2 ዜና መዋእል 12:1-16

  • ሺሻቅ ንየሩሳሌም ኣጥቅዓ (1-12)

  • መወዳእታ ግዝኣት ሮብዓም (13-16)

12  ንግስና ሮብዓም ምስ ጸንዐ፡+ ንሱ ኸኣ ምስ በርትዐ፡ ሕጊ የሆዋ ሓደገ፡+ ኵሎም እስራኤል እውን ምስኡ ኸምኡ ገበሩ።  ንሳቶም ንየሆዋ ስለ ዝጠለምዎ ድማ፡ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ንጉስ ሮብዓም፡ ሺሻቅ+ ንጉስ ግብጺ ኣንጻር የሩሳሌም ደየበ።  ንሱ ኸኣ 1,200 ሰረገላን 60,000 ፈረሰኛታትን ምስኡ ኻብ ግብጺ ዝመጹ ቝጽሪ ዘይብሎም ሰራዊትን፡—ሊብያውያንን ሱኪምን ኢትዮጵያውያንን፡+—ነበርዎ።  ነተን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ሒዙ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።  ነብዪ ሸማዕያ+ ኸኣ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ብሰንኪ ሺሻቅ ኣብ የሩሳሌም እተኣከቡ መሳፍንቲ ይሁዳን መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንስኻትኩም ሓዲግኩምኒ ኢኹም፣ ኣነ እውን ኣብ ኢድ ሺሻቅ ሓዲገኩም እየ’” በሎም።+  ሽዑ፡ እቶም መሳፍንቲ እስራኤልን እቲ ንጉስን ርእሶም ኣትሓቱ፡+ “የሆዋ ጻድቕ እዩ” ድማ በሉ።  የሆዋ ኸኣ ርእሶም ከም ዘትሓቱ ምስ ረኣየ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ሸማዕያ መጸ፦ “ርእሶም ኣትሒቶም እዮም። ኣነ ድማ ኣይከጥፍኦምን እየ፡+ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ኸኣ ከናግፎም እየ። ቍጥዓይ ብኢድ ሺሻቅ ኣብ የሩሳሌም ኣይክኽዑን እየ።  ግናኸ፡ ኣብ መንጎ ተገዛእተይ ምዃንን ተገዛእቲ ነገስታት* ካልኦት ሃገራት ምዃንን ዘሎ ፍልልይ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ገላዉኡ ኪዀኑ እዮም።”  ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ኸኣ ኣንጻር የሩሳሌም ደየበ። መዛግብቲ ቤት የሆዋን+ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ድማ ወሰደ። ኵሉ ነገራት፡ እንተላይ እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዋላቱ ወርቂ እውን ወሰደ።+ 10  ንጉስ ሮብዓም ከኣ ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ነሓሲ ገበረ፣ ነዚ ድማ ንኣሕሉቕ እቶም ኣፍ ደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ሓለውቲ* ብሕድሪ ሃቦም። 11  ንጉስ ናብ ቤት የሆዋ ምስ ዚመጽእ፡ እቶም ሓለውቲ መጺኦም ነዚ ይጾርዎ ነበሩ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ክፍሊ ሓለውቲ ይመልስዎ ነበሩ። 12  ንጉስ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኻብኡ ተመልሰ፡+ ፈጺሙ እውን ኣየጥፍኦምን።+ ኣብ ይሁዳ እውን ጽቡቕ ነገር ተረኺቡ ነበረ።+ 13  ንጉስ ሮብዓም ኣብ የሩሳሌም ስልጣኑ ኣደልደለን ነገሰን። ሮብዓም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 41 ዓመት ነበረ፣ ኣብታ የሆዋ ስሙ ኼንብረላ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኸተማ የሩሳሌም ከኣ 17 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ናዓማ እዩ፣ ንሳ ዓሞናዊት እያ።+ 14  ንሱ ግና ንየሆዋ ኺደልዮ ብልቡ ኣይቈረጸን እሞ፡ ክፉእ ገበረ።+ 15  ታሪኽ ሮብዓም ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ ቃላት ነብዪ ሸማዕያን+ ዒዶ+ እቲ ብዓል ራእይን ኣብ መዝገብ ወለዶ ተጻሒፉዶ የሎን፧ ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ፡ ኵሉ ሳዕ ውግእ ነበረ።+ 16  ሮብዓም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት+ እውን ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣብያ+ ነገሰ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መንግስትታት።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”