2 ዜና መዋእል 13:1-22

  • ኣብያ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-22)

    • ኣብያ ንየሮብዓም ሰዓሮ (3-20)

13  ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ የሮብዓም፡ ኣብያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።+  ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ሚካያ እዩ፣+ ንሳ ጓል ኡርኤል ብዓል ጊብዓ+ እያ። ኣብ መንጎ ኣብያን የሮብዓምን ከኣ ውግእ ነበረ።+  ኣብያ ድማ 400,000 ዕሉማት* ጀጋኑ ተዋጋእቲ ዝዀኑ ሰራዊት ሒዙ ንውግእ ወፈረ።+ የሮብዓም ከኣ 800,000 ዕሉማት* ጀጋኑ ተዋጋእቲ ሒዙ ኣንጻሩ ንውግእ ተሰለፈ።  ኣብያ ድማ ኣብቲ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘሎ ኸረን ጸማራዪም ደው ኢሉ ኸምዚ በለ፦ “ኦ የሮብዓምን ኵላትኩም እስራኤልን፡ ስምዑኒ።  የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊት፡ ንዕኡን ንደቁን፡ ብናይ ጨው ኪዳን* ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም መንግስቲ ኸም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+  የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ፡ ጊልያ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ግና፡ ተንሲኡ ኻብ ጐይታኡ ዓለወ።+  ስራሕ ዘይብሎምን ዘይጠቕሙን ሰባት ከኣ ናብኡ ተኣከቡ። ሮብዓም ንእሽቶን ጃጃውን ከሎ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ፣ ንሱ እውን ኪቃወሞም ኣይከኣለን።  “ሕጂ ድማ፡ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝዀንኩምን እቶም የሮብዓም ንዓኻትኩም ኣማልኽቲ ኪዀኑ ዝገበሮም ምራኹት ወርቂ ስለ ዘለዉኹምን፡+ ነታ ኣብ ኢድ ደቂ ዳዊት ዘላ መንግስቲ የሆዋ ኽትቃወምዋ እትኽእሉ ይመስለኩም ኣሎ።  ነቶም ካህናት የሆዋ ዝዀኑ ደቂ ኣሮንን ነቶም ሌዋውያንን ሰጒጕኩም፡+ ከምቶም ህዝብታት ካልኦት ሃገራት ናታትኩም ካህናትዶ ኣይሸምኩምን፧+ ሓደ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ሒዙ ዝመጸ* ዘበለ፡ ካህን እቶም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። 10  ንዓና ግና ኣምላኽና የሆዋ እዩ፡+ ንሕና እውን ኣይሓደግናዮን፣ ካህናትና፡ ደቂ ኣሮን ከኣ ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ፣ ሌዋውያን ድማ ኣብቲ ዕዮ ይሕግዙ ኣለዉ። 11  ንግሆ ንግሆን ምሸተ ምሸትን+ ከኣ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ምስ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን የሕርሩሉ ኣለዉ፣+ እቲ እተደራረበ እንጌራ*+ ድማ ኣብቲ ሰደቓ ጽሩይ ወርቂ ኣሎ፣ ምሸተ ምሸት ከኣ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቅን+ ቀነዲሉን የብርህዎ ኣለዉ።+ ንሕናስ ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና ዘሎና ሓላፍነት ንስከም ኣለና፡ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም። 12  እንሆ ድማ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምሳና እዩ፣ ብኻህናቱን በቲ ምሳኻትኩም ንምውጋእ ምልክት ዚኸውን መለኸትን ኣቢሉ ኸኣ ይመርሓና ኣሎ። ኦ ሰብ እስራኤል፡ ኣይኪቐንዓኩምን እዩ እሞ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ።”+ 13  የሮብዓም ግና ብድሕሪኦም ዞይሮም ዚመጹ ደባይ ልኢኹሎም ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ይሁዳ፡ እቶም ደባይ ከኣ ኣብ ድሕሪኦም ነበሩ። 14  ሰብ ይሁዳ ገጾም ምስ መለሱ ድማ፡ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ውግእ ከም ዝዀኖም ረኣዩ። ሽዑ፡ ናብ የሆዋ ተማህለሉ፣+ እቶም ካህናት እውን ዓው ኣቢሎም መለኸት ነፍሑ። 15  ሰብ ይሁዳ ኸኣ ጭድርታ ውግእ ጨደሩ፣ ሰብ ይሁዳ ጭድርታ ውግእ ምስ ጨደሩ ድማ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንየሮብዓምን ንዅሎም እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣብያን ይሁዳን ሰዓሮም። 16  እስራኤላውያን ከኣ ካብ ቅድሚ ይሁዳ ሃደሙ፣ ኣምላኽ እውን ኣብ ኢዶም ሃቦም። 17  ኣብያን ህዝቡን ድማ ንዓታቶም ወቒዖም ብዙሓት ቀተሉ፣ ካብ እስራኤል ከኣ 500,000 ዕሉማት* ሰብኡት ተቐቲሎም ወደቑ። 18  በዚ ኸምዚ፡ በታ ግዜ እቲኣ ሰብ እስራኤል ተዋረዱ፣ ሰብ ይሁዳ ግና ብየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ እተኣመኑ፡* በርትዑ።+ 19  ኣብያ ኸኣ ንየሮብዓም ሰጐጎ፡ ካብኡ እውን ከተማታት፡ ማለት ቤት-ኤልን+ ዓድታታን የሻናን ዓድታታን ዔፍራይንን+ ዓድታታን ሓዘ። 20  የሮብዓም ድማ ብግዜ ኣብያ፡ መሊሱ ሓይሊ ኣይነበሮን፣ የሆዋ ኸኣ ወቕዖ እሞ ሞተ።+ 21  ኣብያ ግና እናበርትዐ ኸደ፣ 14 ኣንስቲ ኣእትዩ ድማ፡+ 22 ኣወዳትን 16 ኣዋልድን ወለደ። 22  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣብያ፡ ግብርታቱን ዘረባኡን፡ ኣብ ጽሑፋት* ነብዪ ዒዶ ተመዝጊቡ ኣሎ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”
ማለት፡ ነባርን ዘይልወጥን ኪዳን።
ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ ኺመልእ ዝመጸ።”
ማለት፡ እንጌራ ምርኣይ።
ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”
ቃ.ቃ.፡ “እተመርኰሱ።”
ወይ፡ “መግለጺ፣ ርእይቶ።”