2 ዜና መዋእል 22:1-12
22 እቲ ምስ ኣዕራብ ናብቲ ሰፈር ዝመጸ ዘማቲ ጭፍራ ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ስለ ዝቐተሎም ድማ፡ ነበርቲ የሩሳሌም ኣብ ክንዳኡ ነቲ ሕሳስ ልደ ወዱ ኣሓዝያ ኣንገስዎ።+ ስለዚ፡ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ ዀይኑ ነገሰ።+
2 ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓደ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዓታልያ እዩ፣+ ንሳ ጓል ወዲ ዖምሪ* እያ።+
3 ኣዲኡ ኽፉእ ንምግባር ኣማኻሪቱ ነበረት እሞ፡ ንሱ እውን ብመገድታት ቤት ኣከኣብ ተመላለሰ።+
4 ድሕሪ ሞት ኣቦኡ፡ ቤት ኣከኣብ ንጥፍኣቱ ኣማኸርቱ ነበሩ እሞ፡ ከማታቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።
5 ምኽሮም ስዒቡ ድማ ምስ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ኰይኑ፡ ምስ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኪዋጋእ ከደ፣+ ኣብኡ ኸኣ ቀስተኛታት ንዮራም ኣቝሰልዎ።
6 ካብቲ ምስ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ ኣብ ራማ ዘቝሰልዎ ቝስሊ ኺሓዊ ናብ ይዝርኤል ተመልሰ።+
ኣሓዝያ* ወዲ ዮራም+ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ዮራም+ ወዲ ኣከኣብ ቈሲሉ* ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ኺርእዮ ናብ ይዝርኤል ወረደ።+
7 ግናኸ፡ ኣሓዝያ ናብ ዮራም ምስ መጸ፡ ኣምላኽ ጥፍኣት ኣምጽኣሉ። ምስ መጸ ድማ፡ ምስ ዮራም ኰይኑ ነቲ ንቤት ኣከኣብ ኬጥፍኣ ኢሉ የሆዋ ዝቐብኦ የሁ+ ወዲ ወዱ ንኒምሺ* ኺረኽቦ ወጸ።
8 የሁ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ ፍርዲ ኺፍጽም ከሎ፡ ንመሳፍንቲ ይሁዳን ነቶም ኣገልገልቲ ኣሓዝያ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋት ኣሓዝያን ረኸቦም እሞ ቐተሎም።+
9 ንኣሓዝያ ኸኣ ደለዮ፣ ኣብታ ተሓቢኡላ ዝነበረ ሰማርያ ድማ ሓዝዎ እሞ ናብ የሁ ኣምጽእዎ። ምስ ቀተልዎ+ ኸኣ፡ “ንሱ ነቲ ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ዝደለዮ ዮሳፋጥ ወዲ ወዱ እዩ” ኢሎም ቀበርዎ።+ ካብ ቤት ኣሓዝያ ድማ ነታ መንግስቲ ኺገዝኣ ዚኽእል ኣይነበረን።
10 ዓታልያ+ ኣደ ኣሓዝያ፡ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየት፡ ተንሲኣ ንብዘሎ ዘርኢ ንጉስ* ቤት ይሁዳ ኣጥፍአት።+
11 ግናኸ፡ የሆሻብዓት ጓል ንጉስ ንዮኣስ+ ወዲ ኣሓዝያ ኻብ መንጎ እቶም ዚቕተሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ፣ ንዕኡን ንመጕዚቱን ከኣ ኣብ ውሽጣዊት መደቀሲ ኣእተወቶም። የሆሻብዓት ጓል ንጉስ ዮራም፡+ (ንሳ ሰበይቲ ኻህን የሆያዳን+ ሓብቲ ኣሓዝያን ነበረት፡) ካብ ቅድሚ ዓታልያ ሓብኣቶ እሞ ንሳ ኣይቀተለቶን።+
12 ዓታልያ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ነጊሳ ኸላ ኸኣ፡ ምሳታቶም ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ።
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ንሳ ጓል ዖምሪ።”
^ ኣብ ገሊኡ ኢደ ጽሑፋት፡ “ኣዛርያ።”
^ ወይ፡ “ሓሚሙ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “የሁ ወዲ ኒምሺ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ዘርኢ መንግስቲ።”