2 ዜና መዋእል 19:1-11

  • የሁ ንዮሳፋጥ ገንሖ (1-3)

  • ዮሳፋጥ ዝገበሮ ተሓድሶ (4-11)

19  ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ድማ ብሰላም ናብ ቤቱ* ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።+  የሁ+ ወዲ ሓናኒ+ እቲ ረኣዪ ኸኣ ኪረኽቦ ወጸ እሞ፡ ንንጉስ ዮሳፋጥ ከምዚ በሎ፦ “ንእኩይዶ ትሕግዞ፡+ ነቶም ንየሆዋ ዚጸልእዎዶኸ ትፈትዎም ኢኻ፧+ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።  ግናኸ፡ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ኻብዛ ምድሪ ስለ ዘወገድካ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምድላይ እውን ልብኻ ስለ ዘዳሎኻ፡*+ ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ።”+  ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ፣ ከም ብሓድሽ ከኣ ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳብ ኣኽራን ኤፍሬም+ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪመልሶም ናብ መንጎ ህዝቢ ወጸ።+  ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ድማ፡ ኣብ ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ፡ ኣብ ከከተማ ፈራዶ ሸመ።+  ነቶም ፈራዶ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ንየሆዋ ኢልኩም እምበር፡ ንሰብ ኢልኩም ኣይኰንኩምን እትፈርዱ እሞ፡ ነቲ እትገብርዎ ኣቕልቡሉ፣ ፍርዲ ኽትፈርዱ ኸለኹም፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ።+  እምበኣር፡ ፍርሃት የሆዋ ኣባኻትኩም ይኹን።+ ኣብ የሆዋ ኣምላኽናስ ዓመጻን*+ ኣድልዎን+ ምውሳድ ጉቦን የልቦን+ እሞ፡ ብእትገብርዎ ተጠንቀቑ።”  ኣብ የሩሳሌም እውን፡ ንየሆዋ ፈራዶ ዀይኖም ኬገልግሉን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌም ንዚልዓል ጕዳይ ኬደቅሱን፡ ዮሳፋጥ ገለ ኻብ ሌዋውያንን ካህናትን ካብ ርእስታት ማይ ቤታት እስራኤልን ሸመ።+  ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ብፍርሃት የሆዋን ብተኣማንነትን ብምሉእ* ልብን እትገብርዎ እዚ እዩ፦ 10  ኣብ ከተማታቶም ዚነብሩ ኣሕዋትኩም ብዛዕባ ምፍሳስ ደም ዚምልከት ጕዳይ፡+ ወይ ብዛዕባ ሕግን ትእዛዝን ስርዓታትን ፍርድታትን ሕቶ ምስ ዜምጽኡልኩም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ በደልቲ ኸይኰኑ እሞ፡ ቍጥዓኡ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን ከይመጽእ ኣጠንቅቕዎም። በደልቲ ምእንቲ ኸይትዀኑ፡ ከምኡ ግበሩ። 11  እቲ ኣብ ናይ የሆዋ ዘበለ ነገር ኣብ ልዕሌኹም ዝዀነ ኣማርያ እቲ ሊቀ ኻህናት እንሆ።+ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ከኣ ኣብቲ ናይ ንጉስ ዘበለ ነገር መራሒ ቤት ይሁዳ እዩ። እቶም ሌዋውያን ድማ ኣሕሉቕኩም ኰይኖም ኬገልግሉ እዮም። በርትዑን ግበሩን፡ የሆዋ ኸኣ ምስቶም ጽቡቕ ዚገብሩ* ይኹን።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መንግስቱ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ብልብኻ ስለ ዝቘረጽካ።”
ወይ፡ “ዘይፍትሓውነትን።”
ወይ፡ “ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ብዝዀነ።”
ወይ፡ “ምስ ጽቡቕ።”