2 ነገስት 24:1-20
24 ብዘመን ዮያቂም፡ ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ኣንጻሩ ደየበ፣ ዮያቂም ከኣ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ። ግናኸ፡ ተመሊሱ ዓለወ።
2 የሆዋ ድማ ዘመትቲ ጭፍራታት ከለዳውያንን+ ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ዓሞናውያንን ሰደደሉ። ከምቲ የሆዋ ብገላዉኡ ነብያት እተዛረቦ ቓል ከኣ፡ ኬጥፍእዋ ኢሉ ናብ ይሁዳ ይሰድዶም ነበረ።+
3 እዚ ድማ ንይሁዳ ኻብ ቅድሚኡ ኼርሕቓ+ ኢሉ ብርግጽ ብትእዛዝ የሆዋ ዝዀነ እዩ፣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት፡+
4 ብሰሪ እቲ ዘፍሰሶ ንጹህ ደም፡+ ንየሩሳሌም ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ ኸኣ እዩ ኸምኡ ዝዀነ፣ የሆዋ ድማ ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን።+
5 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮያቂም፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+
6 ዮያቂም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮያኪን ነገሰ።
7 ንጉስ ባቢሎን ንዅሉ እቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዝነበረ፡ ካብ ርባ* ግብጺ+ ኽሳብ ፈለግ ኤፍራጥስ+ ወሲድዎ ነበረ እሞ፡+ ንጉስ ግብጺ ኻብ ምድሩ መሊሱ ኣይወጸን።
8 ዮያኪን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 18 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ ነሑሽታ እዩ፣ ንሳ ጓል ኤልናታን ብዓል የሩሳሌም እያ።
9 ንሱ ድማ፡ ከም ኵሉ እቲ ኣቦኡ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።
10 በታ ግዜ እቲኣ፡ ገላዉ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣንጻር የሩሳሌም ደየቡ፣ እታ ኸተማ ኸኣ ተኸብበት።+
11 ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ድማ፡ ገላዉኡ ኸቢቦምዋ ኸለዉ ናብታ ኸተማ መጸ።
12 ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣዲኡን ገላዉኡን መሳፍንቱን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን+ ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጸ፣+ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሻምነይቲ ዓመት ንግስናኡ ማሪኹ ወሰዶ።+
13 ካብኡ ድማ ኵሉ መዛግብቲ ቤት የሆዋን መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ወሰደ።+ ኵሉ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝገበሮ ኣቕሑ ወርቂ ቘራረጾ።+ እዚ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ዀነ።
14 ንዅላ የሩሳሌምን ንዅሎም መሳፍንትን+ ንዅሎም ሓያላት ጀጋኑን ንዅሎም ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን፡*+ 10,000 ሰባት ማሪኹ ወሰደ። ብዘይካ እቶም ድኻታት ህዝቢ እታ ምድሪ፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+
15 በዚ ኸምዚ፡ ንዮያኪን+ ናብ ባቢሎን ማረኾ፣+ ንኣደ ንጉስን ንኣንስቲ ንጉስን ንኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን ንኣውራታት እታ ምድርን ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰዶም።
16 ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኵሎም እቶም 7,000 ዚዀኑ ጀጋኑን 1,000 ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን፡* ኵላቶም ሓያላትን ንውግእ ዝሰልጠኑን፡ ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰደ።
17 ንጉስ ባቢሎን ድማ ንማታንያ ሓው ኣቦ ዮያኪን ኣብ ክንዳኡ ኣንገሶ፣+ ስሙ ኸኣ ናብ ጼዴቅያስ ለወጦ።+
18 ጼዴቅያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 21 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 11 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ሓሙጣል እዩ፣+ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።
19 ንሱ ኸኣ፡ ከም ኵሉ እቲ ዮያቂም ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+
20 እዚ ድማ ብምኽንያት ቍጥዓ የሆዋ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ኰነ።+ ጼዴቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዓለወ።+