2 ዜና መዋእል 25:1-28

  • ኣማስያ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-4)

  • ምስ ኤዶም ዝገበሮ ውግእ (5-13)

  • ኣማስያ ዝገበሮ ኣምልኾ ጣኦት (14-16)

  • ምስ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ውግእ (17-24)

  • ሞት ኣማስያ (25-28)

25  ኣማስያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 29 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ዮዓዳን እዩ፣ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።+  ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ፣ ግናኸ፡ ብምሉእ ልቢ ኣይኰነን።  እታ መንግስቲ ብጽኑዕ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ምስ ኰነት፡ ነቶም ንኣቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም።+  ግናኸ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ “ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱ፣ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታቶም ኣይሙቱ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት” ኢሉ የሆዋ ኸም ዝኣዘዘ ተጻሒፉ ዘሎ ብምግባር፡ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን።+  ኣማስያ ድማ ንይሁዳ ኣኪቡ በብማይ ቤቶም፡ ንዅሎም ይሁዳን ብንያምን በብኣሕሉቕ ሽሕን በብኣሕሉቕ ሚእትን ደው ኣበሎም።+ ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዘበሉ መዝገቦም፣+ ሕላስን ዓብዪ ዋልታን ሒዞም ኣብ ሰራዊት ዜገልግሉ ድማ፡ 300,000 ዕሉማት* ተዋጋእቲ ዀይኖም ረኸቦም።  ካብ እስራኤል ከኣ፡ ብ100 ታለንት* ብሩር 100,000 ሓያላት ጀጋኑ ተኻረየ።  ሓደ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ ናብኡ መጺኡ፡ “ኦ ንጉስ፡ የሆዋ ምስ እስራኤል፡ ምስ ኵሎም ደቂ ኤፍሬም ኣይኰነን እሞ፡+ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ።  ግናኸ፡ በይንኻ ኺድ፡ ግበር፡ ኣብ ውግእ እውን ትባዕ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ኪረድእ ኰነ ኼዐንቅፍ ሓይሊ ኣለዎ እሞ፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኼዐንቅፈካ እዩ” በሎ።  ኣማስያ ኸኣ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ “እቲ ንሰራዊት እስራኤል ዝሃብክዎ 100 ታለንትኸ፧” በሎ። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ “የሆዋ ኻብኡ ዚበዝሕ ኪህበካ ይኽእል እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 10  ሽዑ፡ ኣማስያ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመጹ ሰራዊት ናብ ቦታኦም ኪኸዱ ኣሰናበቶም። ንሳቶም ግና ብይሁዳ ኣዝዮም ተቘጥዑ፣ ናብ ቦታኦም ከኣ ብቝጥዓ ነዲዶም ተመልሱ። 11  ኣማስያ ድማ ተቢዑ ንሰራዊቱ ናብ ስንጭሮ ጨው መርሖ፣+ ካብ ደቂ ሰዒር ከኣ 10,000 ቀተለ።+ 12  እቶም ሰብ ይሁዳ ድማ ን10,000 ብህይወቶም ከለዉ ሓዝዎም። ናብ ርእሲ ሓደ ኸውሒ ኣደይቦም ከኣ፡ ካብ ርእሲ እቲ ኸውሒ ኣጽደፍዎም፣ ኵላቶም ድማ ተሓምሸሹ። 13  ኣባላት እቶም ኣማስያ ምስኡ ናብ ውግእ ከይከዱ ዝመለሶም ሰራዊት ግና፡+ ካብ ሰማርያ+ ኽሳብ ቤት-ሖሮን፡+ ንኸተማታት ይሁዳ ይወርርወን ነበሩ፣ ካባታተን 3,000 ቀተሉ፡ ብዙሕ ምርኮ እውን ማረኹ። 14  ኣማስያ ንኤዶማውያን ወቒዑ ምስ ተመልሰ፡ ኣማልኽቲ ደቂ ሰዒር ኣምጺኡ፡ ኣማልኽቱ ኪዀኑ ኣቘሞም፣+ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰገደ፡ ዓጠነሎም እውን። 15  ስለዚ፡ የሆዋ ብኣማስያ ኣዝዩ ተቘጥዐ፣ ሓደ ነብዪ ናብኡ ሰዲዱ ድማ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ነዞም ንህዝቦም ካብ ኢድካ ዘየናገፉ ኣማልኽቲ እዞም ህዝቢ እትስዕቦም ዘለኻ፧” በሎ።+ 16  ንሱ ኺዛረቦ ኸሎ፡ ንጉስ፡ “ኣማኻሪ ንጉስ ጌርናዶ ሸይምናካ ኢና፧+ ሕደግ፡+ ንምንታይ ዚቐትሉኻ፧” በሎ። እቲ ነብዪ ኸኣ ሓደገ፣ ግናኸ፡ “እዚ ስለ ዝገበርካን ንምኽረይ ስለ ዘይሰማዕካን፡ ኣምላኽ ኬጥፍኣካ ኸም ዝወሰነ ፈሊጠ” በለ።+ 17  ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ምስ ኣማኸርቱ ምስ ተማኸረ፡ ናብ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ ንጉስ እስራኤል ልኢኹ፡ “ንዓ፡ ንሓድሕድና ኣብ ውግእ ንጋጠም”* በሎ።+ 18  ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦ “ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እሾዅ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ፡ ‘ጓልካ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ግናኸ፡ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ እንስሳ ዘገዳም ሓለፈ እሞ፡ ነቲ እሾዅ ረገጾ። 19  ‘እንሆ፡ ንኤዶም ወቒዐዮ’* ትብል ኣለኻ።+ ልብኻ ድማ ኪኽበር ደልዩ ተዓብዩ ኣሎ። ሕጂ ግና፡ ኣብ ቤትካ* ተቐመጥ። ንይሁዳ ምሳኻ ኽትልክሞሲ፡ ስለምንታይ መዓት ኣለዓዒልካ እትወድቕ፧” 20  ግናኸ፡ ንኣማልኽቲ ኤዶም ስለ ዝሰዓብዎም፡+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኪህቦም መዲቡ ነበረ እሞ፡+ ኣማስያ ኣይሰምዐን።+ 21  ሽዑ፡ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ፣ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ቤት-ሸመሽ+ ናይ ይሁዳ ንሓድሕዶም ኣብ ውግእ ተጋጠሙ። 22  ይሁዳ ኸኣ ብእስራኤል ተሳዕረ፣ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ቤቱ* ሃደመ። 23  ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ፡* ኣብ ቤት-ሸመሽ ሓዞ። ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ፣ ንመካበብያ የሩሳሌም ከኣ ካብ ኣፍ ደገ ኤፍሬም+ ክሳብ ኣፍ ደገ መኣዝን፡+ 400 እመት* ኣፍረሰ። 24  ነቲ ምስ* ዖቤድ-ኤዶም ኣብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን እተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣቕሑን ወሰደ፣+ ብዘይካዚ እውን ጅሆ ወሰደ። ናብ ሰማርያ ድማ ተመልሰ። 25  ኣማስያ+ ወዲ ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ዮኣስ+ ወዲ ዮኣሓዝ ንጉስ እስራኤል 15 ዓመት ብህይወት ጸንሐ።+ 26  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣማስያ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉዶ የሎን፧ 27  ካብታ ኣማስያ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ዘልገሰላ ግዜ ኣትሒዞም፡ ኣብ የሩሳሌም ውዲት ኣለሙሉ፣+ ንሱ ድማ ናብ ላኪሽ ሃደመ፣ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ናብ ላኪሽ ሰባት ሰደዱ፡ ኣብኣ እውን ቀተልዎ። 28  ኣብ ኣፍራስ ጽዒኖም ከኣ መለስዎ፡ ምስ ኣቦታቱ እውን ኣብ ከተማ ይሁዳ ቐበርዎ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ገጽ ንገጽ ንርአአ።”
ቃ.ቃ.፡ “ወቒዕካዮ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስትኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ድንኳኑ።”
ኣስታት 178 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣሓዝያ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ወይ፡ “ኣብ ትሕቲ ሓልዮት።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”