሆዋ ሕተትዎ።” 14  ሽዑ፡ ካህን ሒልቅያን ኣሒቃምን ዓኽቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ ኸዱ።+ ንሳ ሰበይቲ ሻሉም ወዲ ቲቅዋ ወዲ ሓርሓስ፡ እቲ ሓላው ክዳውንቲ እያ፣ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፋል የሩሳሌም ድማ ትቕመጥ ነበረት። ንሳቶም ከኣ ኣብኡ ተዛረብዋ።+ 15  ንሳ ድማ ከምዚ በለቶም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ ከምዚ በልዎ፦ 16  “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከም ኵሉ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቦ ቓላት እታ መጽሓፍ፡ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣን ኣብ ልዕሊ ነበርታን መዓት ከምጽእ እየ።+ 17  ብዅሉ ግብሪ ኣእዳዎም ምእንቲ ኬዀርዩኒ፡+ ንዓይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይዓጥኑ ስለ ዘለዉ፡+ ነድረይ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣ ኺነድድ እዩ፡ ኣይኪጠፍእን እውን እዩ።’”+ 18  ነቲ ንየሆዋ ኽትሓትቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ቓላት፡ 19  እቲ ኣነ ኣንጻር እዛ ቦታ እዚኣን ነበርታን መሰክሕን መራገምን ኪዀኑ ምዃኖም እተዛረብክዎ ምስ ሰማዕካ፡ ልብኻ ስለ ዝለስለሰን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ትሕት ስለ ዝበልካን+ ክዳውንትኻ ቐዲድካ+ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻን፡ ኣነ እውን ሰሚዐካ ኣለኹ፡ ይብል የሆዋ። 20  ስለዚ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፣* ኣብ መቓብርካ ድማ ብሰላም ክትዓርፍ ኢኻ፣ ኣዒንትኻ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ቦታ እዚኣ ዘምጽኦ መዓት ኣይኪርእያን እየን።’”’” ንሳቶም ከኣ ነቲ ንጉስ ምላሽ ኣምጽኡሉ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነቓዓት።”
እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።