2 ነገስት 6:1-33

  • ኤልሳእ ንሓጺን ፋስ ጸምበለል ኣበሎ (1-7)

  • ኤልሳእን ሶርያውያንን (8-23)

    • ኣዒንቲ ጊልያ ኤልሳእ ተኸፍታ (16, 17)

    • ኣእምሮ ሶርያውያን ዓወረ (18, 19)

  • ሰማርያ ምስ ተኸብበት፡ ጥሜት ኰነ (24-33)

6  ደቂ ነብያት+ ድማ ንኤልሳእ፡ “እንሆ፡ እዛ ምሳኻ እንነብረላ ዘለና ቦታ ጸቢባትና ኣላ።  በጃኻ፡ ናብ ዮርዳኖስ ንኺድ። ነፍሲ ወከፍና ኻብኡ ሓሓደ ጕንዲ ንውሰድ እሞ፡ ኣብኡ እንቕመጠሉ ቦታ ንስራሕ” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ” በሎም።  ሓደ ኻባታቶም ድማ፡ “በጃኻ፡ ምስ ገላዉኻ ኺድ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ሕራይ፡ እኸይድ” በለ።  ምሳታቶም ድማ ከደ፣ ናብ ዮርዳኖስ መጺኦም ከኣ፡ ኣእዋም ቈረጹ።  ሓደ ኻባታቶም ኦም ኪቘርጽ ከሎ፡ ሓጺን እቲ ፋስ ተነጺሉ ናብ ማይ ወደቐ፣ ንሱ ድማ፡ “ኣየ ጐይታይ፡ ኣቕሓ ልማኖ እምበር እዩ” ኢሉ ጨርሐ።  እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከኣ፡ “ኣበይ ወዲቑ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ እታ ቦታ ኣርኣዮ። ሽዑ፡ ዕንጨይቲ ቘሪጹ ናብኣ ደርበዮ እሞ፡ ንሓጺን እቲ ፋስ ጸምበለል ኣበሎ።  ንሱ ድማ፡ “ኣልዕሎ” በሎ። ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ።  ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ኪዋጋእ ከደ።+ ምስቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ “ኣብ ከምዝን ከምዝን ቦታ ምሳኻትኩም ክሰፍር እየ” ኢሉ ተማኸረ።  እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ+ ድማ ንንጉስ እስራኤል፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ሶርያውያን ኪወርዱላ እዮም እሞ፡ ብእኣ ኸይትሓልፍ ተጠንቀቕ” ኢሉ ለኣኸሉ። 10  ንጉስ እስራኤል ከኣ ናብታ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ዘጠንቀቖ ቦታ መልእኽቲ ለኣኸ። ንሱ የጠንቅቖ ነበረ፣ እቲ እውን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት* ካብኡ ይርሕቕ ነበረ።+ 11  ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ተቘጥዐ፣ ንገላዉኡ ጸዊዑ ኸኣ፡ “እስከ ንገሩኒ! ካባናስ እቲ ኣብ ጐድኒ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ መን እዩ፧” በሎም። 12  ሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ድማ፡ “ዋላ ሓዴና ኣይኰነን፡ ጐይታይ ንጉስ። እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነብዪ ኤልሳእ እዩ ነቲ ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ እተዛረብካዮ ነገር ንንጉስ እስራኤል ዚነግሮ” በሎ።+ 13  ንሱ ኸኣ፡ “ዚሕዝዎ ምእንቲ ኽሰድድሲ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ኺዱ ርኣዩ” በለ። “ኣብ ዶታን+ ኣሎ” ተባሂሉ ድማ ተነግሮ። 14  ብኡብኡ፡ ኣፍራስን ሰረገላታትን ዓብዪ ሰራዊትን ናብኣ ሰደደ፣ ብለይቲ መጺኦም ከኣ ነታ ኸተማ ኸበብዋ። 15  እቲ ጊልያ* ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣንጊሁ ተንሲኡ ምስ ወጸ፡ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ረኣየ። እቲ ጊልያ ድማ፡ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና፧” በሎ። 16  ንሱ ግና፡ “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፡+ ኣይትፍራህ”+ በሎ። 17  ኤልሳእ ከኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ኺርእስ፡ በጃኻ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ጸለየ።+ ብኡብኡ፡ የሆዋ ኣዒንቲ እቲ ጊልያ ኸፈተ እሞ፡ ንሱ ረኣየ፣ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ፡ እቲ ኣኽራን ብኣፍራስን ሰረገላታትን ሓዊ መሊኡ ነበረ።+ 18  እቶም ሶርያውያን ናብኡ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ኤልሳእ፡ “በጃኻ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብዑረት ውቕዓዮ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ።+ ከምቲ ኤልሳእ ዝለመኖ ድማ፡ ብዑረት ወቕዖም። 19  ሽዑ፡ ኤልሳእ፡ “እዚኣ እታ መገዲ ኣይኰነትን፣ እዚኣ እውን እታ ኸተማ ኣይኰነትን። ናብቲ እትደልይዎ ዘለኹም ሰብኣይ ክመርሓኩምሲ ስዓቡኒ” በሎም። ግናኸ፡ ናብ ሰማርያ መርሖም።+ 20  ኣብ ሰማርያ ምስ በጽሑ፡ ኤልሳእ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኪርእዩስ ኣዒንቶም ክፈት” በለ። የሆዋ ኸኣ ኣዒንቶም ከፈተ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰማርያ ኸም ዘለዉ ረኣዩ። 21  ንጉስ እስራኤል ምስ ረኣዮም ድማ ንኤልሳእ፡ “ክቐትሎምዶ፧ ኣቦየ፡ ክቐትሎምዶ፧” በሎ። 22  ንሱ ግና፡ “ኣይትቕተሎም። ነቶም ብሰይፍኻን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮም ትቐትሎምዶ፧ በሊዖምን ሰትዮምን ናብ ጐይታኦም ኪምለሱስ፡ እንጌራን ማይን ግዳ ሃቦም” በለ።+ 23  ዓብዪ ድግስ ከኣ ገበረሎም፣ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ኣሰናበቶም፡ ናብ ጐይታኦም እውን ተመልሱ። እቶም ዘመትቲ ጭፍራታት ሶርያውያን ከኣ፡+ መሊሶም ናብ ምድሪ እስራኤል ኣይመጹን። 24  ድሕሪኡ፡ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ንዅሉ ሰራዊቱ* ኣኽቲቱ ደየበ፡ ንሰማርያ ድማ ከበባ።+ 25  ኣብ ሰማርያ ኸኣ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ።+ ርእሲ ኣድጊ+ ብ80 ብሩር፡ ርብዒ ቃብ* ሓርኢ ርግቢ ኸኣ ብሓሙሽተ ብሩር ክሳዕ ዚሽየጥ፡ ከበቡዋ። 26  ንጉስ እስራኤል ብልዕሊ መካበብያ ኺሓልፍ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ርድኣኒ!” ኢላ ኣእወየት። 27  ንሱ ድማ፡ “የሆዋ እንተ ዘይረዲኡክስ፡ ካብ ምንታይ እየ ኽረድኣኪ፧ ካብ ዓውዲዶ ወይ ካብ መጽመቝ ወይኒ ወይ ዘይቲ፧” በላ። 28  ንጉስ ከኣ፡ “እንታይ ኢኺ ዄንኪ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ፡ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ‘ወድኺ ሃቢ እሞ፡ ሎሚ ኽንበልዖ፣ ንወደይ ከኣ ጽባሕ ክንበልዖ’ ኢላትኒ።+ 29  ሽዑ፡ ንወደይ ኣብሲልና በሊዕናዮ።+ ንጽብሒቱ ድማ፡ ‘ወድኺ ሃቢ እሞ፡ ክንበልዖ’ ኢለያ። ንሳ ግና ንወዳ ሓቢኣቶ” ኢላ መለሰት። 30  ንጉስ ከኣ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።+ በቲ መካበብያ ኺሓልፍ ከሎ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ኽዳውንቱ* ማቕ ተኸዲኑ ኸም ዘሎ፡ እቲ ህዝቢ ረኣየ። 31  ንሱ ኸኣ፡ “ርእሲ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ጸኒሓስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ” በለ።+ 32  ኤልሳእ ድማ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፣ እቶም ዓበይቲ እውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ንጉስ ከኣ ቀቅድሚኡ ሰብ ለኣኸ፣ እቲ ልኡኽ ቅድሚ ምምጻኡ ግና፡ ኤልሳእ ነቶም ዓበይቲ፡ “እዚ ወዲ ቐታል ነፍሲ+ ንርእሰይ ኪቘርጽ ከም ዝለኣኸዶ ርኢኹም፧ እቲ ልኡኽ ኪመጽእ ከሎ ርኢኹም፡ ነቲ ማዕጾ ዕጸውዎ፣ ነቲ ማዕጾ ዓጺኹም እውን ደፊእኩም ሓዝዎ። ደሃይ እግሪ ጐይታኡስ ድሕሪኡዶ የሎን፧” በሎም። 33  ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እቲ ልኡኽ ናብኡ መጸ፣ ንጉስ ድማ፡ “እዚ መዓት እዚ ኻብ የሆዋ እዩ። ደጊምከ ስለምንታይ እየ ንየሆዋ ዝጽበዮ፧” በለ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ካብ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ንላዕሊ።”
ወይ፡ “ኣገልጋሊ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሰፈሩ።”
ሓደ ቃብ፡ 1.22 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ብውሽጢ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ።”