2 ነገስት 7:1-20

  • እቲ ጥሜት ከም ዜብቅዕ፡ ኤልሳእ ተዛረበ (1, 2)

  • ኣብ ሰፈር ሶርያውያን እተረኽበ ምግቢ (3-15)

  • ኤልሳእ እተነበዮ ትንቢት ተፈጸመ (16-20)

7  ኤልሳእ ድማ፡ “ቃል የሆዋ ስምዑ። የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኣብ ኣፍ ደገ* ሰማርያ ዋጋ ሓደ ሴኣ* ድኹም ሓርጭ ሓደ ሲቃል፡ ዋጋ ኽልተ ሴኣ ስገም ከኣ ሓደ ሲቃል* ኪኸውን እዩ’” በለ።+  እቲ ንጉስ ዚምርኰሶ ሓጋዚ ድማ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “የሆዋ መሳዅቲ ሰማያት እኳ እንተ ዚኸፍት፡ እዚ* ኪኸውን ይኽእልዶ፧” በሎ።+ ንሱ ኸኣ፡ “ብኣዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፣+ ካብኡ ግና ኣይክትበልዕን ኢኻ” በሎ።+  ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ኣርባዕተ ድዉያት ነበሩ፣+ ንሓድሕዶም ከኣ፡ “ስለምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዚ ኾፍ ኢልና ዘለና፧  ጥሜት ኣብ ከተማ ኸሎ፡+ ‘ናብ ከተማ ንእቶ’ እንተ ኢልና፡ ኣብኣ ኽንመውት ኢና። ኣብዚ ኾፍ እንተ ኢልና እውን፡ ክንመውት ኢና። እምበኣር፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንኺድ። ብህይወት እንተ ሓዲጎምና፡ ብህይወት ንነብር፣ እንተ ቐቲሎምና ኸኣ፡ ንመውት” ተባሃሃሉ።  ጽልግልግ ምስ በለ ድማ፡ ተንሲኦም ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኣተዉ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብኡ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።  የሆዋስ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ደሃይ ሰረገላታትን ደሃይ ኣፍራስን ደሃይ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ።+ ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም፡ “እንሆ፡ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ሔታውያንን ንነገስታት ግብጽን ተኻርዩ ኣንጻርና ኣምጺእዎም” ተባሃሃሉ።  ብኡብኡ ተንሲኦም ጽልግልግ ኢሉ ኸሎ ሃደሙ፣ ድንኳናቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን፡ ኰታስ ብዘሎ ሰፈሮም ከም ዘለዎ ሓዲጎም ምእንቲ ህይወቶም* ሃደሙ።  እቶም ድዉያት እቲኦም ድማ ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በጽሑ፡ ናብ ሓደ ኻብቲ ድንኳናት ኣትዮም በልዑን ሰተዩን። ካብኡ ኸኣ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሲዶም፡ ከይዶም ሓብእዎ። ምስ ተመልሱ ድማ፡ ናብ ካልእ ድንኳን ኣትዮም፡ ካብኡ ወሲዶም፡ ከይዶም ሓብእዎ።  ሽዑ፡ ንሓድሕዶም፡ “እዚ እንገብሮ ዘለና ቕኑዕ ኣይኰነን። እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ብስራት እያ። እንተ ተወላዊልናን ክሳዕ ዚነግህ ስቕ እንተ ኢልናን፡ በደል ኪዀነና እዩ። ሕጂ ኸኣ ንኺድ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ንንገር” ተባሃሃሉ። 10  ከይዶም ድማ ንሓለውቲ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ጸዊዖም፡ “ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና፣ ኣብኡ ግና እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳናትን ከም ዘለዎ ኣሎ እምበር፡ ሰብ ኰነ ድምጺ ሰብ የልቦን” ኢሎም ነገሩ። 11  እቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ጸውዑ፣ ኣብ ውሽጢ ቤት ንጉስ ድማ ተነግረ። 12  ብኡብኡ፡ ንጉስ ብለይቲ ተንሲኡ ንገላዉኡ፡ “ሶርያውያን እንታይ ከም ዝገበሩና፡ በጃኹም ክነግረኩም። ጠሚና ኸም ዘለና ፈሊጦም ኣለዉ፣+ ስለዚ፡ ‘ካብ ከተማ ኺወጹ እዮም፣ ንሕና ድማ ብህይወቶም ከለዉ ኽንሕዞምን ናብ ከተማ ኽንኣቱን ኢና’ ኢሎም ኣብ መሮር ኪሕብኡ ነቲ ሰፈር ሓዲጎምዎ ኣለዉ” በሎም።+ 13  ሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ “ካብቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ኣፍራስ፡ በጃኻ ሓሙሽተ ይውሰዱ። እንሆ፡ መወዳእታኦም ከምቶም ኣብዚ ተሪፎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል እዩ ኪኸውን። እንሆ፡ መወዳእታኦም ከምቲ ዝጠፍአ ህዝቢ እስራኤል እዩ ኪኸውን። ንዓታቶም ንስደዶም እሞ ንርአ” በለ። 14  ሽዑ፡ ክልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፣ ንጉስ ድማ፡ “ኪዱ እሞ ርኣዩ” ኢሉ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ሰደዶም። 15  ንሳቶም ከኣ ክሳብ ዮርዳኖስ ሰዓብዎም፣ ኣብ ብዘሎ መገዲ ኸኣ፡ ሶርያውያን ብስምባድ ኪሃድሙ ኸለዉ ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቕሑን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ። 16  ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ዘመቶ፣ ከምቲ ቓል የሆዋ ድማ፡ ዋጋ ሓደ ሴኣ ድኹም ሓርጭ ሓደ ሲቃል፡ ዋጋ ኽልተ ሴኣ ስገም ከኣ ሓደ ሲቃል ኰነ።+ 17  ንጉስ ነቲ ዚምርኰሶ ሓጋዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ሓላፍነት ሃቦ፣ ከምቲ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ እተዛረቦ ግና፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ኣፍ ደገ ረገጽዎ እሞ ሞተ። 18  ከምቲ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ንንጉስ፡ “ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ዋጋ ሓደ ሴኣ ድኹም ሓርጭ ሓደ ሲቃል፡ ዋጋ ኽልተ ሴኣ ስገም ከኣ ሓደ ሲቃል ኪኸውን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ዀነ።+ 19  እቲ ሓጋዚ ግና ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “የሆዋ መሳዅቲ ሰማያት እኳ እንተ ዚኸፍት፡ እዚ* ኪኸውን ይኽእልዶ፧” ኢልዎ ነበረ። ኤልሳእ ድማ፡ “ብኣዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፣ ካብኡ ግና ኣይክትበልዕን ኢኻ” ኢልዎ ነበረ። 20  እቶም ህዝቢ ኣብቲ ኣፍ ደገ ረጊጾምዎ ስለ ዝሞተ ኸኣ፡ ልክዕ ከምኡ ዀነ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዕዳጋታት።”
ሓደ ሴኣ፡ 7.33 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “እዚ ቓል እዚ።”
ወይ፡ “ነፍሶም።”
ቃ.ቃ.፡ “እዚ ቓል እዚ።”