2 ነገስት 24:1-20

  • ዕልወትን ሞትን ዮያቂም (1-7)

  • ዮያኪን፡ ንጉስ ይሁዳ (8, 9)

  • ቀዳማይ ምርኮ ናብ ባቢሎን (10-17)

  • ጼዴቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፣ ዕልወቱ (18-20)

24  ብዘመን ዮያቂም፡ ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ኣንጻሩ ደየበ፣ ዮያቂም ከኣ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ። ግናኸ፡ ተመሊሱ ዓለወ።  የሆዋ ድማ ዘመትቲ ጭፍራታት ከለዳውያንን+ ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ዓሞናውያንን ሰደደሉ። ከምቲ የሆዋ ብገላዉኡ ነብያት እተዛረቦ ቓል ከኣ፡ ኬጥፍእዋ ኢሉ ናብ ይሁዳ ይሰድዶም ነበረ።+  እዚ ድማ ንይሁዳ ኻብ ቅድሚኡ ኼርሕቓ+ ኢሉ ብርግጽ ብትእዛዝ የሆዋ ዝዀነ እዩ፣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት፡+  ብሰሪ እቲ ዘፍሰሶ ንጹህ ደም፡+ ንየሩሳሌም ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ ኸኣ እዩ ኸምኡ ዝዀነ፣ የሆዋ ድማ ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን።+  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮያቂም፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+  ዮያቂም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮያኪን ነገሰ።  ንጉስ ባቢሎን ንዅሉ እቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዝነበረ፡ ካብ ርባ* ግብጺ+ ኽሳብ ፈለግ ኤፍራጥስ+ ወሲድዎ ነበረ እሞ፡+ ንጉስ ግብጺ ኻብ ምድሩ መሊሱ ኣይወጸን።  ዮያኪን+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 18 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ነገሰ።+ ስም ኣዲኡ ነሑሽታ እዩ፣ ንሳ ጓል ኤልናታን ብዓል የሩሳሌም እያ።  ንሱ ድማ፡ ከም ኵሉ እቲ ኣቦኡ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ። 10  በታ ግዜ እቲኣ፡ ገላዉ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣንጻር የሩሳሌም ደየቡ፣ እታ ኸተማ ኸኣ ተኸብበት።+ 11  ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ድማ፡ ገላዉኡ ኸቢቦምዋ ኸለዉ ናብታ ኸተማ መጸ። 12  ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣዲኡን ገላዉኡን መሳፍንቱን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን+ ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጸ፣+ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሻምነይቲ ዓመት ንግስናኡ ማሪኹ ወሰዶ።+ 13  ካብኡ ድማ ኵሉ መዛግብቲ ቤት የሆዋን መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ወሰደ።+ ኵሉ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝገበሮ ኣቕሑ ወርቂ ቘራረጾ።+ እዚ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ዀነ። 14  ንዅላ የሩሳሌምን ንዅሎም መሳፍንትን+ ንዅሎም ሓያላት ጀጋኑን ንዅሎም ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን፡*+ 10,000 ሰባት ማሪኹ ወሰደ። ብዘይካ እቶም ድኻታት ህዝቢ እታ ምድሪ፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+ 15  በዚ ኸምዚ፡ ንዮያኪን+ ናብ ባቢሎን ማረኾ፣+ ንኣደ ንጉስን ንኣንስቲ ንጉስን ንኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን ንኣውራታት እታ ምድርን ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰዶም። 16  ንጉስ ባቢሎን ከኣ ኵሎም እቶም 7,000 ዚዀኑ ጀጋኑን 1,000 ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን፡* ኵላቶም ሓያላትን ንውግእ ዝሰልጠኑን፡ ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰደ። 17  ንጉስ ባቢሎን ድማ ንማታንያ ሓው ኣቦ ዮያኪን ኣብ ክንዳኡ ኣንገሶ፣+ ስሙ ኸኣ ናብ ጼዴቅያስ ለወጦ።+ 18  ጼዴቅያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 21 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 11 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ሓሙጣል እዩ፣+ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ። 19  ንሱ ኸኣ፡ ከም ኵሉ እቲ ዮያቂም ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ 20  እዚ ድማ ብምኽንያት ቍጥዓ የሆዋ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ኰነ።+ ጼዴቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዓለወ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ሰራሕቲ ዕርድን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሰራሕቲ ዕርዲ” ኪኸውን ይኽእል።