2 ዜና መዋእል 27:1-9

  • ዮታም፡ ንጉስ ይሁዳ (1-9)

27  ዮታም+ ኪነግስ ከሎ ድማ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ የሩሻ እዩ፣ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ።+  ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዑዝያ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ፣+ ግናኸ፡ ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ጥሒሱ ኣይኣተወን።+ እቶም ህዝቢ ግና ገና ተበላሽዮም ነበሩ።  ንሱ ድማ ላዕለዋይ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ሰርሐ፣+ ኣብ መካበብያ ዖፌል እውን ብዙሕ ሃነጸ።+  ኣብ ኣኽራን ይሁዳ+ ኸኣ ከተማታት ሰርሐ፣+ ኣብ ዱር ድማ ዕርድታትን+ ግምብታትን+ ሰርሐ።  ምስ ንጉስ ዓሞናውያን ከኣ ተዋግአ እሞ፡+ ንዓታቶም ሰዓሮም፣ እቶም ዓሞናውያን ድማ 100 ታለንት* ብሩርን 10,000 ቆሮስ* ስርናይን 10,000 ስገምን ሃብዎ። ዓሞናውያን ከኣ ኣብታ ኻልአይትን ሳልሰይትን ዓመት ከክንድዚ ኸፈልዎ።+  ዮታም ድማ፡ መገድታቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኹ ሰሪቱ* ነበረ እሞ፡ እናበርትዐ ኸደ።  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮታም፡ ኵሉ ውግኡን መገድታቱን፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጻሒፉ ኣሎ።+  ንሱ ኺነግስ ከሎ ድማ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ።+  ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝ ነገሰ።+

እግረ ጽሑፍ

ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ቆሮስ፡ 220 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ኣዳልዩ።”