2 ዜና መዋእል 17:1-19

  • ዮሳፋጥ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-6)

  • ወፈራ ትምህርቲ (7-9)

  • ወተሃደራዊ ሓይሊ ዮሳፋጥ (10-19)

17  ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ+ ነገሰ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እውን ስልጣኑ ኣደልደለ።  ኣብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ኸኣ ሰራዊት ኣንበረ፣ ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሓዘን ከተማታት ኤፍሬምን ድማ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ።+  ዮሳፋጥ በተን ቀዳሞት መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ስለ እተመላለሰን+ ንበዓላት ስለ ዘይደለዮምን፡ የሆዋ ምስኡ ነበረ።  ንሱስ ንኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ደለዮ፡+ ብትእዛዙ እውን ተመላለሰ እምበር፡ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይተመላለሰን።+  የሆዋ ኸኣ ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኣጽንዓ፣+ ኵሎም ይሁዳ ድማ ንዮሳፋጥ ህያባት ይህብዎ ነበሩ፣ ኣኺሉ ዚተርፍ ሃብትን ክብርን ከኣ ነበሮ።+  ልቡ ድማ ብመገድታት የሆዋ ተብዐ፣ ነቲ በረኽትን+ ኣዕኑድ ኣምልኾን*+ እውን ካብ ይሁዳ ኣወገዶ።  ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንግስናኡ ኸኣ ንመሳፍንቱ ቤን-ሓዪልን ኦብድያን ዘካርያስን ናትናኤልን ሚካያን ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኺምህሩ ሰደዶም።  ምሳታቶም ድማ ሌዋውያን፡ ማለት ሸማዕያን ነታንያን ዘባድያን ዓሳሄልን ሸሚራሞትን ዮናታንን ኣዶንያን ጦብያን ጦብ-ኣዶንያን ነበሩ፣ ምሳታቶም እውን ኤሊሻማዕን ዮራምን እቶም ካህናት ነበሩ።+  መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ምሳታቶም ወሲዶም፡ ኣብ ይሁዳ መሃሩ፣+ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ዞይሮም ከኣ፡ ንህዝቢ ይምህሩ ነበሩ። 10  ኣብ ልዕሊ ዅለን መንግስትታት እተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ ሃገራት ድማ፡ ራዕዲ የሆዋ ዀነ፣ ምስ ዮሳፋጥ ከኣ ኣይተዋግኡን። 11  ፍልስጥኤማውያን ድማ ንዮሳፋጥ ህያባት ኣምጽኡሉ፡ ገንዘብ እውን ገበሩሉ። ኣዕራብ ከኣ ካብ መጓሰኦም 7,700 ድዑልን 7,700 ድቤላን ኣምጽኡሉ። 12  ዮሳፋጥ ድማ እናዓበየ ኸደ፣+ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ዕርድታትን+ ከተማታት መኽዘንን+ ሰርሐ። 13  ኣብ ከተማታት ይሁዳ ድማ ሰፊሕ ዕዮታት ዓየየ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ተዋጋእትን ሓያላት ጀጋኑን ነበርዎ። 14  እዚኣቶም በብማይ ቤቶም ተጐጂሎም ነበሩ፦ ናይ ይሁዳ ኣሕሉቕ ሽሕ፡ ዓድናሕ እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ 300,000 ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ።+ 15  ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ኸኣ ዮሓናን እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ 280,000 ነበሩ። 16  ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ እውን እቲ ብፍታዉ ንየሆዋ ዜገልግል ዓማስያ ወዲ ዚክሪ፡ ምስኡ ድማ 200,000 ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ። 17  ካብ ብንያም+ ከኣ እቲ ሓያል ጅግና ኤልያዳዕ፡ ምስኡ ድማ ቀስትን ዋልታን እተዓጥቁ 200,000 ነበሩ።+ 18  ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ የሆዛባድ፡ ምስኡ ድማ ኣብ ሰራዊት ኪዀኑ እተዓጥቁ 180,000 ነበሩ። 19  ብዘይ እቶም ንጉስ ኣብተን እተዓርዳ ኸተማታት ኣብ ብዘላ ይሁዳ ዘቐመጦም፡ ንንጉስ ዜገልግልዎ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።