2 ዜና መዋእል 24:1-27

  • ግዝኣት ዮኣስ (1-3)

  • ዮኣስ ነታ ቤተ መቕደስ ሓደሳ (4-14)

  • ክሕደት ዮኣስ (15-22)

  • ዮኣስ ተቐትለ (23-27)

24  ዮኣስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ፣+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 40 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ጺብያ እዩ፣ ንሳ ኻብ ብኤር-ሸባዕ እያ።+  ዮኣስ ድማ ብዅሉ ዘመን ካህን የሆያዳ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+  የሆያዳ ኸኣ ክልተ ኣንስቲ ሓረየሉ፣ ንሱ ድማ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።  ድሕርዚ፡ ዮኣስ ንቤት የሆዋ ኺሕድሳ ብልቡ ተመነየ።+  ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ኸኣ፡ “ናብ ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፡ ዓመት ንዓመት ንምጽጋን ቤት ኣምላኽኩም ዚኸውን ገንዘብ ካብ ኵሎም እስራኤል ኣክቡ፣+ ነዚ ነገር እዚ እውን ቀልጢፍኩም ግበርዎ” በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ነዚ ቐልጢፎም ኣይገበርዎን።+  ንጉስ ከኣ ንየሆያዳ እቲ ሊቅ ጸዊዑ፡+ “ስለምንታይ ኢኻ ነቶም ሌዋውያን፡ ነቲ ንድንኳን ምስክር ዚኸውን ብሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ እተኣዘዘ ቕዱስ ግብሪ፡+ ቅዱስ ግብሪ ጉባኤ እስራኤል፡ ካብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከም ዜምጽኡ ዘይገበርካዮም፧+  ደቂ ዓታልያ+ እታ እክይቲ ሰበይትስ፡ ናብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥሒሶም ኣትዮም፡+ ነቲ ናይ ቤት የሆዋ ዘበለ ዅሉ ቕዱስ ነገር ንበዓላት ገይሮምዎ እዮም” በሎ።  ብትእዛዝ ንጉስ ድማ፡ ሳጹን ገይሮም፡+ ኣብ ወጻኢ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ኣቐመጥዎ።+  ድሕሪኡ፡ እቲ ብሙሴ እቲ ጊልያ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ በረኻ እተኣዘዘ ቕዱስ ግብሪ+ ናብ የሆዋ ኼምጽኡ፡ ኣብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣወጁ። 10  ኵሎም እቶም መሳፍንትን ኵሎም እቶም ህዝብን ከኣ ተሓጐሱ፣+ ውጽኢታት ኣምጺኦም ድማ እቲ ሳጹን ክሳዕ ዚመልእ፡ ናብኡ የውድቕዎ ነበሩ።* 11  ኣብቲ እቶም ሌዋውያን ንንጉስ ነቲ ሳጹን ዜረክቡሉ ዘበለ እዋን፡ ኣብኡ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ጸሓፊ እቲ ንጉስን ብዓል መዚ እቲ ሊቀ ኻህናትን መጺኦም ነቲ ሳጹን ገልቢጦም፡+ ናብ ቦታኡ ይመልስዎ ነበሩ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ገበሩ፣ ኣኺሉ ዚተርፍ ገንዘብ ድማ ኣከቡ። 12  ንጉስን የሆያዳን ከኣ፡ እዚ ነቶም ዕዮ ኣገልግሎት ቤት የሆዋ ዚቈጻጸሩ ይህብዎም ነበሩ፣ ንሳቶም ድማ ንቤት የሆዋ ንምሕዳስ ወቐርቲ እምንን ኢደ ጥበበኛታትን፡+ ንምጽጋን ቤት የሆዋ እውን ዓየይቲ ሓጺንን ነሓስን ይቘጽሩ ነበሩ። 13  እቶም ነቲ ዕዮ ዚቈጻጸሩ ኸኣ ጀመርዎ፣ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ድማ እቲ ዕዮ ጽገና ሰጐመ፣ ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ከም ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐረይዋን ኣጽንዕዋን። 14  ምስ ወድኡ ድማ፡ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ንጉስን የሆያዳን ኣምጽእዎ፣ ንሳቶም ከኣ ንቤት የሆዋ ዚኸውን ኣቕሑ፡ ንኣገልግሎትን ንመስዋእትን ዚኸውን ኣቕሑን ጽዋኣትን ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ንምስራሕ ተጠቐሙሉ።+ ብዅሉ ዘመን የሆያዳ ድማ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ።+ 15  የሆያዳ ኣሪጉን ዕድመ ጸጊቡን ሞተ፣ ኪመውት ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 130 ዓመት ነበረ። 16  ኣብ እስራኤል ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ምስ ቤቱን ብዚተሓሓዝ ጽቡቕ ስለ ዝገበረ፡+ ምስ ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ።+ 17  ድሕሪ ሞት የሆያዳ፡ መሳፍንቲ ይሁዳ መጺኦም ንንጉስ ሰገዱሉ፣ ንጉስ ድማ ሰምዖም። 18  ንቤት የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ከኣ፡ ንኣዕኑድ ኣምልኾን* ንጣኦታትን ኣገልገሉ፣ ስለዚ፡ ብሰንኪ በደሎም፡ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቍጥዓ ኣምላኽ መጸ።* 19  ናብ የሆዋ ኺመልስዎም ድማ፡ ንሱ ነብያቱ ይሰድደሎም ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ የጠንቅቕዎም* ነበሩ፣ ግናኸ፡ ኣይሰምዕዎምን።+ 20  መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዘካርያስ ወዲ ኻህን የሆያዳ+ መጸ፣* ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ተንሲኡ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከምዚ ይብል፦ ‘ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዛት የሆዋ እትጥሕሱ ዘለኹም፧ ኣይኪቐንዓኩምን እዩ! ንየሆዋ ስለ ዝሓደግኩምዎ፡ ንሱ እውን ኪሓድገኩም እዩ’” በሎም።+ 21  ንሳቶም ግና ውዲት ኣለሙሉ፡+ ብትእዛዝ ንጉስ ከኣ ኣብ ኣጸድ ቤት የሆዋ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ 22  በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ዮኣስ ነቲ ኣቦኡ* የሆያዳ ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ ኣይዘከሮን፣ ንወዱ ደኣ ቐተሎ። ንሱ ኺመውት ከሎ ድማ፡ “ነዝስ የሆዋ ይርኣዮ፡ ተሓታቲ እውን ይግበርካ” በለ።+ 23  ኣብ መጀመርታ ዓመት፡* ሰራዊት ሶርያ ኣንጻር ዮኣስ ደየበ፣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ከኣ ወረርወን።+ ንዅሎም መሳፍንቲ+ ህዝቢ ድማ ኣጥፍእዎም፣ ኵሉ እቲ ምርኮኦም ከኣ ናብ ንጉስ ደማስቆ ሰደዱ። 24  እቲ ወራሪ ሰራዊት ሶርያ ሒደት ሰባት እኳ እንተ ነበርዎ፡ እቲኣቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎምዎ ስለ ዝነበሩ፡ የሆዋ ንዓታቶም ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፣+ ንሳቶም* ድማ ነቲ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ዮኣስ ፈጸምዎ። 25  ንሳቶም ብብርቱዕ ቈሲሉ* ሓዲጎምዎ ነበሩ እሞ፡ ካብኡ ምስ ከዱ፡ ደም ደቂ* ኻህን የሆያዳ ስለ ዘፍሰሰ፡+ ገላዉኡ ውዲት ኣለሙሉ። ኣብ ዓራቱ ኸኣ ቀተልዎ።+ ምስ ሞተ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ፣+ ኣብ መቓብር ነገስታት ግና ኣይቀበርዎን።+ 26  እቶም ውዲት ዝኣለሙሉ ኸኣ፡+ ዛባድ ወዲ ሺምዓት እታ ዓሞናዊትን የሆዛባድ ወዲ ሺምሪት እታ ሞኣባዊትን እዮም። 27  ብዛዕባ ደቁን ብዛዕባ እቲ ኣንጻሩ እተዘርበ ሓያሎ ኸቢድ መልእኽትን+ ብዛዕባ እቲ ሕደሳ* ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን፡+ እዚ ዅሉ ኣብ ጽሑፋት* መጽሓፍ ነገስታት ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ውጽኢታት ኣምጺኦም ድማ ኵሎም ክሳዕ ዚህቡ፡ ናብቲ ሳጹን የውድቕዎ ነበሩ” ኪኸውን ይኽእል።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ቍጥዓ መጸ።”
ወይ፡ “ይምስክሩሎም።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘካርያስ ወዲ ኻህን የሆያዳ መንፈስ ኣምላኽ ለበሰ።”
ማለት፡ ኣቦ ዘካርያስ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ምእታው ዓመት።”
ማለት፡ ሶርያውያን።
ወይ፡ “ምስ ብዙሕ ሕማም።”
ወይ፡ “ወዲ።” እታ ብብዙሕ ዝሰፈረት ቃል፡ ኣኽብሮት እተመልክት ክትከውን ትኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ምስራት።”
ወይ፡ “መግለጺ፣ ርእይቶ።”