2 ዜና መዋእል 11:1-23

  • ግዝኣት ሮብዓም (1-12)

  • እሙናት ሌዋውያን ናብ ይሁዳ ገዓዙ (13-17)

  • ስድራ ቤት ሮብዓም (18-23)

11  ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ፡ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ኪመልስዋ ኢሉ፡ ብኡብኡ ንቤት ይሁዳን ብንያምን፡+ 180,000 ዕሉማት* ተዋጋእቲ፡ ኣኽተተ።+  ግናኸ፡ ሸማዕያ+ ናብ ዚብሃል ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸ፦  “ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ንጉስ ይሁዳን ኣብ ይሁዳን ብንያምን ንዘለዉ ዅሎም እስራኤልን ከምዚ በሎም፦  ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምስ ኣሕዋትኩም ክትዋግኡ ኣይትደይቡ። እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ።”’”+ ንሳቶም ከኣ ቃል የሆዋ ተኣዚዞም ተመልሱ፡ ኣንጻር የሮብዓም እውን ኣይከዱን።  ሮብዓም ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ፣ ኣብ ይሁዳ ኸኣ እተዓርዳ ኸተማታት ሰርሐ።  በዚ ኸምዚ፡ ንቤት-ልሄምን+ ንዔጣምን ንተቆዓን+ ሰርሐን፣*  ንቤት-ጹርን ንሶኮን+ ንዓዱላምን+  ንጋትን+ ንማረሻን ንዚፍን+  ንኣዶራዪምን ንላኪሽን+ ንዓዜቃን+ 10  ንጾርዓን ንኣያሎንን+ ንኬብሮንን+ እውን ሰርሐን፣* እዚኣተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዚርከባ እተዓርዳ ኸተማታት ነበራ። 11  ነቲ ዕርድታት ኣጽኒዑ ድማ፡ ኣብኡ ኣዘዝቲ ኣንበረ፣ ምግብን ዘይትን ወይንን ከኣ ሃቦም፣ 12  ንዅለን እተን ከተማታት ድማ ዓበይቲ ዋላቱን ሕላሳትን ሃበን፣ ኣዝዩ እውን ኣጽንዐን። ይሁዳን ብንያምን ከኣ ናቱ ዀና። 13  እቶም ኣብ ኵላ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ድማ፡ ካብ ኵሉ ዓድታቶም መጺኦም ኣብ ጐድኑ ቘሙ። 14  የሮብዓምን ደቁን ነቶም ሌዋውያን፡ ካህናት ኰይኖም ንየሆዋ ኸየገልግሉ ስለ ዝሰጐጕዎም፡ ንሳቶም መጓሰይኦምን ርስቶምን+ ሓዲጎም ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን መጹ።+ 15  የሮብዓም ከኣ ነቲ በረኽትን ነቶም ድቤላ ዚመስሉ ኣጋንንትን*+ ነቶም ንሱ ዝገበሮም ምራኹትን+ ናይ ርእሱ ኻህናት ሸመ።+ 16  ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኪደልይዎ ልቦም ዘንቀዱ ዘበሉ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪስውኡሉ ናብ የሩሳሌም ሰዓብዎም።+ 17  ሰለስተ ዓመት ብመገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ተመላሊሶም እዮም እሞ፡ ሰለስተ ዓመት ንንግስነት ይሁዳ ኣጽንዕዎ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ከኣ ደገፍዎ። 18  ሮብዓም ከኣ ንማሓላት ሰበይቲ ኽትኰኖ ኣእተዋ፣ ንሳ ጓል የሪሞት ወዲ ዳዊትን ጓል ኣቢሓይል ጓል ኤልያብ+ ወዲ እሴይን እያ። 19  ንሳ ድማ የዑሽን ሸማርያን ዛሃምን ዚብሃሉ ኣወዳት ወለደትሉ። 20  ድሕሪኣ ኸኣ፡ ንማዓካ ጓል ጓሉ ንኣቤሴሎም+ ተመርዓዋ። ንሳ ድማ ንኣብያን+ ንዓታይን ንዚዛን ንሸሎሚትን ወለደትሉ። 21  ሮብዓም ከኣ 18 ኣንስትን 60 ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ፡ 28 ኣወዳትን 60 ኣዋልድን ወሊዱ ነበረ፣ ግናኸ፡ ሓለፋ ዅለን ኣንስቱን ኣንስቲ ወሰኑን ንማዓካ ጓል ጓሉ ንኣቤሴሎም የፍቅራ ነበረ።+ 22  ሮብዓም ድማ ንኣብያ ወዲ ማዓካ ኼንግሶ ሓሲቡ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋቱ ርእስን መራሕን ገይሩ ሸሞ። 23  ብምስትውዓል* ከኣ ንገለ ኻብ ኣወዳቱ ናብ ኵለን ዞባታት ይሁዳን ብንያምን፡ ናብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ሰደዶም፣*+ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ድማ ሃቦም፡ ብዙሓት ኣንስቲ እውን ኣምጽኣሎም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”
ወይ፡ “ዓረደን።”
ወይ፡ “ዓረደን።”
ቃ.ቃ.፡ “ድቤላታትን።”
ወይ፡ “ብኣእምሮ።”
ወይ፡ “በተኖም።”