2 ዜና መዋእል 14:1-15

  • ሞት ኣብያ (1)

  • ኣሳ፡ ንጉስ ይሁዳ (2-8)

  • ኣሳ ን1,000,000 ኢትዮጵያውያን ሰዓሮም (9-15)

14  ኣብያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብ ከተማ ዳዊት+ እውን ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ። ብዘመኑ ድማ እታ ምድሪ ዓሰርተ ዓመት ዓረፈት።  ኣሳ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ገበረ።  ናይ ጓኖት መሰውኢታትን+ በረኽትን ኣወገደ፡ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበረ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾ* እውን ቈረጸ።+  ንይሁዳ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎ፡ ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኪሕልዉ ነገሮም።  ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ድማ በረኽትን መሰውኢ ዕጣንን ኣወገደ፣+ እታ መንግስቲ ኸኣ ኣብ ትሕቲኡ ሃዲኣ ነበረት።  የሆዋ ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦ፡+ እታ ምድሪ ሃዲኣ ነበረት፡ በተን ዓመታት እቲአን እውን ውግእ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ይሁዳ እተዓርዳ ኸተማታት ሰርሐ።+  ንይሁዳ ኸኣ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽና ስለ ዝደለናዮስ፡ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜና ኣላ እሞ፡ ነዘን ከተማታት እዚአን ንስርሓየን ብመካበብያን ብግምብታትን+ ብመዓጹን ብተገዳማትን ከኣ ንኽበበን። ንሕና ደሊናዮ ኢና፡ ንሱ እውን ኣብ ዙርያና ዕረፍቲ ሂቡና ኣሎ” በሎም። ስለዚ፡ ህንጸቶም ዕዉት ነበረ።+  ኣሳ ድማ ካብ ይሁዳ ዓበይቲ ዋላቱን ሕላሳትን እተዓጥቁ 300,000 ሰራዊት ነበርዎ። ካብ ብንያም እውን ንኣሽቱ ዋላቱ* ዚጾሩን ቀስቲ እተዓጥቁን* 280,000 ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎ።+  ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ኸኣ 1,000,000 ሰራዊትን 300 ሰረገላን ሒዙ ኣንጻሮም መጸ።+ ናብ ማረሻ ምስ በጽሐ፡+ 10  ኣሳ ኣንጻሩ ወጸ፡ ኣብ ስንጭሮ ጸፋታ ኣብ ማረሻ ድማ ንውግእ ተሰለፉ። 11  ኣሳ ኸኣ ናብ የሆዋ ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፦+ “ኦ የሆዋ፡ እቶም እትረድኦም ብዙሓት ይኹኑ ወይ ሓይሊ ዘይብሎም ይኹኑ ዜገድሰካ ኣይኰነን።+ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ብኣኻ ተኣሚንና፡*+ ብስምካ ኸኣ ኣንጻር እዚ ህዝቢ እዚ መጺእና ኣለና እሞ፡+ ርድኣና። ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና። መዋቲ ሰብ ኪስዕረካ ኣይትሕደግ።”+ 12  የሆዋ ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዓሮም፣ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ሃደሙ።+ 13  ኣሳን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝብን ድማ ክሳብ ጌራር+ ሰጐጕዎም፣ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ብየሆዋን ብሰራዊቱን ስለ እተሓምሸሹ፡ ካባታቶም ብህይወት ዚተርፍ ክሳዕ ዚስኣን ወደቑ። ድሕሪኡ፡ ንሳቶም ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ማረኹ። 14  ኣብ ዙርያ ጌራር ንዘለዋ ዅለን ከተማታት እውን ወቕዕወን፣ ራዕዲ የሆዋስ ኣባታቶም ኰይኑ ነበረ፣ ኣባታተን ከኣ ብዙሕ ዚዝመት ነበረ እሞ፡ ንዅለን እተን ከተማታት ዘመትወን። 15  ድንኳናት እቶም ሰብ ማል ድማ ኣፍረሱ፣ ብዙሓት መጓሰን ኣግማልን ማሪኾም ከኣ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስተኛታት ዚጽወር።
ቃ.ቃ.፡ “ቀስቲ ዚረግጹን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣባኻ ተመርኲስና።”