2 ዜና መዋእል 22:1-12

  • ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-9)

  • ዓታልያ፡ ዝፋን መንዝዐት (10-12)

22  እቲ ምስ ኣዕራብ ናብቲ ሰፈር ዝመጸ ዘማቲ ጭፍራ ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ስለ ዝቐተሎም ድማ፡ ነበርቲ የሩሳሌም ኣብ ክንዳኡ ነቲ ሕሳስ ልደ ወዱ ኣሓዝያ ኣንገስዎ።+ ስለዚ፡ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ ዀይኑ ነገሰ።+  ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 22 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓደ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዓታልያ እዩ፣+ ንሳ ጓል ወዲ ዖምሪ* እያ።+  ኣዲኡ ኽፉእ ንምግባር ኣማኻሪቱ ነበረት እሞ፡ ንሱ እውን ብመገድታት ቤት ኣከኣብ ተመላለሰ።+  ድሕሪ ሞት ኣቦኡ፡ ቤት ኣከኣብ ንጥፍኣቱ ኣማኸርቱ ነበሩ እሞ፡ ከማታቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።  ምኽሮም ስዒቡ ድማ ምስ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ኰይኑ፡ ምስ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኪዋጋእ ከደ፣+ ኣብኡ ኸኣ ቀስተኛታት ንዮራም ኣቝሰልዎ።  ካብቲ ምስ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ ኣብ ራማ ዘቝሰልዎ ቝስሊ ኺሓዊ ናብ ይዝርኤል ተመልሰ።+ ኣሓዝያ* ወዲ ዮራም+ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ዮራም+ ወዲ ኣከኣብ ቈሲሉ* ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ኺርእዮ ናብ ይዝርኤል ወረደ።+  ግናኸ፡ ኣሓዝያ ናብ ዮራም ምስ መጸ፡ ኣምላኽ ጥፍኣት ኣምጽኣሉ። ምስ መጸ ድማ፡ ምስ ዮራም ኰይኑ ነቲ ንቤት ኣከኣብ ኬጥፍኣ ኢሉ የሆዋ ዝቐብኦ የሁ+ ወዲ ወዱ ንኒምሺ* ኺረኽቦ ወጸ።  የሁ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ ፍርዲ ኺፍጽም ከሎ፡ ንመሳፍንቲ ይሁዳን ነቶም ኣገልገልቲ ኣሓዝያ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋት ኣሓዝያን ረኸቦም እሞ ቐተሎም።+  ንኣሓዝያ ኸኣ ደለዮ፣ ኣብታ ተሓቢኡላ ዝነበረ ሰማርያ ድማ ሓዝዎ እሞ ናብ የሁ ኣምጽእዎ። ምስ ቀተልዎ+ ኸኣ፡ “ንሱ ነቲ ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ዝደለዮ ዮሳፋጥ ወዲ ወዱ እዩ” ኢሎም ቀበርዎ።+ ካብ ቤት ኣሓዝያ ድማ ነታ መንግስቲ ኺገዝኣ ዚኽእል ኣይነበረን። 10  ዓታልያ+ ኣደ ኣሓዝያ፡ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየት፡ ተንሲኣ ንብዘሎ ዘርኢ ንጉስ* ቤት ይሁዳ ኣጥፍአት።+ 11  ግናኸ፡ የሆሻብዓት ጓል ንጉስ ንዮኣስ+ ወዲ ኣሓዝያ ኻብ መንጎ እቶም ዚቕተሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ፣ ንዕኡን ንመጕዚቱን ከኣ ኣብ ውሽጣዊት መደቀሲ ኣእተወቶም። የሆሻብዓት ጓል ንጉስ ዮራም፡+ (ንሳ ሰበይቲ ኻህን የሆያዳን+ ሓብቲ ኣሓዝያን ነበረት፡) ካብ ቅድሚ ዓታልያ ሓብኣቶ እሞ ንሳ ኣይቀተለቶን።+ 12  ዓታልያ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ነጊሳ ኸላ ኸኣ፡ ምሳታቶም ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንሳ ጓል ዖምሪ።”
ኣብ ገሊኡ ኢደ ጽሑፋት፡ “ኣዛርያ።”
ወይ፡ “ሓሚሙ።”
ቃ.ቃ.፡ “የሁ ወዲ ኒምሺ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ዘርኢ መንግስቲ።”