2 ዜና መዋእል 15:1-19

  • ኣሳ ዝገበሮ ተሓድሶ (1-19)

15  መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዓዛርያ ወዲ ዖዴድ መጸ።  ንኣሳ ኺረኽቦ ወጺኡ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ኦ ኣሳን ኵላትኩም ይሁዳን ብንያምን፡ ስምዑኒ! ንስኻትኩም ምስ የሆዋ ኽሳዕ ዝዀንኩም፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፣+ እንተ ደሊኹምዎ፡ ኪርከበልኩም እዩ፣+ እንተ ሓዲግኩምዎ ግና፡ ኪሓድገኩም እዩ።+  እስራኤልሲ ንነዊሕ ግዜ* ብዘይ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ብዘይ ዚምህር ካህንን ብዘይ ሕግን ነበሩ።+  ብጭንቆም ናብ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ምስ ተመልሱን ምስ ደለይዎን ግና፡ ተረኺቡሎም እዩ።+  በተን ግዜያት እቲአን፡ ኣብ መንጎ ዅሎም ነበርቲ እተን ሃገራት ብዙሕ ህውከት ነበረ እሞ፡ ብደሓን ኪጕዓዝ ዚኽእል ኣይነበረን።*  ኣምላኽ ብዅሉ ዓይነት ጭንቂ ይህውኾም ስለ ዝነበረ፡+ ህዝቢ ብህዝቢ፡ ከተማ ብኸተማ ይሕምሸሽ ነበረ።  ንስኻትኩም ግና፡ ተግባርኩም ዓስቢ ኺረክብ እዩ እሞ፡ በርትዑ፡ ተስፋ እውን ኣይትቝረጹ።”*+  ኣሳ ድማ፡ እዚ ቓላት እዝን ትንቢት ነብዪ ዖዴድን ምስ ሰምዐ፡ ተብዐ እሞ ኻብ ኵላ ምድሪ ይሁዳን ብንያምን ካብተን ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዝሓዘን ከተማታትን ጽዩፋት ጣኦታት ኣርሓቐ፣+ ነቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ገበላ የሆዋ ዝነበረ መሰውኢ የሆዋ ኸኣ ሓደሶ።+  ንዅሎም ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን ምሳታቶም ዝነበሩ ጓኖትን ኣከቦም፣+ የሆዋ ኣምላኹ ምስኡ ኸም ዘሎ ምስ ረኣዩስ፡ ካብ እስራኤል ብዙሓት ናብኡ ኸዲዖም ነበሩ። 10  ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ እታ መበል 15 ዓመት ንግስና ኣሳ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። 11  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብቲ ዘምጽእዎ ምርኮ 700 ከብትን 7,000 በጊዕን ንየሆዋ ሰውኡሉ። 12  ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን* ኪደልይዎ ኸኣ፡+ ኪዳን ኣተዉ። 13  ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ዘይደልዮ ዘበለ፡ ንእሽቶ ዀነ ዓብዪ፡ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ፡ ኪቕተል ነበሮ።+ 14  ዓው ብዝበለ ድምጽን ብእልልታን ብመለኸትን ብመለኸት ቀርንን ድማ ንየሆዋ መሓሉሉ። 15  ብዅሉ ልቦም ምሒሎምን ተሃንጥዮም ደልዮምዎን ነበሩ፡ ንሱ እውን ተረኺቡሎም ነበረ እሞ፡+ ኵሎም ይሁዳ በቲ ማሕላ ተሓጐሱ፣ የሆዋ ኸኣ ኣብ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም።+ 16  ንጉስ ኣሳ ድማ፡ ዓባዩ ማዓካ+ ዓንዲ ኣምልኾ* ኪኸውን ጽዩፍ ጣኦት ስለ ዝገበረት፡ ንዓኣ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቲ ኸም ኣደ ንጉስ* ዝነበራ ስልጣን ሰዓራ።+ ኣሳ ኸኣ ነቲ ጽዩፍ ጣኦታ ቘሪጹን ኣድቂቑን ኣብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣንደዶ።+ 17  እቲ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣይተወገደን ነበረ።+ ይኹን እምበር፡ ልቢ ኣሳ ብዅሉ ዘመኑ* ምሉእ* ነበረ።+ 18  ነቲ ንሱን ኣቦኡን ዝቐደስዎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሑን ድማ ናብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣእተዎ።+ 19  ክሳዕ መበል 35 ዓመት ንግስና ኣሳ ኸኣ ውግእ ኣይነበረን።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንብዙሕ መዓልትታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዚወጽእ ኰነ ንዚኣቱ ሰላም ኣይነበረን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣእዳውኩም ኣይተውርዱ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “እተጌ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታቱ።”
ወይ፡ “ምሉእ ብምሉእ ውፉይ።”