2 ዜና መዋእል 23:1-21

  • የሆያዳ ጣልቃ ኣተወ፣ ዮኣስ ንጉስ ኰነ (1-11)

  • ዓታልያ ተቐትለት (12-15)

  • የሆያዳ ዝገበሮ ተሓድሶ (16-21)

23  ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ድማ፡ የሆያዳ ተቢዑ ምስቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፡ ምስ ዓዛርያ ወዲ የሮሓምን እስማኤል ወዲ ዮሓናንን ዓዛርያ ወዲ ዖቤድን ማዓስያ ወዲ ዓዳያን ኤሊሻፋጥ ወዲ ዚክሪን፡ ኪዳን ገበረ።+  ኣብ ይሁዳ ዞይሮም ከኣ፡ ካብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ርእስታት ማይ ቤታት እስራኤልን ኣከብዎም።+ ናብ የሩሳሌም ምስ መጹ፡  ብዘሎ እቲ ጉባኤ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስ ንጉስ ኪዳን ገበሩ፣+ ድሕሪኡ፡ ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ዘተስፈዎ፡ ወዲ ንጉስ ኪነግስ እዩ።+  እቲ እትገብርዎ እዚ እዩ፦ ብሰንበት ዚዓይዩ ሲሶ ኻህናትን ሌዋውያንን፡+ ሓለውቲ ማዕጾ ኪዀኑ እዮም፣+  ሲሶ ድማ ኣብ ቤት* ንጉስ ኪዀኑ፡+ ሲሶ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ መሰረት ኪዀኑ እዮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣጸዳት ቤት የሆዋ ኪኸውን እዩ።+  ብዘይካ እቶም ዜገልግሉ ኻህናትን ሌዋውያንን፡ ሓደ እኳ ናብ ቤት የሆዋ ኺኣቱ ኣይትሕደጉ።+ ንሳቶም ግና ቅዱስ ጕጅለ ስለ ዝዀኑ፡ ኪኣትዉ ይኽእሉ እዮም፣ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ግዴታ ይሓልዉ።  እቶም ሌዋውያን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ይኽበብዎ። ናብታ ቤት ዚኣቱ ዘበለ ድማ ይቀተል። ንጉስ ናብ ዝኸዶ ዘበለ፡* ምስኡ ኹኑ።”  እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ይሁዳን ልክዕ ከምቲ ኻህን የሆያዳ ዝኣዘዞም ገበሩ። ካህን የሆያዳ ነቶም ክፍልታት+ ካብ ዕዮኦም ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ኣብ ዕዮ ዝነበሩ ምስቶም ብሰንበት ካብ ዕዮ ናጻ ዝነበሩ ሰቦም ወሰዱ።+  ካህን የሆያዳ ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፡+ እቲ ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝነበረ+ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናውትን ንኣሽቱ ዋላቱን* ከበብቲ ዋላቱን ሃቦም።+ 10  ንዅሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ* ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብ የማናይ ሸነኽ እታ ቤት ክሳብ ጸጋማይ ሸነኽ እታ ቤት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን ኣብ ጥቓ እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቘሞም። 11  ንሳቶም ድማ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኦም፡+ ዘውዲ ደፍኡሉ፡ ምስክር*+ እውን ሃብዎ፣ ኣንገስዎ ኸኣ፣ የሆያዳን ደቁን እውን ቀብእዎ። ንሳቶም ድማ፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” በሉ።+ 12  ዓታልያ ኸኣ ደሃይ እቶም ዚጐይዩን ንንጉስ ዚውድስዎን ህዝቢ ምስ ሰምዐት፡ ብኡብኡ ናብቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበሩ ህዝቢ መጸት።+ 13  ንጉስ ኣብ ጥቓ ዓንዲ ኣብቲ መእተዊ ቘይሙ ድማ ረኣየት። እቶም መሳፍንትን+ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ምስ ንጉስ ነበሩ፣ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸኣ ይሕጐሱን መለኸት ይነፍሑን ነበሩ፣+ እቶም ዘመርቲ እውን ብናውቲ ሙዚቃ ገይሮም ነቲ ውዳሰ ይመርሕዎ* ነበሩ። ሽዑ፡ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ “ውዲት! ውዲት!” ኢላ ጨርሐት። 14  ካህን የሆያዳ ግና ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት እተሸሙ ኣሕሉቕ ሚእቲ ኣውጺኡ፡ “ካብ መንጎ እቲ መስርዕ ኣውጽእዋ፣ ንዚስዕባ ዘበለ እውን፡ ብሰይፊ ቕተልዎ!” በሎም። እቲ ኻህንሲ፡ “ኣብ ቤት የሆዋ ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ነበረ። 15  ንሳቶም ድማ ሓዝዋ፣ ኣብታ ናብ ቤት* ንጉስ እተእቱ ኣፍ ደገ ኣፍራስ ምስ በጽሐት ከኣ፡ ኣብኣ ቐተልዋ። 16  የሆያዳ ድማ ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ኢሉ፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ኣብ መንጎ ንጉስን ኪዳን ገበረ።+ 17  ድሕርዚ፡ ኵሎም ህዝቢ ናብ ቤት* በዓል ከይዶም ኣፍረስዋ፣+ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ፣+ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ቀተልዎ።+ 18  የሆያዳ ድማ ሓላፍነት ቤት የሆዋ ኣብ ኢድ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ገበረ፣ ንዓታቶም ከኣ ዳዊት ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ+ ዚሓርር መስዋእቲ የሆዋ ኬቕርቡ ኣብ ልዕሊ ቤት የሆዋ ብኽፍልታት ሰሪዕዎም ነበረ፣+ ብትእዛዝ* ዳዊት ድማ፡ ነዚ ብሓጐስን ብመዝሙርን ኪገብርዎ ነበሮም። 19  ብዝዀነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱስ፡ ነቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ+ እውን ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገታት ቤት የሆዋ ኣቘሞም። 20  ነቶም ኣሕሉቕ ሚእትን+ ነቶም ልዑላንን ነቶም ገዛእቲ ህዝብን ንዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን ድማ ወሰዶም፣ ንንጉስ ከኣ ካብ ቤት የሆዋ ዓጂቡ ኣውረዶ። በታ ላዕለወይቲ ኣፍ ደገ ናብ ቤት* ንጉስ ኣትዮም ድማ፡ ንንጉስ ኣብቲ ዝፋን+ መንግስቲ ኣቐመጥዎ።+ 21  ንዓታልያ ብሰይፊ ስለ ዝቐተልዋ፡ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ተሓጐሱ፡ እታ ኸተማ እውን ሃድአት።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኪወጽእን ኪኣቱን ከሎ።”
መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስተኛታት ዚጽወር።
ወይ፡ “ተወርዋሪኡ።”
ሕጊ ኣምላኽ ዝሓዘ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ምልክት ይህቡ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኢድ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”