2 ነገስት 8:1-29

  • እታ ሹናማዊት መሬታ ተመልሰላ (1-6)

  • ኤልሳእን ቤን-ሃዳድን ሓዛኤልን (7-15)

  • ዮራም፡ ንጉስ ይሁዳ (16-24)

  • ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ (25-29)

8  ኤልሳእ ድማ ነታ ወዳ ህያው ዝገበረላ ሰበይቲ፡+ “የሆዋ ጥሜት ኪኸውን ኢሉ እዩ፡+ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ሸውዓተ ዓመት እዚ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኺ ምስ ቤተ ሰብኪ ተንሲእኪ ኺዲ፡ ክትነብርሉ ኣብ እትኽእሊ ቦታ እውን ጓና ዄንኪ ተቐመጢ” በላ።  እታ ሰበይቲ ኸኣ ከም ዘረባ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ገበረት። ምስ ቤተ ሰባ ኸይዳ ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን+ ሸውዓተ ዓመት ተቐመጠት።  ኣብ መወዳእታ እተን ሸውዓተ ዓመት፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሰት፣ ብዛዕባ ቤታን ብዛዕባ ግራታን ክትጠርዕ ድማ ናብ ንጉስ ከደት።  ንጉስ ከኣ ንገሓዚ፡ ጊልያ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “በጃኻ፡ ኵሉ እቲ ኤልሳእ ዝገበሮ ዓበይቲ ነገራት ንገረኒ” በሎ።+  ምዉት ህያው ከም ዝገበረ፡+ ንሱ ንንጉስ ኪነግሮ ኸሎ፡ እታ ወዳ ህያው ዝገበረላ ሰበይቲ ብዛዕባ ቤታን ብዛዕባ ግራታን ክትጠርዕ ናብ ንጉስ መጸት።+ ሽዑ፡ ገሓዚ፡ “ጐይታይ ንጉስ፡ እታ ሰበይቲ እዚኣ እያ፣ እቲ ኤልሳእ ህያው ዝገበሮ ወዳ እውን እዚ እዩ” በሎ።  ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ሓተታ፣ ንሳ እውን ኣዘንተወትሉ። ንጉስ ከኣ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ መደበላ እሞ፡ ንዕኡ፡ “ናታ ዘበለ ዅሉን ካብታ ነታ ምድሪ እትሓድጋ መዓልቲ ኣትሒዛ ኽሳዕ ሕጂ እተረኽበ ዅሉ እቶት ግራታን ኣምልሰላ” በሎ።  ኤልሳእ ከኣ ናብ ደማስቆ+ ኸደ፣ ቤን-ሃዳድ+ ንጉስ ሶርያ ድማ ሓሚሙ ነበረ። “እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ+ መጺኡ ኣሎ” ተባሂሉ ኸኣ ተነግሮ።  ሽዑ፡ ንጉስ ንሓዛኤል፡+ “ህያብ ሒዝካ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ክትቅበሎ ኺድ።+ ‘ካብዚ ሕማም እዚ ኽሓዊ ድየ፧’ ኢልካ ኸኣ ብእኡ ኣቢልካ ንየሆዋ ሕተቶ” በሎ።  ሓዛኤል ድማ ኪቕበሎ ኸደ፡ ምስኡ እውን ናይ ደማስቆ ጽቡቕ ዘበለ 40 ጽዕነት ገመል ህያብ ሒዙ ነበረ። መጺኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ፡ “ወድኻ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ‘ካብዚ ሕማም እዚ ኽሓዊ ድየ፧’ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ። 10  ኤልሳእ ድማ፡ “ኪድ እሞ፡ ‘ብርግጽ ክትሓዊ ኢኻ’ በሎ፣ ግናኸ፡ ብርግጽ ከም ዚመውት፡ የሆዋ ኣርእዩኒ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 11  ክሳዕ ዚሓፍር ከኣ ኣተኲሩ ጠመቶ። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ በኸየ። 12  ሓዛኤል ከኣ፡ “ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ዚበኪ ዘሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “እቲ ኣብ ህዝቢ እስራኤል እትገብሮ ጕድኣት ስለ ዝፈለጥኩ እየ።+ ዕርድታቶም ብሓዊ ኸተንድድ፡ ሕሩያቶም ብሰይፊ ኽትቀትል፡ ሕጻናቶም ክትሕምሽሽ፡ ጥኑሳቶም ድማ ክትቀድድ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ 13  ሓዛኤል ከኣ፡ “ጊልያኻ ሓደ ኸልቢ ኽነሱስ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኸምዚ ዝበለ ተግባር ዚገብር፧” በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ “ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸም እትነግስ፡ የሆዋ ኣርእዩኒ እዩ” በሎ።+ 14  ካብ ኤልሳእ ከይዱ ድማ፡ ናብ ጐይታኡ ተመልሰ፣ ንሱ ኸኣ፡ “ኤልሳእ እንታይ ኢሉካ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ብርግጽ ከም እትሓዊ ነጊሩኒ” ኢሉ መለሰ።+ 15  ንጽብሒቱ ግና፡ ሓዛኤል ምንጻፍ ዓራት ወሲዱ፡ ኣብ ማይ ኣሊኹ፡ ክሳዕ ዚመውት ኣብ ገጹ ገይሩ ሓዞ።*+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሓዛኤል ነገሰ።+ 16  ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ዮራም+ ወዲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል፡ ዮሳፋጥ ኣብ ይሁዳ ነጊሱ ኸሎ፡ ዮራም+ ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 17  ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 32 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሸሞንተ ዓመት ነገሰ። 18  ጓል ኣከኣብ ሰበይቱ ዀይና ነበረት እሞ፡+ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበርዎ፡+ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ተመላለሰ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ እውን ክፉእ ይገብር ነበረ።+ 19  የሆዋ ግና፡ ምእንቲ ጊልያኡ ዳዊት ኢሉ፡ ንዕኡን ንደቁን ወትሩ መብራህቲ ኺህቦም ኣተስፍይዎ ነበረ እሞ፡+ ንይሁዳ ኼጥፍኦ ኣይደለየን።+ 20  ብዘመኑ ኤዶም ካብ ይሁዳ ዓለወ፣+ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ።+ 21  ሽዑ፡ ዮራም ምስ ኵሉ ሰረገላታቱ ናብ ጻኢር ተሳገረ፣ ብለይቲ ተንሲኡ ኸኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታትን ሰዓሮም፣ እቶም ሰራዊት ድማ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ። 22  ግናኸ፡ ኤዶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ይሁዳ ዓልዩ ኣሎ። ሊብና+ እውን በታ ግዜ እቲኣ ዓለወት። 23  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮራም፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 24  ዮራም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ እውን ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ።+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝያ+ ነገሰ። 25  ኣብ መበል 12 ዓመት ዮራም ወዲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል፡ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ ነገሰ።+ 26  ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓደ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዓታልያ እዩ፣+ ንሳ ጓል ወዲ ዖምሪ*+ ንጉስ እስራኤል እያ። 27  ንሱ ምስ ቤት ኣከኣብ ሕምነት ነበሮ እሞ፡ ብመገዲ ቤት ኣከኣብ ተመላለሰ፡+ ከም ቤት ኣከኣብ እውን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+ 28  ምስ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኰይኑ ኸኣ፡ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኪዋጋእ ከደ፣+ እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ኣቝሰልዎ።+ 29  ንጉስ ዮራም ድማ ካብቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ ሶርያውያን ኣብ ራማ ዘቝሰልዎ ቝስሊ ኺሓዊ ናብ ይዝርኤል ተመልሰ።+ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ቈሲሉ* ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ኺርእዮ ናብ ይዝርኤል ወረደ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ ገጹ ገበረሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሳ ጓል ዖምሪ።”
ወይ፡ “ሓሚሙ።”