2 ዜና መዋእል 1:1-17

  • ሰሎሞን ጥበብ ኪውሃቦ ዘቕረቦ ልማኖ (1-12)

  • ሃብቲ ሰሎሞን (13-17)

1  ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ድማ ኣብ ንግስናኡ እናበርትዐ ኸደ፣ የሆዋ ኣምላኹ ኸኣ ምስኡ ነበረ፡ ኣዝዩ እውን ኣዕበዮ።+  ሰሎሞን ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል፡ ናብ ኣሕሉቕ ሽሕን ናብ ኣሕሉቕ ሚእትን ናብ ፈራዶን ናብ ኵሎም ሹማምንቲ ብዘሎ እስራኤልን ናብ ርእስታት ማይ ቤትን ለኣኸ።  ሽዑ፡ ሰሎሞንን ኵሉ እቲ ጉባኤን፡ እቲ ሙሴ ጊልያ የሆዋ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ድንኳን ምርኻብ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ+ ከዱ።  ግናኸ፡ ዳዊት ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ናብታ ዳዊት ዘዳለወሉ ቦታ ኣደይብዎ ነበረ፣+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ።+  እቲ በሳልኤል+ ወዲ ኡሪ ወዲ ሑር ዝገበሮ መሰውኢ ነሓሲ+ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕደር የሆዋ ተነቢሩ ነበረ፣ ሰሎሞንን እቲ ጉባኤን ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ይጽልዩ* ነበሩ።  ሰሎሞን ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ሰውአ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ድንኳን ምርኻብ መሰውኢ ነሓሲ+ ኸኣ 1,000 ዚሓርር መስዋእቲ ሰውአ።  ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተራእዮ፣ “እንታይ ክህበካ ኸም እትደሊ ለምን” ከኣ በሎ።+  ሰሎሞን ድማ ንኣምላኽ ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ንኣቦይ ዳዊት ብተኣማንነት ኣጸቢቕካ ኣፍቂርካዮ፡+ ኣብ ክንዳኡ እውን ኣንጊስካኒ ኢኻ።+  ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ዝምብዛሑ ህዝቢ ኣንጊስካኒ ኢኻ እሞ፡+ እቲ ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ተስፋ እሙን ይኹን።+ 10  ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ኪፈርዶ ይኽእል፧+ ሕጂ እምበኣር፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽመርሕሲ፡* ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ።”+ 11  ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “እዚ ነገር እዚ ትምኒት ልብኻ ስለ ዝዀነ፡ ሃብቲ፡ ጥሪት፡ ክብሪ፡ ወይ ሞት* ጸላእትኻ ስለ ዘይለመንካ፡ ንርእስኻ እውን ነዊሕ ዕድመ* ስለ ዘይለመንካ፡ የግዳስ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ንምፍራድ ጥበብን ፍልጠትን ስለ ዝለመንካ፡+ 12  ጥበብን ፍልጠትን ኪውሃበካ እዩ፣ ከምኡ ድማ ቅድሜኻ ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም፡ ብድሕሬኻ ንዚትንስኡ እውን ዘይህልዎም ሃብትን ጥሪትን ክብርን ክህበካ እየ።”+ 13  ሰሎሞን ካብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ፡+ ካብ ቅድሚ እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ነገሰ። 14  ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ኣፍራስን* ኣከበ፣ 1,400 ሰረገላን 12,000 ፈረስን*+ ከኣ ነበርዎ፣ ኣብ ከተማታት ሰረገላን+ ኣብ ጥቓ ንጉስ ኣብ የሩሳሌምን ድማ ኣቐመጦም።+ 15  ንጉስ ከኣ ንብሩርን ንወርቅን ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ዝምብዛሑ ገበሮ፣+ ንዕንጨይቲ ቄድሮስ እውን ኣብ ሼፈላ ኸም ዘሎ ኣእዋም ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።+ 16  ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ ይኣትዉ ነበሩ፣+ ጕጅለ ነጋዶ ንጉስ ከኣ ንኣፍራስ ብሕደ ዋጋ ብመጓሰ የምጽኡ ነበሩ።*+ 17  ካብ ግብጺ ዚኣቱ ዝነበረ ሰረገላ፡ ነንሓደ 600 ብሩር፡ ሓደ ፈረስ ድማ 150 የውጽእ ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ ናብ ኵሎም ነገስታት ሔታውያንን ነገስታት ሶርያን ይሰድዱ ነበሩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብኡ ንዕኡ ይሓትቱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክኣቱንሲ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብዙሕ መዓልትታት።”
ወይ፡ “ፈረሰኛታትን።”
ወይ፡ “ፈረሰኛታትን።”
ወይ፡ “ካብ ግብጽን ካብ ቅወን ይኣትዉ ነበሩ፣ ነጋዶ ንጉስ ከኣ ካብ ቅወ ብውሱን ዋጋ ይዕድግዎም ነበሩ” ኪኸውን ይኽእል። ቅወ ንቂልቅያ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።